ቆሎሴ 1

BCVትግርኛ28 ፍቕድታት8:03 ስማዕ
ስማዕ 8:03 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሃዋርያ ኻብ ዝኾነ ጳውሎስን፥ ካብ ሓውና ጢሞቴዎስን፥ ናብቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ኣሕዋትናን፥ ኣብ ቈላስይስ ዘለዉ ቕዱሳንን፥

2ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ይኹነልኩም።

3ብዛዕባ እታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘላትኩም እምነትን፥ ንዅሎም ምእመናን ዘለኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕና፥ ኵልሻዕ ምእንታኻትኩም እንትንፅሊ፥ ንእግዚኣብሄር፥ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ነመስግኖ ኣለና፤

5እቲ ቓል ሓቂ ዝኾነ ወንጌል፥ ቅድሚ ሕዚ ናባኻትኩም ምስ መፀ፥ ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝህቦ ተስፋ ሰሚዕኹም ኔርኩም። ስለዙይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን፥ ኣብቲ ኣብ ሰማይ ተዓቝሩልኩም ዘሎ ተስፋ ዝተመስረተ እዩ።

6ከምቲ ወንጌል ኣብ ኵሉ ዓለም ፍረ የፍርን ይጋፋሕን ዘሎ፥ ካብታ ፀጋ እግዚኣብሄር ዝሰማዕኹምላን፥ ሓቂ ምዃና ዝተረዳእኹምላን መዓልቲ ጀሚሩ፥ ኣባኻትኩምውን ፍረ የፍርን ይሰፍሕን ኣሎ።

7እቲ ፍቑር መሳርሕትና ኤጳፍራስ እዩ፥ ነዙይ ዝመሃረኩም። ንሱ፥ ክንዳኻትኩም(ሀ) እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ እዩ።

8ብዛዕባ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዘለኩም ፍቕሪውን ዝነገረና፥ ንሱ እዩ።

9ስለዙይውን እዩ፥ ንሕና ኻብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፥ በቲ ፍልጠት ፍቓዱ፥ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ምስትውዓልን ክመልአኩም፥ ብዛዕባኻትኩም ካብ ምፅላይ፥ ኣቋሪፅና ኣይንፈልጥን።

10ብዅሉ ሰናይ ተግባር ፍረ እናፈረኹም፥ ንእግዚኣብሄር ብምፍላጥ እናዓበኹም፥ ንእኡ ብዝበቅዕ ህይወት እናነበርኩም፥ ንጐይታ ብዅሉ ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ንፅሊ ኣለና።

11በቲ ኽቡር ሓይሉ፥ ብዙሕ ትዕግስትን ፅንዓትን ረኺብኩም፥ ብዅሉ ሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፥

12በቲ ግደ ርስቲ ቕዱሳን፥ ብብርሃን ክንሳተፍ ዘብቅዐና ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ክተመስግኑ ንፅሊ ኣለና።

13ንሱ፥ ካብ ናይ ፀልማት ስልጣን ኣውፅአና፤ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱውን ኣእተወና።

14ንሱ ብደሙ ተቤዘወና፥ እዙይውን ስርየት ሓጢኣት እዩ።

15ክርስቶስ ናይቲ ዘይረአ እግዚኣብሄር ኣምሳልን፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት በዅርን እዩ።

16ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ፥ ዝረአን ዘይረአን፥ ሓይልታት ይኹኑ ገዛእቲ፥ ኣሕሉቕ ይኹኑ ስልጣናት፥ ኵሎም ብእኡ ዝተፈጥሩ እዮም እሞ፥ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ ዝተፈጥረ።

17ንሱ ኸዓ፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት ዝነበረ እዩ፤ ኵሉ ፀኒዑ ዝቖመውን ብእኡ እዩ።

18ንሱ፥ ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፥ ርእሲ እዩ፤ ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ክኸውን፥ ንሱ መጀመርታ፥ ካብ ምዉታትውን በዅሪ እዩ።

19ናይ መለኮት ምልኣት ኣብ ወዱ ምእንቲ ኽሓድር፥ ናይ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ፍቓድ ኮይኑ እዩሞ።

20እግዚኣብሄር፥ በቲ ወዱ ኣብ መስቀል፥ ዘፍሰሶ ደም ገይሩ ሰላም ገበረ፤ ነቲ ዅሉ ኣብ ምድሪ ዘሎን፥ ኣብ ሰማያት ዘሎን፥ ምስ ባዕሉ ዓረቖ።

21ንስኻትኩም፥ ቀደም ካብ እግዚኣብሄር ዝረሓቕኩም፥ ብሓሳብኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን፥ ፀላእቱ ነበርኩም።

22ንሱ ግና፥ ነውርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸቑመኩም፥ ብሞት ስጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ዓረቐኩም።(ለ)

23እዙይ ከዓ ተመስሪትኩምን ደልዲልኩምን፥ ካብቲ ብወንጌል ዝረኸብኩምዎ ተስፋ እንተይተነቓነቕኩም፥ ኣብ እምነትኩም እንተ ፀኒዕኹም እዩ። እዙይ ከዓ፥ እቲ ንስኻትኩም ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት ዝተሰብከ፥ ወንጌል እዩ፤ ኣነ ጳውሎስውን፥ ነዝ ወንጌል ኣገልጋሊ ኾንኩ።

24ሕዚ ኸዓ ምእንታኻትኩም መከራ ብምቕባለይ እሕጐስ ኣለኹ። ምእንቲ እታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ነቲ ኻብ ክርስቶስ መከራ ዝተረፈ፥ ብስጋይ እምልእ ኣለኹ።

