2ይቲ ጢሞቴዎስ 2

BCVትግርኛ26 ፍቕድታት4:15 ስማዕ
ስማዕ 4:15 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እምበኣር፥ ጢሞቴዎስ ወደይ፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፀጋ በርትዕ።

2ነቲ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽር ካባይ ዝሰማዕኻዮ፥ ንኻልኦት ክምህሩ ንዝኽእሉ እሙናት ሰባት፥ ሕድሪ ሃቦም።

3ከም ተባዕ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወታደር ኴንካ፥ ምሳይ መከራ ተቐበል።

4ወታደር ኮይኑ ዘገልግል፥ ነቲ ኣዛዚኡ ምእንቲ ኸሐጕስ፥ ብናብራ እዝ ዓለም እዙይ ኣይጥለፍን።

5ከምኡውን እቲ ኣብ ውድድር ዝሳተፍ፥ ከምቲ ሕጊ ገይሩ እንተ ዘይተወዳዲሩ፥ ናይ ኣሸናፍነት ኣኽሊል ኣይረክብን እዩ።

6እቲ ዝፅዕር ሓረስታይ፥ ካብቲ ዘፍረዮ ፍረ ኣቐዲሙ ኽወስድ ይግብኦ እዩ።

7ነዝ ዅሉ ዝብለካ ዘለኹ ኣስተብህሎ፤ እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ምስትውዓል ይሃብካ።

8እቲ ኣነ ብወንጌል ዝሰብኮ፥ ነቲ ኻብ ዘርኢ ዳዊት ዝተወለደ፥ ካብ ሞት ዝተስአ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘክሮ።

9ብምኽንያት እዝ ወንጌል እዙይ ከዓ፥ ከም ገባሪ ክፉእ ተኣሲረ፥ መከራ እቕበል ኣለኹ። ቃል እግዚኣብሄር ግና ኣይእሰርን እዩ።

10ስለዙይ እቶም ሕሩያት፥ ነቲ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ዘውህብ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ድሕነት ምእንቲ ኽረኽቡ፥ ንዅሉ እዕገስ ኣለኹ።

11እዝ ቓል እዙይ እሙን እዩ፤ “ምስኡ እንተ ሞትና፥ ምስኡ ኸዓ ብህይወት ክንነብር ኢና።

12እንተ ተዓገስና፥ ምስኡ ኸዓ ኽንነግስ ኢና። እንተ ኸሓድናዮ፥ ንሱውን ክኽሕደና እዩ።

13እሙናት እንተ ዘይኴንና፥ ንሱ ንባዕሉ ክኽሕድ ስለ ዘይኽእል፥ እሙን ኮይኑ እዩ ዝነብር።”

14ንዝሰምዕዎ ብዘጥፍእ፥ ረብሓ ብዘይብሉ ቓል ከይበኣሱ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናመዓድካ፥ ነዙይ ኣዘክሮም።

15ንቓል ሓቂ ብቕንዕና ዝነግር፥ ዘሕፍር ዘይብሉ፥ ዝተመስከረሉ ሰራሕተኛ ጌርካ፥ ንባዕልኻ ንእግዚኣብሄር ክተወፊ ትጋህ።

16ነቲ ቑም ነገር ዘይብሉ ኸንቱ ኽትዕ ግና፥ ካባኻ ኣርሕቆ፤ እቶም ነዙይ ዘዘውትሩ፥ ካብ እግዚኣብሄር እናረሓቑ እዮም ዝኸዱ እሞ።

17ትምህርቶም እናሰፍሐ ኸም ዝኸይድ፥ ዝባላዕ ቝስሊ እዩ፤ ኣብ መንጎኦም ሄሜኔዎስን ፊሊጦስን ዝበሃሉ ይርከብዎም።

18ንሳቶም ካብ ሓቂ ርሒቖም “ትንሳኤ ሙታን ቅድሚ ሕዚ ኾይኑ እዩ” እናበሉ፥ እምነት ብዙሓት ሰባት የናውፁ ኣለዉ።

19ይኹን እምበር “ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ካብ ዓመፅ ይርሓቕ፤” ከምኡውን “እግዚኣብሄር፥ ነቶም ናቱ ዝኾኑ ይፈልጦም እዩ” ዝብል፥ ማሕተም ዘለዎ ዘይነቓነቕ መሰረት እግዚኣብሄር፥ ፀኒዑ ኽነብር እዩ።

20ኣብ ዓብዪ ገዛ፥ ካብ ዕንፀይትን መሬትን ዝተሰርሐ ኣቕሓ እምበር፥ ኣቕሓ ወርቅን ብሩርን ጥራሕ ኣይኮነን ዝርከብ፤ ገሊኡ ንኽብሪ፥ ገሊኡውን ክቡር ንዘይኮነ ይኸውን።

