ትንቢት ኣሞጽ 9

BCVትግርኛ15 ፍቕድታት3:24 ስማዕ
ስማዕ 3:24 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ንጐይታ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ደው ኢሉ እንተሎ ረአኽዎ። ንሱውን ከምዙይ በለ፦ “እቲ ልዳውቲ ኽሳዕ ዝነቓነቕ ነቲ ጕልላት ውቕዓዮ፤ ተሰባቢሩ ኸዓ ኣብ ርእሲ እቶም ህዝቢ ይውደቕ። ኣነ ኸዓ ነቶም ካብኣቶም ዝተረፉ፥ ብሰይፊ ኽቐትሎም እየ። ካብኣቶምስ ሓደ እኳ ኣየምልጥን፤ ዘምልጥውን ኣይድሕንን እዩ።

2ናብ ሲኦል እንተ ወረዱኳ፥ ኢደይ ካብኡ ኽተውፅኦም እያ። ናብ ሰማይ እንተ ደየቡውን፥ ካብኡ ኣነ ኸውርዶም እየ።

3ኣብ ርእሲ ቀርሜሎስ እኳ እንተ ተሓብኡ፥ ደልየ ኻብኡ ኸውፅኦም እየ፤ ካብ ኣዒንተይ ናብ መዓሙቕ ባሕሪ እንተ ተሓብኡውን፥ ኣብኡ ንተመን ክእዝዞ እየ፤ ንሱ ኸዓ ኽነኽሶም እዩ።

4ብኢድ ፀላእቶም ተማሪኾም እንተ ኸዱውን፥ ኣብኡ ንሰይፊ ኽእዝዝ እየ፤ ንሱውን ክቐትሎም እዩ፤ ዓይነይ ንፅቡቕ ዘይኮነስ ንኽፉእ ናብኣቶም ክገብር እየ።”

5ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንምድሪ ይድህስሳ፥ ንሳ ኸዓ ትመክኽ፤ ኵላቶም ኣብኣ ዝነብሩውን ይበኽዩ፤ ብምልእታ ኸም ፈለግ ግብፂ ትለዓል፤ ከም ፈለግ ግብፂውን ትወርድ።

6ንሱ ነደራሻቱ ኣብ ሰማይ ዝሰርሐ፥ ንጠፈር ከዓ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝሰረተ፥ ንማያት ባሕሪ ዝፅውዖ፥ ናብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ድማ ዘፍስሶ ንሱ እዩ፤ ስሙውን እግዚኣብሄር እዩ።

7“ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ንስኻትኩም ንኣይ ከም ኢትዮጵያውያንዶ ኣይኮንኩምን? ይብል እግዚኣብሄር። ንእስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ንፍልስጥኤማውያን ካብ ከፍቶር፥ ንሶርያውያን ከዓ ኻብ ቂር ዘውፃእኽዎም ኣነዶ ኣይኮንኩን?

8እንሆ፥ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እዛ ሓጥእ ዝኾነት መንግስቲ እየን፤ ካብ ገፅ ምድሪ ኸዓ ኸጥፍኣ እየ። ግና ንዘርኢ ያእቆብ ፈፂመ ኣየጥፍኦን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

9“እንሆ፥ ኣነ ኽእዝዝ እየ፤ ንቤት እስራኤል ከዓ ኸምቲ እኽሊ ብመንፊት ዝንፈ፥ ኣብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ክነፍዮም እየ፤ ግናኸ ሓንቲ ፍረ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ።

10እቶም ‘ክፉእ ኣይረኽበናን እዩ፤ ኣይበፅሐናንውን’ ዝብሉ ዅሎም ሓጥኣን ህዝበይ፥ ብሰይፊ ኽሞቱ እዮም።”

11“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነታ ዝወደቐት ድንኳን ዳዊት ከተስእ እየ፤ ንዝነቕዐ መናድቓ ኽፅግኖ፥ ንዝፈረሰ ኽሕድሶ፥ ከምቲ ብጥንቲ ዘመን ዝነበረቶ ገይረ ኸዓ ኽሃንፃ እየ።

12እዙይውን እቶም ኣብ ኤዶምያስ ዝተረፉን፥ እቶም ስመይ ዝተፀውዖም ኵሎም ኣህዛብን ምእንቲ ኽወርሱ እዩ” ይብል እቲ ነዙይ ዝገብር እግዚኣብሄር።

13እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ እቲ ሓረስታይ ንዓፃዳይ፥ እቲ ፀማቚ ወይኒ ድማ ነቲ ዘራኢ ዘርክበለን፥ መዓልቲታት ክመፃ እየን። እምባታት ከዓ ዀልዒ ወይኒ ኸንጠብጥቡ እዮም፤ ኵሎም ኰረብታታት ድማ ኽመኩ እዮም።

