1ኣቱም ጐይቶት፥ ንስኻትኩምውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኸም ዘለኩም ፈሊጥኩም፥ ንመገልገልትኹም ቕኑዕን ግቡእን ግበሩሎም።
2ፀሎት ኣዘውትሩ፤ ኣብ ፀሎትኩም ከዓ፥ ንቑሓትን መመስገንትን ኩኑ።
3ነቲ ምእንታኡ ተኣሲረ ዘለኹ፥ ምስጢር ክርስቶስ ምእንቲ ኽንሰብኽ፥ እግዚኣብሄር ንቓሉ ኣፍ ደገ ክኸፍተልና፥ ምእንታና ፀልዩ።
4ኣነውን ከምቲ ዝግብአኒ ገይረ፥ ነቲ ቓል ምእንቲ ብግልፂ ኽናገር ፀልዩለይ።
5ነቲ ዝተውሃበኩም ጊዜ ብግቡእ እናተጠቐምኩም፥ ምስቶም ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ።
6ንነፍሲ ወከፍ፥ ብቑዕ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኣዘራርባኻትኩም፥ ብጨው ከም ዝተቐመመ፥ ኵልሻዕ ብፀጋ ዝመልአ ይኹን።
7ቲኪቆስ፥ እቲ ፍቑር ሓውናን፥ እሙን ኣገልጋልን፥ ብጐይታ መሳርሕተይን፥ ከመይ ከም ዘለኹ ኸፍልጠኩም እዩ።
8ናባኻትኩም ዝሰዶ ዘለኹ፥ ብዛዕባ ሃለዋትና ምእንቲ ኽትፈልጡን፥ ልብኹም ምእንቲ ኸፀናንዕን ኢለ እየ።
9ምስኡውን ነቲ ኻባኻትኩም ዝኾነ፥ እሙንን ፍቑርን ሓውና ኣናሲሞስ እሰደልኩም ኣለኹ፤ ንሳቶም፥ እቲ ዅሉ ኣብዙይ ዝኾነ ኽነግሩኹም እዮም።
10እቲ መተኣስርተይ ዝኾነ ኣርስጥሮስ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ፤ ማርቆስ ወዲ ሓዉ ንበርናባስውን፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። እዙይ እቲ “እንተ መፀኩም፥ ብፅቡቕ ተቐበልዎ” ኢለ ኣዚዘኩም ዝነበርኩ ሰብ እዩ።
11ኢዮስጦስ ዝተብሃለ ኢያሱ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ግሩዛት ካብ ዝኾኑ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ምሳይ ዘገልግሉ፥ ንኣይውን ዘፀናንዑኒ ዘለዉ ኣይሁድ፥ እዚኣቶም ጥራሕ እዮም።
12እቲ ሓደ ኻባኻትኩም፥ ኣገልጋሊ ክርስቶስ ዝኾነ ኤጳፍራስ፥ ሰላምታ የቕርበልኩም ኣሎ፤ ምሉኣትን ብዅሉ ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ተረዲእኹም፥ ፍፁማት ኴንኹም ምእንቲ ኽትቆሙን፥ ተጊሁ ብፀሎት ይጋደል ኣሎ።
13ንሱ ምእንታኻትኩምን፥ ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዶቅያን ኣብ ኢያራጶሊስ ዘለዉን፥ ብዙሕ ፃዕሪ ኸም ዘለዎ እምስክረሉ ኣለኹ።
14ሉቃስ እቲ ፍቑር ሓኪምን ዴማስን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
15ነቶም ኣብ ሎዶቅያ ዘለዉ ኣሕዋትን፥ ንኒምፋስን፥ ነታ ኣብ ገዛኡ ዘላ ቤተ ክርስቲያንን፥ ሰላም በሉለይ።
16ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ምስ ኣንበብኩምዋ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሎዶቅያ ኸም እትንበብ ግበሩ፤ ንስኻትኩምውን፥ ነታ ኻብ ሎዶቅያ እትመፅእ መልእኽቲ ኣንብብዋ።
17ንኣክሪጳ ድማ “ነታ ብጐይታ ዝተቐበልካያ ኣገልግሎት፥ ከም እትፍፅማ” በልዎ።
18እዝ ሰላምታ እዙይ፥ ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ እፅሕፈልኩም ኣለኹ። መቓውሐይ ዘክሩ። ፀጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።