ግብሪ ሃዋርያት 3

BCV aksumትግርኛ26 ፍቕድታት3:55 ስማዕ
ስማዕ 3:55 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እንሆ ድማ ጴጥሮስን ዮሃንስን፥ ብታሽዐይቲ ሰዓት ብጊዜ ፀሎት፥ ናብ ቤተ መቕደስ ይድይቡ ነበሩ።

2ካብ ዝውለድ ጀሚሩ፥ መፃጕዕ ዝኾነ ሓደ ሰብኣይ ነበረ፤ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዝኣትዉ ምፅዋት ምእንቲ ኽልምን ከዓ፥ ፆይሮም ዕለት ዕለት፥ ኣብታ “ፅብቕቲ” እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ፥ የቐምጥዎ ነበሩ።

3ንሱ ድማ ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ቤተ መቕደስ ክኣትዉ እንተለዉ ምስ ረአዮም፥ ክምፅውቱሉ ለመኖም።

4ጴጥሮስ ምስ ዮሃንስ ኮይኑ፥ ናብኡ ኣተኵሩ እናጠመተ፥ “ናባና ጠምት” በሎ።

5ንሱ ኸዓ ኻብኣቶም ምፅዋት ዝረክብ መሲልዎ ኣተኲሩ ጠመቶም።

6ጴጥሮስ ድማ “ወርቅን ብሩርን የብለይን፤ እቲ ዘለኒ ግና ኽህበካ እየ፤ ብስም ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ተስእ እሞ ተመላለስ!” በሎ።

7ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙውን ኣተስኦ፤ ሽዑ ንሽዑ ኣእጋሩን ዓክዓካሪቶኡን ፀንዐ።

8ብድድ ኢሉ ኸዓ ደው በለ እሞ ኽመላለስ ጀመረ። እናተመላለሰን እናዘለለን ንእግዚኣብሄርውን እናመስገነን፥ ምስኣቶም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ።

9ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ፥ ብእግሩ እናኸደን፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገነን ረአይዎ።

10ንሱ እቲ ኣብታ “ፅብቕቲ” እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ፥ ምፅዋት ዝልምን ዝነበረ ምዃኑ ምስ ኣለለይዎ፥ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተገብረ ተኣምር፥ ተደነቑን ተገረሙን።

11እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ፥ ምስ ጴጥሮስን ዮሃንስን ሓቢሩ እንተሎ፥ እቶም ህዝቢ ብምሉኦም ብዓብዪ ምግራም፥ ናብኣቶም ናብቲ “ገበላ ሰሎሞን” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ጐየዩ።

12ጴጥሮስ ነዙይ ምስ ረአየ፥ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ንምንታይ በዙይ ትግረሙ? ብሓይልና ወይ ብፅድቅና፥ ነዝ ሰብ እዙይ ክኸይድ ከም ዝገበርናዮኸ፥ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ ኣለኹም?

13ኣምላኽ ኣቦታትና፥ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን፥ ንወዱ(ሀ) ኢየሱስ ኣኽበሮ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ነቲ ጲላጦስ ‘ይፈታሕ’ ኢሉ ዝፈረደሉ ኣሕሊፍኩም ሃብኩምዎ፤ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ከዓ ኸሓድኩምዎ።

14ንስኻትኩም ነቲ ቕዱስን ፃድቕን ክሒድኩም፥ እቲ ቐታሊ ነፍሲ ኽፍትሐልኩም፥ ለመንኩም።

15ነቲ ወሃብ ህይወት ድማ ቐተልኩምዎ፤ ንእኡ ግና እግዚኣብሄር ካብ ምዉታን ኣተስኦ፤ ንሕና ኸዓ ነዙይ ምስክር ኢና።

16ብስሙ ብምእማን፥ ነዝ እትሪእዎን እትፈልጥዎን ሰብ ኣፅንዖ። እታ ብኢየሱስ ምእማን ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ዅልኻትኩም፥ ምሉእ ጥዕና ሃበቶ።

17ሕዚ ድማ ኣሕዋተይ፥ ከምቶም መራሕትኹም፥ ነዙይ ብዘይ ምፍላጥ ከም ዝገበርኩምዎ እፈልጥ ኣለኹ።

18እግዚኣብሄር ግና ክርስቶስ መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ፥ ኣቐዲሙ ብኣፍ ኵሎም ነቢያት ከም ዝተዛረቦ፥ ከምኡ ፈፀሞ።

19እምበኣር ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽድምሰሰልኩም፥ ካብ ገፅ እግዚኣብሄርውን፥ ዘመን ምሕዳስ ምእንቲ ኽመፀልኩም፥

20ነቲ ኣቐዲሙ ንኣኻትኩም ዝሓረዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽሰደልኩም፥ ተነስሁን ተመለሱን።

