ግብሪ ሃዋርያት 5

BCVትግርኛ42 ፍቕድታት6:20 ስማዕ
ስማዕ 6:20 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ሓናንያ ዝስሙ ሓደ ሰብኣይ፥ ሰጲራ ምስ እትበሃል ሰበይቱ መሬቱ ሸጠ።

2ምስ ሰበይቱ ተማኺሩ ድማ፥ ካብቲ ዋጋኡ መቒሉ ኣትረፈ፤ ነቲ ሓደ ምቃል ጥራሕ ኣምፂኡ፥ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ።

3ጴጥሮስ ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ኦ ሓናንያ፥ ንመንፈስ ቅዱስ ክተታልል፥ ካብ ዋጋ እቲ መሬት መቒልካ ኽትሓብእ፥ ከመይ ሰይጣን ኣብ ልብኻ መልአ?

4እንተይተሸጠስ፥ ናትካዶ ኣይነበረን? ምስ ሸጥካዮኸ፥ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን? ከመይ ጌርካ ነዝ ነገርዙይ፥ ብልብኻ ሓሰብካዮ? ንሰብ ዘይኮነስ ንእግዚኣብሄር ኢኻ ሓሲኻ ዘለኻ።”

5ሓናንያ እዝ ቓል እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ወዲቑ ሞተ። ኣብቶም ነዝ ነገር እዙይ ዝሰምዑ ዅሎም፥ ዓብዪ ፍርሓት ኮነ።(ሀ)

6ካብኣቶም ኣጓብዝ ተሲኦም ገነዝዎ፤ ተሸኪሞም ኣውፂኦምውን ቀበርዎ።

7ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ሰበይቱ፥ እቲ ዝኾነ እንተይፈለጠት ኣተወት።

8ጴጥሮስ ከዓ፥ “እስኪ ንገርኒ፤ ንመሬትኩም በዝ ኽንድዙይ ዲኹም ዝሸጥኩምዎ?” ኢሉ ጠየቓ፤ ንሳ ድማ “እወ፥ ብኽንድኡ እዩ” በለቶ።

9ጴጥሮስ ድማ “ከመይከ፥ ንመንፈስ እግዚኣብሄር ክትፈታተንዎ ሓበርኩም? ኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ፥ እንሆ ኣብ በሪ ኣለዉ፤ ንኣኺውን ከውፅኡኺ እዮም” በላ።

10ሽዑ ንሽዑ፥ ኣብ ጥቓ እግሩ ወዲቓ ሞተት። እቶም ኣጓብዝ ምስ ኣተዉ፥ ሞይታ ስለ ዝፀንሐቶም ተሸኪሞም ወሲዶም፥ ኣብ ጥቓ ሰብኣያ ቐበርዋ።

11ኣብ ኵላ እታ ቤተ ክርስቲያንን፥ ኣብቶም ነዝ ነገር እዙይ ዝሰምዑ ዅሎምን ከዓ፥ ዓብዪ ፍርሓት ኮነ።

12ብዙሕ ምልክትን ተኣምራትን፥ ብኢድ ሃዋርያት ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ተገብረ፤ ኵላቶም ድማ ብሓንቲ ልቢ ሓቢሮም፥ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይእከቡ ነበሩ።

13እቲ ህዝቢ የመና የኽብሮም እንተ ነበረ እኳ፥ ካብቶም ካልኦት ክሕወሶም ዝደፈረ(ለ) ሓደኳ ኣይነበረን።

14ካብ ቅድም ብዝበለፀ፥ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ብጐይታ እናኣመኑ፥ ናብኣቶም ይውሰኹ ነበሩ።

15ጴጥሮስ ክሓልፍ እንተሎ፥ ፅላሎቱ ንኽዓርፎም፥ ነቶም ሕሙማት ብዓራታትን ብቓሬዛታትን ፆይሮም የምፅእዎም እሞ፥ ኣብቲ ኣደባባይ የንብርዎም ነበሩ።

16ካብተን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌም ዝነበራ ኸተማታት ድማ፥ ብዙሓት ሰባት ሕሙማትን ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን ሒዞም ይመፁ ነበሩ። ኵሎም ከዓ ይሓውዩ ነበሩ።

17ሽዑ እቲ ሊቀ ካህናትን፥ እቶም ምስኡ ዝነበሩን ኵሎም ወገን ሰዱቃውያንን ብርቱዕ ቅንኣት ሓዲርዎም ተስኡ።

18ንሃዋርያት ሒዞም ድማ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም።

19መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና፥ ብለይቲ ነቲ ማዕፆ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ኣውፅኦምሞ፥

20“ኪዱ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢልኩም፥ ነዝ ናይ ህይወት ቃል እዙይ፥ ንህዝቢ ንገሩ” በሎም።

21ሃዋርያት ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ኣንጊሆም ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዮም መሃሩ። እቲ ሊቀ ካህናትን፥ እቶም ምስኡ ዝነበሩን መፂኦም፥ ነቲ መጋባእያን ነቶም ሽማግለታት ደቂ እስራኤልን ክእከቡ ፀውዕዎም። ንሃዋርያት ከምፅእዎም ድማ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ለኣኹ።

