ትንቢት ኣሞጽ 8

BCV aksumትግርኛ14 ፍቕድታት2:37 ስማዕ
ስማዕ 2:37 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ጐይታ እግዚኣብሄር ነዙይ ኣርኣየኒ፦ እንሆ ኸዓ ፍረ ቐሪም ዝመልአ ኸፈር ነበረ።

2እግዚኣብሄር ከዓ “ኣታ ኣሞፅ፥ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” በለኒ። ኣነ ኸዓ “ፍረ ዝመልአ ኸፈር እርኢ ኣለኹ” በልኩ። እግዚኣብሄር ከዓ “ናይ ህዝበይ እስራኤል መወዳእታ በፂሑ እዩ። ድሕሪ ደጊም ሸለል ኢለ ኣይሓልፎምን እየ” በለኒ።

3“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ዝማሬ ቤተ መቕደስ፥ ናብ ብኽያት ክልወጥ እዩ፤ ሬሳታት ሰብ ክበዝሕ እዩ፤ ኣብ ኵሉ ቦታ ኸዓ፥ ብስቕታ ኽድርበዩ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።

4ንስኻትኩም ኣቱም ነቲ ምስኪን እትውሕጡ፥ ነቶም ፅጉማት እታ ሃገርውን ክተጥፍኡ እትደልዩ፥

5ንስኻትኩም “መስፈሪ እናንኣስና፥ ሕልፊ እናኽፈልና፥ ብሓሳዊ ሚዛን እናጠበርና እኽሊ ኽንሸይጥስ፥ ሰርቂ ወርሒ መኣዝ ኮን ይሓልፍ? ቆፎ ስርናይ ክንከፍትከ፥ ሰንበት መኣዝ ኮን ትሓልፍ?” እትብሉ፤

6“ጕርዲ ስርናይ ክንሸይጥ ኢና፤ ነቲ ድኻ፥ ብብሩር፥ ነቲ መስኪን ከዓ፥ ብሓንቲ ፅምዲ ሳእኒ ኽንገዝኦ ኢና” እትብሉ ነዙይ ስምዑ።

7እግዚኣብሄር ብኽብሪ ያእቆብ ከምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “ኣነ ንዅሉ ግብሮም ንዘለኣለም ከቶ ኣይርስዖን እየ፤

8እዛ ምድሪ እዚኣ በዝ ምኽንያት እዙይዶ ኣይተንቀጥቅጥን እያ? እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዅላቶምከ ኣይሓዝኑንዶ? ንሳ ብምልእታ ኸም ወሓዚ ኽትለዓል፥ ከም ፈለግ ግብፂ መሊኣ ቐምበይ ቀምበይ ክትብልን፥ ጐዲላ ኸዓ ትሕት ክትብልን እያ።

9በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ቀትሪ እንተሎ ንፀሓይ ከዕርባ፥ ድሙቕ መዓልቲ እንተሎውን ንምድሪ ኸፀልምታ እየ፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።

10ንበዓላትኩም ድማ ናብ ሓዘን፥ ንዅሉ መዝሙርኩም ከዓ ናብ ብኽያት ክልውጦ እየ፤ ኵሉ ጐድኒ ወጮ ኸም ዝኽደን፥ ኵሉ ርእሲ ድማ ኸም ዝንፀ ኽገብር እየ። ብሞት ሓደ ውሉዶም ከም ዝሓዝኑ፥ መወዳእታውን ከም መራር መዓልቲ ኽገብር እየ።

11“እንሆ፥ ኣነ ናብታ ምድሪ ጥሜት ዝሰደለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር። እዝ ጥሜት እዙይ ግና ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር፥ ጥሜት እንጀራን ፅምኢ ማይን ኣይኮነን።

12ሰባት ቃል እግዚኣብሄር ክደልዩ፥ ናብዙይን ናብቱይን ክጐዩ እዮም። ካብ ባሕሪ ናብ ባሕሪ፥ ካብ ሰሜን ናብ ምብራቕ ኰለል ክብሉ እዮም፤ ግና ኣይረኽብዎን።

13በታ መዓልቲ እቲኣ እተን ፅቡቓት ደናግልን እቶም ኣጓብዝን ብፅምኢ ኸሕለልዉ እዮም።

14እቶም ‘ኣታ ዳን ኣምላኽካ ህያው እዩ’ ወይ ‘መንገዲ ቤርሳቤህ ህያው እዩ’ እናበሉ ብሓጢኣት ሰማርያ ዝምሕሉ ኽወድቁ እዮም፤ መሊሶምውን ኣይትስኡን እዮም።”

ትርጓሜ

8:1-3 ኣሞጽ ዝተኣከበን ንምብላዕ ድሉው ዝኾነን ቅርጫት ክረምታዊ ፍረ ረአየ፤ እዚ ኸኣ እቶም ህዝቢ ንጥፍኣት በጺሖም ምህላዎም ከምኡውን ዓመት ትዕግስቲ ኣምላኽ ናብ መወዳእታኣ ይቕረብ ከም ዝነበረ እዩ ዜመልክት ነበረ። ከምዚ ዝኣመሰለ ክረምታዊ ፍረ ኽሳዕ ክረምቲ ኣይጸንሕን፣ የግዳስ ብኡ ንብኡ ክውገድ ይግባእ። ይኹን እምበር እዚ ፍርዲ እዚ፡ ብዛዕባ ጽድቂ ኣምላኽ ይኹን ወይ ብዛዕባ ዓመጽ እቲ ህዝቢ፡ ዝኾነ ይኹን ምእማን ኣየምጽእን። ሓጥኣን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ንንስሓ የናውሑ፣ ምኽንያቱ ጐይታ በዚ ኣገባብ ፍርድታቱ የናውሕ ከም ዘሎ ስለ ዚሓስቡ።

8:4-10 ሃብታማትን ሓያላትን ናይ እታ ሃገር ብዝበለጸ ንምጽዋት ተሓተይቲ ነበሩ፣ ከምኡ'ውን ብኣምልኾ ጣኦት ቀዳሞት ነበሩ። ካብ'ቲ ናይ ሰንበትን ሓድሽ ወርሕን ገደባት ሰልችዮም ነበሩ፣ እቲ ግዜ ከብቅዕዎ ድማ ይምነዩ ነበሩ፣ ምኽንያቱ ኣብኡ ዝኾነ ናይ ዓለማዊ ስራሕ ክስራሕ ኣይካኣልን ነይሩ። እዚ ድማ ባህሪ ናይቶም ክርስትያን ተባሂሎም ዝጽውዑ ብዙሓት እዩ። መዓልቲ ሰንበትን ስራሕ ሰንበትን ንስጋውያን ልቢ ጾር ይኸውን። ወይ ድማ ይርከስ ወይ ከኣ ደባሪ መዓልቲ ተባሂሉ ይቑጸር። ግናኸ ግዜና ካብቲ ምስ ኣምላኽ እንብጽሓሉ ዝበለጸ ክንጥቀመሉ ንኽእል ዲና? ኣብ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ከለዉ፣ ብዛዕባ ዕዳጋ ይሓስቡ ነበሩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6