21እምበኣር፥ ካብ ኵሉ ኽፍኣት፥(ሀ) ንባዕሉ ዘንፅሀ ሰብ፥ ንሱ ናይ ክብሪ ኣቕሓ፥ ዝተቐደሰ፥ ንኣገልግሎት ጐይታኡ ዝጠቅም፥ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ ዝተዳለወ ይኸውን።

22ካብ ክፉእ ናይ ጕብዝና ትምኒት ህደም፤ ምስቶም ብንፁህ ልቢ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፅውዕዎ ኸዓ፥ ኣሰር ፅድቅን፥ እምነትን፥ ፍቕርን፥ ሰላምን፥ ሰዓብ።

23ባእሲ ኸም ዘምፅእ ፈሊጥካ፥ ካብቲ ናይ ዕሽነትን ከንቱ ኽርክርን ረሓቕ።

24ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ምስ ኵሉ ለዋህ፥ ንምምሃር ብቕዓት ዘለዎ፥ ዕጉስ ክኸውን ደኣ እምበር፥ ተበኣሳይ ክኸውን ኣይግብኦን እዩ።

25ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ኽፈልጥዋ ኢሉ፥ ንስሃ ኽኣትዉ ዕድል ክህቦም ይኸውን እዩ እሞ፥ ንሱ፥ ነቶም ተፃረርቲ፥ ብህድኣት ዝእርሞም ክኸውን ኣለዎ።

26ንሳቶም ከዓ፥ ካብቲ ፍቓዱ ኽገብሩ ኢሉ፥ ኣሲርዎም ዝነበረ መፈንጠር ዲያብሎስ ኣምሊጦም፥ ናብ ልቦም ክምለሱ እዮም።

ትርጓሜ

2:1-7 መከራና ክሳብ ዝበዝሕ፣ ኣብቲ ጽቡቕ ነገር ብሓይሊ ክንዕብን ክንበርትዕን ኣሎና፤ እምነትና ክትውሓስ፣ ቆራጽነትና ተባዕተወ ክኸውን፣ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ዘሎና ፍቕሪ ኸኣ ክትበራትዕ ይግባእ። እዚ ድማ ብናይ ገዛእ ርእስና ሓይሊ ምብራዕና ዝጻረር እዩ። ኩሎም ክርስትያናት፣ ብፍላይ ከኣ ኣገልገልቲ፣ ንቍንቁኖም እሙናት ክኾኑ፣ ኣብ ዕላማኡ ኸኣ ጽኑዓት ክኾኑ ይግባእ። ዓብዪ ሓልዮት ክርስትያን፣ ንክርስቶስ ምብሳጥ እዩ። ንፍትወታትን ንብልሽውናናን ክንረትዕ ክንጽዕር ይግባእ፣ እንተኾነ ግና ሕግታት እንተዘየኽቢርና ዓስቢ ክንጽበ ኣይንኽእልን። ጽቡቕ ብቅኑዕ ኣገባብ ክንገብር ክንጥንቀቕ ኣሎና፣ ምእንቲ ኸኣ እቲ ጽቡቕና ብእኩይ ከይተዛረበ። ገሊኦም ንቑሓት ዝኾኑ፣ ቅንኣቶም ኣብ ግዳማዊ ቅርጽታትን ኣብ ኣጠራጠርቲ ክርክርን የጥፍኡ። እቶም ብሕጋዊ መንገዲ ዝጽዕሩ ግና፣ ኣብ መወዳእታ ዘውዲ ክቕበሉ እዮም። ፍረታት ክንካፈል እንተኾይኑ፣ ክንደልብ ኣሎና፤ ዓስቢ ክንረክብ እንተኾይኑ፣ ንቕድድም ክንሰግር ይግባእ። ተስፋታት ቅድሚ ምቕባልና፣ ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር ይግባእ፣ ስለዚ ድማ ትዕግስቲ የድልየና። ምስቲ ምእንቲ እግዚኣብሔር ንኹሉ ነገር ምስትውዓል ክህቦም እንገብሮ ጸሎትና፣ ዝሰምዕዎን ዘንብብዎን ከስተውዕሉ ክንመምቆምን ክንለዓዕሎምን ኣሎና።

2:8-13 ተሳቐይቲ ቅዱሳን ይዝክሩ፣ ናብ የሱስ ድማ ይጠምቱ፣ እቲ ናይ እምነቶም ደራሲን ፈጻምን፣ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ሓጎስ ኢሉ፣ መስቀል ተጻዊሩ፣ ነውሪ ንዒቑ፣ ሕጂ ድማ ኣብ የማናይ ኢድ ዝፋን ኣምላኽ ተቐሚጡ ዘሎ። እቶም ዝበለጹ ሰባት እቲ ዝኸፍአ መምህዳር እንተረኸቡ፣ ግርም ክንብሎ የብልናን፤ እዚ ግን ብስራት እዩ፣ ቃል ኣምላኽ ኣይተኣስረን። ኣብዚ ነቲ ሓቀኛን ናይ ሓቂ ምኽንያት ስቓይ ሓዋርያ ብዛዕባ ወይስ ምእንቲ ወንጌል ንርኢ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6