1ጴጥሮስን ዮሃንስን ነቶም ህዝቢ ኽነግርዎም እንተለዉ፥ ካህናትን ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሰዱቃውያንን ናብኣቶም መፁ።
2ነቶም ህዝቢ ስለ ዝመሃሩን፥ ብኢየሱስውን ትንሳኤ ምዉታን ከም ዝርከብ ስለ ዝሰበኹን፥ የመና ተናደዱ።
3ስለዙይውን ሓዝዎም፤ መስዩ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕደርዎም።
4እንተ ኾነ፥ ካብቶም ነቲ ቓል ዝሰምዑ፥ ብዙሓት ኣመኑ። ብዝሒ እቶም ዝኣመኑ ሰብኡት ከዓ፥ ሓሙሽተ ሽሕ ኾነ።
5ንፅባሒቱ ድማ መኳንንቶምን ሽማግለታቶምን መምህራን ሕግን፥ ምስ ሃና ሊቀ ካህናትን ቀያፋን ዮሃንስን እስክንድሮስን፥ ኵሎም ወገን ሊቃነ ካህናትን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣከቡ።
7ንኣኣቶም ኣብ ማእኸል ደው ኣቢሎም ድማ “በየናይ ሓይሊ ወይ ብናይ መን ስም ኢኹም ነዙይ ዝገበርኩምዎ?” ኢሎም ጠየቕዎም።
8ሽዑ ጴጥሮስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም መኳንንቲ ህዝብን ሽማግለታትን፥
9ሎሚ ንሕና እንምርመር ዘለና፥ ንሓደ ሕሙም ሰብ ብዛዕባ ዝተገብረሉ ሰናይ ነገርን፥ ከመይ ኢሉ ኸም ዝሓወየን እንተ ኾይኑ፥
10እዝ ሓውዩ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኢሉ ዘሎ፥ ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ምዉታን ዘተስኦ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ከም ዝኾነ፥ ኣብ ኵልኻትኩምን ኣብ ዅሉ ህዝቢ እስራኤልን፥ ፍሉጥ ይኹን።
11ንሱ እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዓቕኩምዎ፥ ግና ርእሲ መኣዝን ዝኾነ እምኒ እዩ።
12ብእኡ ኽንድሕን ዝግባእ ካልእ ስም፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተውሃበን እዩሞ፥ ድሕነት ብኻልእ ከቶ የለን።”
13ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረአዩ፥ ዘይተምሃሩን ተራ ሰባት ምዃኖምውን ምስ ፈለጡ ተገረሙ፤ ምስ ኢየሱስ ከም ዝነበሩ ድማ ኣለለይዎም።
14እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ፥ ምስኣቶም ደው ኢሉ ምስ ረአይዎ፥ ዝዛረብዎ ሰኣኑ።
15ስለዙይ ካብቲ መጋባእያ ድሕር ከብልዎም ኣዘዙ። ንስንሳቶም ከዓ ኸምዙይ ኢሎም ተማኸሩ፦
16“ኣሉ ኽንብላ ዘይንኽእል፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝነብሩ ዅላቶም ዝተግሃደት፥ ፍልጥቲ ተኣምራት ብኣኣቶም ተገይራ እያ እሞ፥ ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ንግበሮም?
