1እዝ ቓል እዙይ፥ ኣሞፅ፥ ሓደ ኻብቶም ጓሶት ቴቁሔ ዝነበረ፥ ብዘመን ኣዛርያስ ንጉስ ይሁዳን፥ ብዘመን ኢዮርብዓም ወዲ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤልን፥ ክልተ ዓመት ቅድሚ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ብዛዕባ እስራኤል ዝረኣዮ ቓል እዙይ እዩ።
2ንሱውን ከምዙይ በለ፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ፅዮን ኮይኑ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ የስምዕ፤ ካብ ኢየሩሳሌምውን ቃሉ ይህብ፤ እቶም መዋፈሪ ጓሶት ይበኽዩ፤ ርእሲ ቀርሜሎስ ድማ ይነቅፅ።”
3እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ንገለዓድ ብሓፂን መንኰርኰር ኣኺዱ እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ደማስቆ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።
4ኣነ ናብ ቤት ኣዛሄል ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ወልደ ኣዴር ከዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ።
5ንመሸጎሪ ደማስቆ ኽሰብሮ እየ፤ ነቶም ነበርታውን ካብ ለሰ ኣዌን ከጥፍኦም እየ፤ ነቲ በትሪ ዝሓዘ ድማ፥ ካብ ቤት ኤደን ከጥፍኦ እየ፤ ህዝቢ ሶርያውን ተማሪኾም ናብ ቂር ክኸዱ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
6እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ንኤዶምያስ ኣሕሊፎም ክህብዎም፥ ንዅሎም ምሩኻት ማሪኾም እዮምሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ጋዛ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።”
7ስለዙይ ኣነ ናብ ቅፅሪ ጋዛ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻታ ኸዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ።
8“ንነበርታ ኻብ ኣዛጦን ከጥፍእ እየ፤ በትሪ ንዝሓዘውን ካብ ኣስቀሎና ኸጥፍእ፥ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ኣስቀሎና ክመልስ እየ፤ ካብ ፍልስጥኤማውያን ዝተረፉውን ክጠፍኡ እዮም” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።
9እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ንዅሎም ምሩኻት ንኤዶምያስ ኣሕሊፎም ሂቦም እዮምሞ፥ ንናይ ኣሕዋት ቃል ኪዳንውን ኣይሓሰቡንሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ጢሮስ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምውራድ ኣይምለስን።
10ኣብ ልዕሊ ቅፅርታት ጢሮስ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻታ ኸዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ።
11እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ንሓዉ ብሰይፊ ኣሳጒጕዎ እዩሞ፥ ኵሉ ርህራሀውን ሓዲጉ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ኵልሻዕ ቀዲዱ እዩሞ፥ መዓቱውን ንዘለኣለም ሓሊዩ እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ኤዶምያስ፥ መቅሰፍተይ ካብ ምውራድ ኣይምለስን።
12ኣብ ልዕሊ ቴማን ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ባሶራን ድማ ህሙኽ ከብሎ እዩ።”
13እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ወሰኖም ከስፍሑ ንጥኑሳት ገለዓድ ቀዲዶም እዮምሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ደቂ ኣሞን፥ መቅሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።
14ኣብ ልዕሊ ቕፅሪ ራባት ሓዊ ኸንድድ እየ፤ ብመዓልቲ ውግእ ብኣውያት፥ ብመዓልቲ ኣውሎ ንፋስውን ብሁከት ንኣዳራሻታ ህሙኽ ከብሎ እዩ።
15ንጉሶም ምስ መሳፍንቱ ኽማረኽ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።