2ይ ጴጥሮስ 2

BCV aksumትግርኛ22 ፍቕድታት3:51 ስማዕ
ስማዕ 3:51 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ግና ሓሰውቲ ነቢያት ኣብ ማእኸል ህዝቢ እግዚኣብሄር ተሲኦም ከም ዝነበሩ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን፥ ሓሰውቲ መምህራን ክትስኡ እዮም። ንሳቶም ብሕቡእ፥ ጥፍኣት ዘስዕብ መናፍቕነት ከምፅኡ እዮም። ነቲ ዝተቤዘዎም ጐይታ ብምኽሓድውን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም፥ ቅልጡፍ ጥፍኣት ከምፅኡ እዮም።

2ብዙሓት ድማ፥ በቲ መንገዲ ርኽሰቶም ክስዕብዎም እዮም። ብሰንኮም፥ እታ መንገዲ ሓቂ ኽትፅረፍ እያ።

3ንሳቶም ስሱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ኽገብሩኹም እዮም። ካብ ቀደም ፍርዶም ተዳልዩ እዩ፤ ጥፍኣትውን ብርግፅ ይፅበዮም ኣሎ።

4እግዚኣብሄር፥ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ፥ ኣብ ፀልማት ጕድጓድ ፍርዶም ክፅበዩ፥ ናብ ገሃነም ደርበዮም እምበር፥ ኣይራህርሀሎምን።

5ነታ ቐዳመይቲ ዓለምውን ኣይራህርሀላን፤ ነቲ ሰባኺ ፅድቂ ዝነበረ ኖህ ግና፥ ሻምናይ ርእሱ ጥራሕ ኣድሒኑ፥ ነቲ ናይ ሓጥኣን ቀዳማይ ዓለም ከዓ ራህሪሁ እንተይመሓረ፥ ኣብቶም ሓጥኣን ማይ ኣይሂ ኣውረደ እምበር።

6ነቶም ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም፥ መርኣያ መቕፃዕቲ ምእንቲ ክኾና፥ ንሰዶምን ገሞራን ሓመዅሽቲ ኽሳዕ ዝኾና፥ ክቃፀላ ፈረደን።

7ነቲ ብበደሎምን ብርኹስ ተግባሮምን፥ ዘስካሕክሕ ዝነበረ ፃድቕ ሎጥ ግና ኣድሓኖ።

8እቲ ፃድቕ ሰብ፥ ኣብ ማእኸሎም ክነብር እንተሎ፥ በብመዓልቱ በቲ ዝሪኦን ዝሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመፃኦም፥ እታ ፃድቕ ነፍሱ ትጭነቕ ነበረት።

9ጐይታ ኸዓ ነቶም ዝፈርሕዎ፥ ካብ ፈተና ኸመይ ገይሩ ኸም ዘድሕኖም፥ ንገበርቲ ዓመፃ ድማ፥ እናቐፅዐ ኸመይ ገይሩ ኽሳዕ መዓልቲ ፍርዲ ኸም ዘፅንሖም ይፈልጥ እዩ።

10ብሕልፊ እኳ፥ ደድሕሪ እቲ ርኹስ ዝኾነ ስጋዊ ፍትወቶም ንዝስዕቡ፥ ንስልጣን እግዚኣብሄርውን ንዝንዕቑ፥ ንፍርዲ ኸፅንሖም እዩ። ደፋራትን ትዕቢተኛታትን ስለ ዝኾኑ፥ ነቶም ናይ ሰማይ ስልጣናት እንትፃረፉ ኣይፈርሑን።

11መላእኽቲ፥ ብሓይልን ብስልጣንን ካብኣቶም ዝበልፁ እንተ ኾኑ እኳ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ፀርፊ ዘለዎ ኽሲ ኣየቕርቡን እዮም።(ሀ)

12እዚኣቶም ግና፥ ከም ንመፃወድን ንጥፍኣትን ዝተፈጥሩ፥ ኣእምሮ ዘይብሎም እንስሳ እዮም ዝመስሉ። ነቲ ዘይፈልጥዎ እናፀረፉ፥ ምስኣቶም ክጠፍኡ እዮም።

13ዓስቢ ዓመፃኦምውን ክቕበሉ እዮም። ንኣኣቶም ሓጐስ፥ ብቐትሩ ምዕባድ ማለት እዩ። ነውራማትን ርኹሳትን እዮም። ንኽጥብሩኹም ኢሎም፥ ኣብ ማእድኹም ይሳተፉ፤ በዙይውን ይሕጐሱ።