17ኣብ ህዝቢ ምእንቲ ገኒኑ ኸይውረ፥ ደጊም ብስም ኢየሱስ፥ ንሰብ ከይምህሩን ከይዛረቡን ብፅኑዕ ነጠንቅቆም” በሉ።
18ፀዊዖም ድማ ብስም ኢየሱስ፥ ንሓደኳ ኸይነግሩ ወይ ከይምህሩ ኣዘዝዎም።
19ጴጥሮስን ዮሃንስን ከዓ “ንእግዚኣብሄር ካብ ምስማዕ፥ ንኣኻትኩም ምስማዕ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ እስኪ ባዕልኻትኩም ፍረዱ።
20ንሕና ግና ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ምዝራብ ኣይንሓድግን” ኢሎም መለሱሎም።
21ንሳቶም ከዓ፥ በቲ ዝተገብረ ተኣምራት፥ እቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር የመስግን ስለ ዝነበረ ፈሪሖም፥ ዘቕፅዕ ምኽንያትውን ስለ ዝሰኣኑሎም፥ መሊሶም ኣፈራሪሖም ሰደድዎም።
22እቲ ናይ ምሕዋይ ተኣምራት ዝተገበረሉ ሰብኣይ ድማ፥ ዕድሜኡ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ነበረ።
23ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ተፈትሑ፥ ናብቶም ኣሕዋት ከይዶም፥ ነቲ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን ዝበልዎ ዅሉ ነገርዎም።
24ንሳቶምውን ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ብሓደ ልቢ ኾይኖም፥ ድምፆም ልዕል ኣቢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ከምዙይ በሉ፦ “ኦ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣተን ዘሎ ዅሉን፥ ዝፈጠርካ ጐይታ!
25ከምቲ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ብኣፍ ኣቦና ዳዊት ባርያኻ ዝበልካዮ፦ ‘ስለ ምንታይ ኣህዛብ ተቘጥዑ፤ ህዝብኸ ንምንታይ ከንቱ ነገር ይኣልሙ?
26ነገስታት ምድሪኸ ንምንታይ ተልዓሉ፤ እቶም መኳንንትኸ፥ ንእግዚኣብሄርን ንመሲሑን፥ ክፃረሩ ብሓደ ተኣከቡ’
27ብሓቂውን ሄሮድስን ጴንጤናዊ ጲላጦስን፥ ምስ ኣህዛብን ምስ ህዝቢ እስራኤልን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቐባእኻዮ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፥ ንሻራ ተልዓሉ።
28እዙይ ዝኾነውን፥ ንስኻ ኣቐዲምካ ብፍቓድካን ብሓይልኻን ዝወሰንካዮ፥ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
29ሕዚ ድማ፥ ኦ ጐይታ! ምፍርራሖም ረአ፤ ንኣገልገልትኻ ኸዓ፥ ቃልካ ብምሉእ ትብዓት ክናገሩ ኣኽእሎም።
30ብስም እቲ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፥ ሕሙማት ክሓውዩ፥ ምልክትን ተኣምራትን ክፍፀም፥ ኢድካ ዘርግሕ” ኢሎም፥
31እናፀለዩ እንተለዉ፥ እቲ ተኣኪቦሙሉ ዝነበሩ ስፍራ ተናወፀ፤ ኵላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ፤ ቃል እግዚኣብሄርውን ብትብዓት ተዛረቡ።
32እቶም ዝኣመኑ ዅላቶም ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ነበሩ፤ ንብረቶም ብምሉኡ ናይ ሓባር ደኣ ነበረ እምበር፥ ካብኣቶም ሓደኳ እዙይ ናተይ እዩ ዝብል ኣይነበሮምን።
33ሃዋርያት ከዓ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና ኢየሱስ ብዓብዪ ሓይሊ ይምስክሩ ነበሩ፤ ኣብ ኵሎም ድማ ዓብዪ ሞገስ ነበረ።
34ኵላቶም መሬት ወይ ኣባይቲ ዘለዎም ሸይጦም፥ ዋጋ እቲ ዝተሸጠ ኣምፂኦም፥ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ ነበሩ። ንሳቶምውን ንነፍሲ ወከፍ፥ ከከምዘድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ። ስለዙይ ሓደ እኳ፥ ዝሽግሮ ሰብ ኣይነበሮምን።
36ናይ ቆጵሮስ ተወላዲ ዝኾነ፥ ሃዋርያት፥ “በርናባስ” እናበሉ ዝፅውዕዎ ዮሴፍ ዝበሃል፥ ሓደ ሌዋዊ ነበረ፤ በርናባስ ማለት ድማ፥ “ወዲ ምፅንናዕ” ማለት እዩ።
37ንሱ ነቲ ዝነበሮ ግራት ሸይጡ፥ ነቲ ገንዘብ ኣምፂኡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ።