2ይቲ ጢሞቴዎስ 4

BCVትግርኛ22 ፍቕድታት3:29 ስማዕ
ስማዕ 3:29 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ህያዋንን ኣብ ሙታንን ክፈርድ ዝመፅእ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብመንግስቱን ብምፅኣቱን፥ ኣማሕፅነካ ኣለኹ።

2ነቲ ቓል ስበኽ፤ ብምችዊ እዋንን ኣብ ዘይምችዊ እዋንን፥ ድልዊ ኹን፤ ኣረድእ፤ ምኸር፤ ገስፅ፤ ብዓብዪ ትዕግስቲ፥ ብምምሃር ትጋህ።

3ነቲ ኣእዛኖም ክሰምዖ ዝህንጠዮ ነገር፥ ዝነግርዎም መምህራን ክእክቡ እምበር፥ ነቲ ሓቂ ዝኾነ ትምህርቲ፥ ንምስማዕ ዘይደልዩሉ ዘመን ክመፅእ እዩ እሞ።

4ሓቂ ኸይሰምዑውን ኣእዛኖም ዓፅዮም፥ ናብ ተረት ከዘምብሉ እዮም።

5ንስኻ ግና ዅልሻዕ ጥንቁቕ ኩን፤ ብጊዜ መከራ ፅናዕ፤ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፤ ኣገልግሎትካ ፈፅም።

6ኣነስ ድሮ ሰማዕት ክኸውን ቐሪበ ኣለኹ፤ መዓልቲ ሕልፈተይ በፂሓ እያ።(ሀ)

7ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፤ ነቲ ጕያ ፈፂመ፤ ነታ እምነትውን ሓልየ እየ።

8ደጊም እቲ ቕኑዕ ፈራዲ ዝኾነ ጐይታ፥ በታ መወዳእታ መዓልቲ እቲኣ፥ ዝህበኒ ኣኽሊል ፅድቂ ተዳልዩለይ ኣሎ። እዙይውን ንበይነይ ኣይኮነን፤ ነቶም ናቱ ምምፃእ ዝፈትዉ ዅሎምውን እምበር።

9ጢሞቴዎስ፥ ቀልጢፍካ ናባይ ምፃእ።

10ዴማስ ነዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝፈተወ፥ ሓዲጉኒ ናብ ተሰሎንቄ ኸይዱ እዩ። ቄርቂስ ናብ ገላትያ፥ ቲቶውን ናብ ድልማጥያ ኸይዶም እዮም።

11ሉቃስ በይኑ እዩ ምሳይ ዘሎ። ማርቆስ ንኣገልግሎት ስለ ዝጠቕመኒ፥ ክትመፅእ እንተለኻ ምሳኻ ተማልኣዮ።

12ንቲኪቆስ ግና፥ ናብ ኤፌሶን ሰዲደዮ ኣለኹ።

13ክትመፅእ እንተለኻ፥ ነቲ ኣብ ጢሮኣዳ ምስ ካርፑስ ዝሓደግክዎ ካባን፥ ነቲ መፃሕፍትን፥ ብፍላይ ነቲ ብራናታትን ተማልአለይ።

14እቲ ኣንጠረኛ እስክንድሮስ፥ ብዙሕ ጕድኣት ኣብፂሑለይ እዩ። እግዚኣብሄር ከምታ ግብሩ ይፍደዮ።

15ንሱ ነቲ መልእኽትና ብዙሕ ይፃረሮ እዩ እሞ፥ ንስኻ ድማ ኻብኡ ተጠንቀቕ።

16መጀመርታ ጊዜ ናይ እተኸሰስኩሉ መልሲ ኸቕርብ እንተለኹ፥ እግዚኣብሄር ደኣ ኸም በደል ኣይቝፀረሎም እምበር፤ ኵላቶም ጠለሙኒ፤ ሓደኳ ምሳይ ኣይነበረን።

17ግና እቲ ወንጌል ብምልኣት ብኣይ ምእንቲ ኽስበኽ፥ ኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኽሰምዕዎ፥ ጐይታ ምሳይ ኮይኑ ኣበርትዐኒ፤ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ።

18እግዚኣብሄር፥ ካብ ኵሉ ኽፉእ ግብሪ ኸናግፈኒ፥ ሓልዩ ኸዓ፥ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኸብቅዐኒ እዩ። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