22እቶም ሓሻኽር ግና፥ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ በፅሑ ሰኣንዎም። ተመሊሶም ድማ፦

23“እቲ ቤት ማእሰርቲ ተዓፅዩ፥ እቲ ማዕፆ ድማ ብፅኑዕ ተሸጕሩ፥ እቶም ሓለውቲ እውን ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ፀኒሖምና፤ ምስ ከፈትናዮ ግና፥ ሓደኳ ኣይረኸብናን” ኢሎም ነገርዎም።

24እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን፥ ሊቃነ ካህናትን፥ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ “እዙይ እንታይ ኮን ይኸውን?” ኢሎም ብዛዕባኣቶም ዝብልዎ ሰኣኑ።

25ሓደ መፂኡ ግና፥ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእተኹምዎም ሰባት እኒሀዉ፥ “ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም ንህዝቢ ይምህሩ ኣለዉ” ኢሉ ነገሮም።

26ሽዑ እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ፥ ምስቶም ሓሻኽሩ ኸይዱ ኣምፅኦም። እንተምፅእዎምውን ብሓይሊ ዘይኮነስ ብምቅብጣር እዩ፤ እዙይውን እቲ ህዝቢ ብእምኒ ኸይቕጥቅጦም፥ ስለ ዝፈርሑ እዩ።

27ምስ ኣምፅእዎም፥ ኣብቲ መጋባእያ ደው ኣበልዎም፤ እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ፥

28“ብስም እዝ ሰብ እዙይ ከይትምህሩዶ፥ ብፅኑዕ ኣዚዝናኩም ኣይነበርናን? እንሆ ኸዓ ንኢየሩሳሌም ብትምህርትኹም መላእኹምዋ። ደም እዝ ሰብ እዙይ፥ ኣብ ልዕሌና ኽተምፅኡ ዲኹም ትደልዩ ዘለኹም?” ኢሉ ጠየቖም።

29ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፥ ከምዙይ ኢሎም መለሱሎም፦ “ካብ ንሰብስ፥ ንእግዚኣብሄር ክንእዘዝ እዩ ዝግባእ።

30ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ዕንፀይቲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ ኢየሱስ፥ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣተስኦ።

31ንእስራኤል ንስሃን ስርየት ሓጢኣትን ምእንቲ ኽህቦም፥ እግዚኣብሄር ንእኡ፥ ርእስን መድሓንን ገይሩ፥ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ።

32ንሕና ነዝ ነገር እዙይ ምስክር ኢና፤ እቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዝእዘዝዎ ዝሃቦም፥ መንፈስ ቅዱስውን ምስክር እዩ።”

33ንሳቶም ነዙይ ምስ ሰምዑ ተቘጥዑ፤(ሐ) ንሃዋርያትውን ክቐትልዎም ደለዩ።(መ)

34እንተ ኾነ፥ ሓደ ገማልያል ዝስሙ ፈሪሳዊ መምህር ሕጊ፥ ብዅሉ ህዝቢ እውን ዝኸበረ፥ ንሃዋርያት ሓንሳእ ከግልስዎም ኣዘዘ።

35ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ብዛዕባ እዝ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሓስብዎ ዘለኹም ነገር፥ ንባዕልኻትኩም ተጠንቀቑ።

36ቅድሚ ሕዚ ቴዎዳስ፥ ኣነ ዓብዪ እየ ኢሉ ተሲኡ ነይሩ፤ ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኣኽሉ ሰባት ከዓ ተኸተልዎ። እንተ ኾነ ንሱ ተቐተለ፤ እቶም ሰዓብቱ ድማ፥ ኵሎም ተበቲኖም ጠፍኡ።

37ብድሕሪኡ ኸዓ ብጊዜ እቲ ህዝቢ ዝተቖፀረሉ ዘመን፥ ይሁዳ በዓል ገሊላ ተስአ፤ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ኣስድዐ፤ ንሱ ተቐተለ፤ ኵሎም እቶም ዝሰዓብዎ ድማ ተበተኑ።

38ሕዚ ኸዓ እነግረኩም ኣለኹ፥ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም፤ ኣይትንክእዎም፤ እዝ ምኽሪ እዙይን፥ እዝ ግብሪ እዙይን፥ ካብ ሰብ እንተ ኾይኑ ኽፈርስ እዩ።

39ካብ እግዚኣብሄር እንተ ደኣ ኾይኑ ግና፥ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክተጥፍእዎም ኣይትኽእሉን ኢኹም፤ ምስ እግዚኣብሄርውን ምብኣስ ከይኾነኩም።”