14ዝሙት ዝመልኣ፥ ካብ ሓጢኣት ከዓ ዘየቋርፃ ኣዒንቲ ኣለዋኦም፤ ነተን ብእምነት ዘይፀንዓ ነፍሳት፥ ይሓብልወን፤ ስስዐ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም፤ ደቂ መርገምውን እዮም።(ለ)

15ነታ ቕንዕቲ መንገዲ ሓዲጎም ተጋገዩ፤ መንገዲ እቲ ዓስቢ ዓመፃ ዝፈተወ በለዓም ወዲ ባሶር ሰዓቡ።

16እንተ ኾነ ሕጊ ብምፍራሱ ተግሳፅ ተቐበለ፤ ምዝራብ ዘይትኽእል ኣድጊ፥ ብድምፂ ሰብ ተዛሪባ፥ ንዕብዳን እቲ ነቢይ ዓገተቶ።

17እዞም ሰባት እዚኣቶም ዝነፀፈ ዓይኒ ማይን፥ ንፋስ ዝዅብኵቦ ግመን እዮም፤ ንኣኣቶም ግብ ዝበለ ፀልማት ዘለኣለም፥ ይፅበዮም ኣሎ።

18ንሳቶም፥ ነቶም ኣብ ስሕተት ካብ ምንባር፥ ብቐረባ እዋን ኣምሊጦም ዝወፁ፥ በቲ ኸንቱን ትዕቢት ዝመልኦን ዘረባኦም ገይሮም፥ ብኽፉእ ትምኒት ስጋን፥ ብርኽሰትን፥ ይሓባብልዎም ኣለዉ።

19ዝተስዓረ ሰብ፥ ባርያ ናይቲ ዝሰዓሮ እዩ ዝኸውን እሞ፥ ንሳቶም ንባዕላቶም፥ ናይ ክፉእ ኣመል ባሮት እንተለዉ “ሓራ ኽትወፁ ኢኹም” እናበሉ፥ የተስፍውዎም ኣለዉ።

20በታ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምፍላጥ፥ ካብ ርኽሰት ዓለም ዘምለጡ ሰባት፥ ተመሊሶም ብኣኣ ተጠሊፎም እንተ ደኣ ተስዒሮም፥ ካብ ቀዳማዮም ዳሕራዮም እዩ ዝገድድ።

21ንሳቶም እናፈለጥዋ፥ ካብቲ ዝተውሃቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዝምለሱስ፥ ነታ መንገዲ ፅድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሐሾም ነይሩ።

22እዙይ ከዓ እቲ “ከልቢ ናብ ትፋኡ ተመለሰ” ኸምኡ ኸዓ “ሓሰማ ተሓፂባ፥ ኣብ ፀብሪ ኣንገርገረት” ዝብል ምስላ ሓቂ፥ ኣብኣቶም በፅሐ።

ትርጓሜ

2:1-9 መገዲ ስሕተት ጕድኣት ዘለዎ መገዲ እኳ እንተዀነ፡ ብዙሓት ግና ኩሉሳዕ በቲ መገዲ ንምኻድ ድሉዋት እዮም። እቲ ንሕና እተሰመናሉ ቅዱስ ስም ኪጸርፍ፡ ወይ ድማ ንኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ መገዲ፡ ሓቅን ህይወትን ዝዀነ፡ ንመገዲ ምድሓን ክነውግዞ፡ ንጸላኢ ምኽንያት ከይንህብ ንጠንቀቕ። እዞም መዓውያን ተንኰለኛ ቃላት ተጠቕሙ፡ ንልቢ እቶም ዝስዕብዎም ድማ ኣታለሉ። ከምዚኦም ዘመሰሉ ድሮ ተዀኒኖም እዮም፡ ቑጥዓ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊኦም የንብር።