14ኣነ ኸዓ ናይ ህዝበይ እስራኤል ምርኮ ኽምልስ እየ፤ ንሳቶም ድማ ነተን ዝዓነዋ ኸተማታት ክሃንፅወንን ክነብሩለንን እዮም። ወይኒ ኽተኽሉ፥ ወይኑውን ክሰትዩ እዮም፤ ኣታኽልቲ ኽተኽሉ እዮም፤ ፍረኡውን ክበልዑ እዮም።

15ኣነ ኣብ ምድሮም ክተኽሎም እየ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ኻብታ ዝሃብክዎም ምድሪ ኸቶ ኣይንቀሉን፤ ይብል ኣምላኽካ እግዚኣብሄር።”

ትርጓሜ

9:1-10 ነብዪ ብራእይኡ፡ እግዚአብሔር ኣብቲ ጣኦታዊ መሰውኢ ቤትኤል ደው ኢሉ ረኣየ። ሓጥኣን ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ናብ ዝኾነ ይኹን ቦታ እንተሃደሙ፡ ክበጽሖም እዩ። እቶም ኣምላኽ ብጸግኡ ናብ ሰማይ ዘምጽኦም፡ ፈጺሞም ኣይወድቁን እዮም። ግናኸ እቶም ብኸንቱ ብርእሶም ተኣማሚኖም ናብኡ ኪድይቡ ዝፈትኑ፡ ኪወድቁን ብውርደት ኪመልኡን እዮም። እቲ ምህዳም ዘይከኣልን ጥፍኣት ድማ ዘረጋግጽን፡ ኣምላኽ ኣዒንቱ ንጽቡቕ ዘይኮነስ፡ ንክፉእ ኪጥምቶም ምዃኑ እዩ። እቶም እግዚአብሔር ንጽቡቕ ዘይኮነስ፡ ንክፉእ ዝጥምቶም፡ ከመይ ዝበሉ ውጹዓት ኪኾኑ እዮም! እግዚአብሔር ንኣይሁድ ኪበታትኖም እሞ፡ ከምቲ ስርናቕ ብመንፊት ዚርገግ፡ ብመከራ ኺበጽሖም እዩ። ግናኸ ካብኣቶም ገሊኦም ኬድሕን እዩ። ኣብዚ እቲ ናይ ኣይሁድ ከም ፍሉይ ህዝቢ ዘገርም ምሕላውኦም ተነጊሩ ዘሎ ይመስል።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ጌታን በመሠዊያው አጠገብ ቆሞ አየሁት፤ እርሱም እንዲህ አለ፦ “መድረኮቹ ይናወጡ ዘንድ ጕልላቶቹን ምታ፥ በራሳቸውም ሁሉ ላይ ሰባብራቸው፤ እኔም ከእነርሱ የቀሩትን በሰይፍ እገድላለሁ፤ የሚሸ… አማርኛ ENGNIV I saw the Lord standing by the altar, and he said: “Strike the tops of the pillars so that the thresholds shake. Bring … English GAZBIB Ammas Waaqayyo gooftaan iddoo aarsaa gara irraa utuu dhaabatuu mul'ataan nan arge; inni,“Manichi guutummaatti akka raaf… Afaan Oromoo BCV GIZ ርኢክዎ ለእግዚአብሔር ይቀውም ዲበ ምሥዋዕ ወይቤለኒ፦ ዝብጥ ዲበ ምሥሃል ወያድለቀልቅ ዴዳያት እስመ እቀትሎሙ በኲናት ወይመትርዎሙ አርእስቲሆሙ፤ ወአልቦ ዘያመስጥ እምእለ ተርፉ ወአልቦ ዘይድ… giz GAZGAZ Ammas Waaqayyo gooftaan iddoo aarsaa gara irraa utuu dhaabatuu mul'ataan nan arge; inni,“Manichi guutummaatti akka raaf… Afaan Oromoo BCV aksum ንጐይታ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ደው ኢሉ እንተሎ ረአኽዎ። ንሱውን ከምዙይ በለ፦ “እቲ ልዳውቲ ኽሳዕ ዝነቓነቕ ነቲ ጕልላት ውቕዓዮ፤ ተሰባቢሩ ኸዓ ኣብ ርእሲ እቶም ህዝቢ ይውደቕ። ኣነ ኸዓ ነቶም… ትግርኛ AMHNIV ጌታን በመሠዊያው አጠገብ ቆሞ አየሁት፤ እርሱም እንዲህ አለ፤ “መድረኮቹ እንዲናወጡ፣ ጒልላቶቹን ምታ፣ በሕዝቡም ሁሉ ራስ ላይ ሰባብራቸው፤ የቀሩትን በሰይፍ እገድላቸዋለሁ፤ ከእነርሱ አንድም… አማርኛ SWAHSUV Nalimwona Bwana akisimama karibu na madhabahu; akasema, vipigo vichwa vya nguzo, hata vizingiti vitikisike; vivunje vip… Kiswahili