40ነቲ ምኽሩ ተቐበልዎ፤ ንሃዋርያት ግና ፀዊዖም ገረፍዎም፤ ብስም ኢየሱስ ከይናገሩ ኣዚዞም ከዓ ሰደድዎም።

41ንሳቶም ግና፥ ምእንቲ ስም ኢየሱስ፥ ውርደት ንምቕባል፥ ብቑዓት ኮይኖም ስለ ዝተቘፀሩ፥ ካብቲ መጋባእያ እናተሓጐሱ ወፁ።

42በብመዓልቱ ኣብ ቤተ መቕደስን፥ ገዛ ንገዛ እናዞሩን፥ ኢየሱስ ክርስቶስ መሲሕ ከም ዝኾነ፥ እንተየቋረፁ ይምህሩን የብስሩን ነበሩ።

ትርጓሜ

5:1-11 ሓጢኣት ኣናንያን ሳፕራን ነበረ፥ ፍሉጣት ደቀ መዛሙርቲ ኴኖም ክርኣዩ ዝብህጉ ነበሩ፥ ግናኸ ሓቀኛታት ደቀ መዛሙርቲ ኣይነበሩን። ግብዝናውያን ርእሶም ክኽሕዱ ይኽእሉ እዮም፥ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ምድራዊ ረብሓኦም ክሓድጉ ይኽእሉ እዮም፥ ኣብ ካልእ ነገር ረብሓ ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር። ንብልጽግና ዓለም ስሱዓት ነበሩ፥ ንኣምላኽን ንምድላውን ዘይምእመኑ ነበሩ። ንኣምላኽን ንማሞናን ክልቲኦም ከገልግሉ ይኽእሉ ይመስሎም ነበረ። ንሃዋርያት ከተታልሉ ሓሲቦም ነበሩ። መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ጴጥሮስ ኣብ ልቢ ኣናንያ ዝነገሰ መሰረት ዘይምእማን ኣለሊዩ። ግናኸ ሰይጣን ዝኾነ ይኹን እንተ ኣተዓባቢዩ፥ ንሱ እንተዘይተሰማምዖ ነይሩ፥ ንልቢ ኣናንያ በዚ ክፋእ ክመልኦ ኣይምኸኣለን። እቲ ሓሶት ንመንፈስ ሓቂ ንምጥባር ዝተገብረ ፈተነ ነበረ፥ ንሱ ድማ ብሃዋርያት ገይሩ ብግልጺ ዝዛረብን ዝዓዪን ነበረ። ገበን ኣናንያ ክፋል ዋጋ እታ መሬት ምሓዙ ኣይነበረን፤ እንተ ደሊዩ ንዅሉ ሓቢእዎ ክኸውን ይኽእል ነበረ፤ ግናኸ ንሃዋርያት ብኸቢድ ሓሶት ንምትላል ዝፈተነሉ፥ ካብ ከንቱ ምግንዛብን ምስ ስስዔ ተደሚሩ ዝመጸ ፍቓድ ነበረ። ግናኸ ንኣምላኽ ከተታልል እንተሓሲብና፥ ኣብ ነፍስና ገዳይም ተንኮል ክንገብር ኢና። ክንደይ ዜሕዝን እዩ እቶም ንሓድሕዶም ንሰናይ ከበራትዑ ዝግባእ ዝነበረ ዝምድናታት ንሓድሕዶም ኣብ ክፉእ ዘደንድኑ ምምልካት! እዚ መቕጻዕቲ እዚ ብሓቂ ንብዙሓት ሰባት ምሕረት ነበረ። ንቑሩብ ርእሰ-ምርምር፥ ጸሎት፥ ፍርሂ ግብዝነት፥ ስስዔ፥ ከምኡ ድማ ከንቱ ዝና ክፈጥር ነበሮ፥ ሕጂ እውን ከምኡ ክገብር ይግባእ። ብሓሶት ዝምስክሩ ሰባት ከይበዝሑ ክዓግት ነበሮ። ካብዚ ንማሃር፥ ሓሶት ንኣምላኽ ሓቂ ክንደይ ከም ዘጽይፎ፥ ቀጥታዊ ሓሶት ጥራይ ዘይኮነስ፥ ካብ ምጥቃም ዘየተኣማምን ኣዘራርባን፥ ኣብ ንግግርና ድርብ ትርጉምን ዝርከብ ኩሉ ረብሓ ክንፍንፍን።

5:12-16 ብፍሉይ ፍርድታት ግብዞች ምፍላይ፣ ንቅኑዓት ናብ ሓድሕዶም ከምኡ’ውን ናብ ኣገልግሎት ወንጌል ብዝያዳ ክዋስቡ የግብሮም። ንጽህናን ሰናይ ስም ቤተ-ክርስትያን ዘዕብየ ዝኾነ ይኹን ነገር ንምስፋሕኣ የዕብዮ፤ ግናኸ እቲ ብሃዋርያት ኣዝዩ ዝገርም ተኣምራት ዝገበረ ሓይሊ ጥራይ ንሓጥኣን ካብ ስልጣን ሓጢኣትን ሰይጣንን ከድሕን፣ ከምኡ’ውን ንኣመንቲ ናብ ኣምለኽቱ ኽውሲኹ ይኽእል። ክርስቶስ ብኹሎም እሙናት ኣገልገልቱ ክዓይይ እዩ፤ ከምኡ’ውን ናብኡ ዝቐርብ ኩሉ ክሓዊ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6