21ከምቲ ዝተነግረኩም፥ እግዚኣብሄር ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነቢያቱ ዝተዛረቦ፥ ኵሉ ነገር ዝሕደሰሉ ዘመን ክሳዕ ዝመፅእ፥(ለ) ሰማይ ንእኡ ኽቕበሎ ይግባእ እዩ።

22ሙሴውን(ሐ) ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ንኣይ ዘተስአኒ፥ ካብ ኣሕዋትኩም ነቢይ ከተስአልኩም እዩ፤ ኵሉ እቲ ንሱ ዝብለኩም ከዓ ስምዕዎ።

23እንሆ ዅላ እታ፥ ነቲ ነቢይ እቱይ ዘይትሰምዕ ነፍሲ፥ ካብ ህዝባ ተፈልያ ኽትንቀል እያ’ በለ።

24ኵላቶም ነቢያት፥ ካብ ሳሙኤል(መ) ጀሚሮም፥ ክሳዕ እቶም ብድሕሪኡ ዝነበሩ፥ ብዛዕባ እዘን መዓልቲታት እዚኣተን እዮም ዝተናገሩ።

25ንስኻትኩም ውሉድ ነቢያትን፥ ውሉድ እቲ እግዚኣብሄር ዝሰርዖ ስርዓትን ኢኹም። ንኣብርሃም ‘ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ፥ ብዘርእኻ ኽባረኹ እዮም’ ኢሉ ምስ ኣቦታትና ዝኣተዎ፥ ውሉድ ኪዳን ኢኹም።

26እግዚኣብሄር፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣትኩም ተመሊስኩም ምእንቲ ኽባርኸኩም፥ ንወዱ ኣተሲኡ፥ ቅድሚ ዅሉ ናባኻትኩም ለኣኾ።”

ትርጓሜ

3:1-11 ሓዋርያትን ቀዳሞት ምእመናንን ብግዜ ጸሎት ኣብ ኣገልግሎት ቤተ-መቕደስ ይረኸቡ ነበሩ። ጴጥሮስን ዮሃንስን፡ ካብ ማህጸን ኣዲኡ ጀሚሩ ስንኩል ዝነበረ ልዕሊ ኣርባዓ ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብኣይ ተኣምራት ንምግባር፡ ብመለኮታዊ መሪሕነት ዝተመርሑ ይመስሉ ነበሩ። ጴጥሮስ ድማ፡ ብስም የሱስ ናዝሬታዊ፡ ተንስእ እሞ ተመላለስ በሎ። ስለዚ ድማ፡ ንነፍሳት ሰባት ብቕኑዕ ዕላማ ንምሕዋይ እንተደኣ ፈቲና፡ ብስምን ሓይልን የሱስ ክርስቶስ ክንወጽእ ኣሎና፡ ሓገዝ ዘይብሎም ሓጥኣን ድማ ብእምነት ብእኡ ተኣንሲኦም ብመንገዲ ቅድስና ክኸዱ ክንጽውዕ ይግባእ። እቶም ኩሎም ስንኩላን ክእለታት ናይ እቲ ዝወደቐ ባህርይና፡ ብስም የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ ምሉኣት ክንከውን ከም እንኽእል፡ ክንደይ ጥዑም ሓሳብ እዩ ንነፍሳትና! ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ብሓይሉ ኣብኡ ከእትወና ከሎ፡ ብኸመይ ቅዱስ ሓጎስን ፍስሃን ንቕዱሳት ኣጸድ ክንረግጽ ኢና!

3:12-18 እቲ ኣገባብ ምፍጻም ተኣምራት ዘለዎ ፍልልይ ኣስተብህሉ። ጐይታና ወትሩ ከም ኩሉ ዝኽእል ሓይሊ ዘለዎ ገይሩ ይዛረብ ነበረ፣ ብሰሪ እቶም መለኮታዊ ተኣምራቱ ዝተውሃቦ ዝዓበየ ክብሪ ንምቕባል ከቶ ኣየንፈረን። ግናኸ ሃዋርያት ኩሉ ናብ ጐይታኦም ኣመልክትዎ፣ ከምቶም ዘይግብኦም መሳርሕቱ ጥራይ እንተዘይኮይኑ ዝኾነ ክብሪ ንምቕባል ኣበዩ። እዚ የሱስ ምስ ኣቦ ሓደ ከም ዝነበረን ንዕኡ እውን ማዕረ ምዃኑን የርኢ፣ ሃዋርያት ከኣ ንሳቶም ድኹማት፣ ሓጥኣን ሰባት ምዃኖም፣ ንኹሉ ድማ ብሓይሉ ነቲ ምሕዋይ ዘተባዕተወ የሱስ ዝምርኮሱ ምዃኖም ይፈልጡ ነበሩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6