25ከምቲ ብእግዚኣብሄር ዝተውሃበኒ መጋቢነት፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ብምልኣት ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልጋሊ ኾንኩ።

26እዝ ምስጢር እዙይ፥ ካብ ዘለኣለም፥ ንውሉድ ወለዶ ተሰዊሩ ነበረ፤ ሕዚ ግና፥ ንቕዱሳኑ ተገልፀ።

27እግዚኣብሄር ነዚኣቶም፥ እዝ ምስጢር እዙይ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፥ ሃብቲ ኽብሩ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ኸም ዝኾነ፥ ከፍልጦም መረፀ። እዝ ምስጢር ከዓ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ናይ ክብሪ ተስፋ ዝኾነ ክርስቶስ እዩ።

28ንሕና ንዅሉ ሰብ ብክርስቶስ ፍፁም ጌርና ምእንቲ ኽነቕርብ፥ ብጥበብ ንዅሉ ሰብ እናመዓድና፥ ንዅሉ ሰብውን እናመሃርና፥ ንእኡ ንሰብኽ ኣለና።

29ነዙይ ድማ፥ በቲ ንሱ ኣብ ውሽጠይ ብሓይሊ ዝገብሮ ዘሎ ዅሉ ተግባራት፥ እናተጋደልኩ እፅዕር ኣለኹ።

ትርጓሜ

1:1-8 ኩሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንሓድሕዶም ኣሕዋት እዮም። ታማንነት ናብ ኩሉ ባህርይን ዝምድናን ናይ ክርስትያናዊ ህይወት ይሰርጽ። እምነት፣ ተስፋን ፍቕርን ኣብ ክርስትያናዊ ህይወት ሰለስተ ቀንዲ ጸጋታት እዮም፣ ከምኡውን ንጸሎትን ንምስጋናን ዝግባእ ምኽንያት እዮም። ተስፋና ኣብቲ ኣብ ካልእ ዓለም ዘሎ ዓስቢ ብዝያዳ ክነረጋግጽ እንተደኣ ኴንና፣ ብምድራዊ ጥሪትና ጽቡቕ ኣብ ምግባር ብዝያዳ ሓራ ክንከውን ኢና። ንሳቶም ተሓዚኑሎም ነይሩ፣ ሓደ እኳ ጸላኢ ኻብኡ ኺምንዝዖም ኣይከኣለን። ወንጌል ቃል ሓቂ እዩ፣ ከምኡውን ነፍሳትና ብእኡ ብድሕንነት ክንምርኾም ንኽእል ኢና። ኩሎም እቶም ቃል ወንጌል ዝሰምዑ ፍረ ወንጌል ኬፍርዩ፣ ኪእዘዝዎ፣ ከምኡውን መሰረታዊ ስርዓታቶምን ህይወቶምን ብእኡ መሰረት ኪቐርጹ ይግብኦም። ዓለማዊ ፍቕሪ ወይ ካብ ረብሓ ወይ ድማ ካብ ምምሳል ባህርያት ዝብገስ እዩ። ስጋዊ ፍቕሪ ድማ ካብ ትምኒት ደስታ ይፍጠር። ነዚኦም ድማ ሓደ ርኹስ፣ ኣፍቃሪ ርእሱን ዝተዋረደን ነገር ኣዘውቲሩ ይልጠፍ። ክርስትያናዊ ፍቕሪ ግና ካብ መንፈስ ቅዱስ ይብገስ፣ ከምኡውን ብቅድስና ምሉእ እዩ።

1:9-14 ሃዋርያ ዘይቋርጽ ጸሎት ይገብር ነበረ፡ እቶም ምእመናን ብፍልጠት ፍቓድ ኣምላኽ ብኹሉ ጥበብ ምእንቲ ክመልኡ። ጽቡቕ ቃላት ብዘይ ጽቡቕ ግብሪ ኣይውዕሉን እዮም። ንህዝቡ ሓይሊ ምሃብ ዝተሰከመ፡ ሓያል ኣምላኽ እዩ፡ ክቡር ሓይሊ ዘለዎ። እቲ ብሩኽ መንፈስ ድማ ናይዚ መበገሲ እዩ። መንፈሳዊ ሓይሊ ንምልማን ክንጽሊ ከለና፡ ኣብቲ ተስፋታት ኣይንጸበብን ኢና፡ ከምኡ ድማ ኣብ ትምኒትን ሃረርታናን ክንከውን የብልናን። ጸጋ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ምእመናን፡ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ፤ ኣብዚ ሓይሊ እዚ ድማ ክብሪ ኣሎ። ፍሉይ ኣገልግሎት ናይዚ ሓይሊ እዚ ንመከራ ነበረ። ክስራሕ ዝግብኦ ስራሕ ኣሎ፡ እንተላይ ክንምከን ከለና። ኣብ ማእከል ኩሉ ፈተናታቶም፡ ንኣቦ ጐይታና የሱስ ኣመስገኑ፡ እዚ ፍሉይ ጸጋኡ ንቕዱሳን ተዳልዩ ዘሎ ውርሻ ንምውራስ ዘኽኣሎም እዩ። እዚ ለውጢ እዚ ንምምጻእ፡ እቶም ባሮኽ ሰይጣን ዝነበሩ፡ ፍቓደኛታት ተገዛእቲ ክርስቶስ ተገበሩ። እቶም ድሕሪ ሕጂ ንሰማይ ዝተሓሰቡ ኩሎም፡ ሕጂ ንሰማይ ተዳልዮም ኣለዉ። እቶም ውርሻ ውሉድ ዘለዎም፡ ትምህርቲ ውሉድ ከምኡ ድማ ባህሪ ውሉድ ኣለዎም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6