19ንጵርስቅላን ንኣቂላን ንስድራ ሄኔሴፎሩን ሰላም በለለይ።

20ኣርስጦስ ኣብ ቆሮንቶስ ተሪፉ ኣሎ፤ ጥሮፊሞስ ግና ሓሚሙ፥ ሚሊጢን ኣብ ዝበሃል ከተማ ሓዲገዮ ኣለኹ።

21ቅድሚ ኽረምቲ ንኽትመፅእ ዝከኣለካ ግበር። ኤውግሎስን ጱዴስን ሊኖስን ቀላውድያንን ኣሕዋትናውን፥ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ።

22ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስካ ይኹን። ፀጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።

ትርጓሜ

4:1-5 ሰባት ካብ ሓቂ ኺርሕቁ እዮም፣ ካብቲ ግሉጽ ወንጌል ክርስቶስ ኪሰልኪ፣ ንጥንታዊ ዛንታታት ኪምጠዉ እሞ ባህ ኺብሎም እዩ። ሰባት ከምኡ ዚገብሩ፡ ነቲ ዚምርምር፣ ግሉጽን ዕላማ ዝመልኦን ስብከት ኪጻወሩ ምስ ዝኣብዩ እዮም። ነፍሳት ዜፍቅሩ ሰባት፡ ወትሩ ንቑሓት ኪኾኑ፣ ኺጋደሉን ኩሉ እቲ ኻብ እምነቶም ዚብገስ ኣሳቓፊ ውጽኢት ኪጸግቡ፣ ከምኡ’ውን ንጹህ ወንጌል ንምግላጽ ንኩሉ ኣጋጣሚታት ኪጥቀሙ ኣለዎም።

4:6-8 ደም ሰማእታት፡ መስዋእቲ ምብጃው ከምዘይነበረ እኳ እንተኾነ፡ ንጸጋ ኣምላኽን ንሓቂኡን ናይ ምስክርነት መስዋእቲ ግና ነበረ። ሞት ንሓደ ጻድቕ ሰብ፡ ካብ ማእሰርቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ምፍታሕን፡ ናብቲ ኣብታ ኻልእ ዓለም ዘሎ ባህታታት ድማ ምስጋርን እዩ። ጳውሎስ ከም ክርስትያንን ከም ኣገልጋልን፡ እምነትን ትምህርትታት ወንጌልን ሓልዩ ነይሩ። ናብ መወዳእታ ዘመንና ኸምዚ ገይርካ ክትዛረብ ምኽኣልሲ፡ ክንደይ ዝኣክል ምጽንናዕ እዩ ዝህብ! ኣኽሊል ምእመናን፡ ብጽድቂ ክርስቶስ እተዓደገ ናይ ጽድቂ ኣኽሊል እዩ። ምእመናን ሕጂ እኳ እንተዘይረኸቡዎ፡ ምእንትኦም ተቐሚጡ ኣሎ እሞ፡ ድርጕስ እዩ። እቲ ምእመን፡ ኣብ ማእከል ድኽነት፡ ሕማም፡ ስቓይን፡ ከምኡ እውን ኣብ ጻዕሪ ሞትን ሓጐስ ክረክብ ይኽእል እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በእግዚአብሔር ፊት በሕያዋንና በሙታንም ሊፈርድ ባለው በጌታ በኢየሱስ ክርስቶስ ፊት፥ በመገለጡና በመንግሥቱም እመክርሃለሁ፤ አማርኛ ENGNIV In the presence of God and of Christ Jesus, who will judge the living and the dead, and in view of his appearing and hi… English GAZBIB Waaqayyo duratti, Kristos Yesus isa warra jiranii fi warra du'anitti faraduuf jiru durattis, maqaa isa deebi'ee mul'ate… Afaan Oromoo BCV GIZ ወእኤዝዘከ በቅድመ እግዚአብሔር ወእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሀለዎ ይኰንን ሕያዋነ ወሙታነ አመ ይመጽእ በመንግሥቱ። giz GAZGAZ Waaqayyo duratti, Kristos Yesus isa warra jiranii fi warra du'anitti faraduuf jiru durattis, maqaa isa deebi'ee mul'ate… Afaan Oromoo BCV aksum ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ህያዋንን ኣብ ሙታንን ክፈርድ ዝመፅእ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብመንግስቱን ብምፅኣቱን፥ ኣማሕፅነካ ኣለኹ። ትግርኛ AMHNIV በእግዚአብሔር ፊት እንዲሁም በሕያዋንና በሙታን ሊፈርድ ባለው በክርስቶስ ኢየሱስ ፊት፣ መገለጡንና መንግሥቱን በማሰብ ይህን ዐደራ እልሃለሁ፤ አማርኛ SWAHSUV Nakuagiza mbele za Mungu, na mbele za Kristo Yesu, atakayewahukumu walio hai na waliokufa; kwa kufunuliwa kwake na kwa … Kiswahili