ናይ ኣምላኽ ልሙድ ኣገባብ ብኣብነታት ይርአ። መላእኽቲ ንዘይምእዛዞም፡ ካብ ኵሉ ክብሮምን ሞገሶምን ተደርብዮም። ፍጥረት እንተበደሉ፡ ኣብ ሰማይ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ገሃነም ክሳቐዩ ይግብኦም። ሓጢኣት ግብሪ ጸልማት እያ፡ ጸልማት ከኣ ዓስቢ ሓጢኣት እዩ። ኣምላኽ ንቀደም ዓለም ከመይ ገይሩ ከም ዝኸሓሳ ርአ። ብዝሒ በደለኛታት፡ ከምኡ እውን ደረጃኦም፡ ምሕረት ኣየምጽእን። ሓጢኣት ዓለማዊ እንተዀይኑ፡ ቅጽዓት ድማ ከምኡ ንዅሉ ክዘርጋሕ እዩ። ኣብ ፍርያም ምድሪ ህዝቢ ብሓጢኣት እንተበዝሑ፡ ኣምላኽ ድማ ንፍርያም ምድሪ ብሓንሳእ ናብ በረኻ፡ ንጽቡቕ ዝተስሓየ ሃገር ድማ ናብ ሓሙኽሽቲ ክቕይራ ይኽእል እዩ። ዝኾነ ትልሚ ይኹን ፖለቲካ ንፍርድታት ካብ ሓጢኣተኛ ህዝቢ ኬርሕቕ ኣይክእልን። እቲ ንሓዊን ማይን ንህዝቡ ከይጎድኦም ዝሕሉ፡ (ኢሳ 43:2)፡ ነዞም ክልቲኦም ንጸላእቱ ኼዕንዉ ይኽእል እዩ። ንሳቶም ድማ ዋላ ሓንሳብ ኣይደሓኑን።

ኣምላኽ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ሕሱማት ክልእኽ ከሎ፡ ንጻድቃን ድማ ምድሓን የዝዝ። ኣብ ሕማቕ መጻምድቲ እንተተረኺብና፡ ገበን ወይ ሓዘን ከይሓዝና ኣይንተርፍን። ሓጢኣት ናይ ካልኦት ንዓና ሻቕሎት ይኹነና። እንተዀነ ግና፡ ደቂ እግዚኣብሔር ኣብ መንጎ እቶም ዝበዝሑ ርጉማት እናሃለዉ፡ ንቕንዕናኦም ክሕልዉ ይከኣሎም እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ነገር ግን ሐሰተኞች ነቢያት ደግሞ በሕዝቡ መካከል ነበሩ እንዲሁም በመካከላችሁ ደግሞ ሐሰተኞች አስተማሪዎች ይሆናሉ፤ እነርሱም የዋጃቸውን ጌታ እንኳ ክደው የሚፈጥንን ጥፋት በራሳቸው ላይ እ… አማርኛ ENGNIV But there were also false prophets among the people, just as there will be false teachers among you. They will secretly… English BCV ግና ሓሰውቲ ነቢያት ኣብ ማእኸል ህዝቢ እግዚኣብሄር ተሲኦም ከም ዝነበሩ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን፥ ሓሰውቲ መምህራን ክትስኡ እዮም። ንሳቶም ብሕቡእ፥ ጥፍኣት ዘስዕብ መናፍቕነት ከምፅኡ እዮም። … ትግርኛ GAZBIB Akkuma raajonni sobduun saba sana gidduu turan, akkasuma barsiisonni sobduun isin gidduu in jiraatu. Isaan warra utuu i… Afaan Oromoo BCV GIZ ወቦ ባሕቱ ሐሳውያነ ነቢያት ማእከለ ሕዝብ ከመ እለ ሀለዉ ማእከሌክሙ ወውስቴትክሙ እለ ሐሰተ ይሜህሩ ወእለ ካሕደ ያበውኡ ለሕርትምና ወይክሕድዎ ለእግዚኦሙ ዘተሣየጦሙ በደሙ ወያመጽእዎ ላዕሌ… giz GAZGAZ Akkuma raajonni sobduun saba sana gidduu turan, akkasuma barsiisonni sobduun isin gidduu in jiraatu. Isaan warra utuu i… Afaan Oromoo AMHNIV ነገር ግን ሐሰተኞች ነቢያት በሕዝቡ መካከል እንደ ነበሩ እንዲሁም በእናንተ መካከል ሐሰተኞች መምህራን ይነሣሉ፤ እነርሱም የዋጃቸውን ጌታ እንኳ ክደው ጥፋት የሚያስከትል የስሕተት ትምህርት … አማርኛ SWAHSUV Lakini kuliondokea manabii wa uongo katika wale watu, kama vile kwenu kutakavyokuwako waalimu wa uongo, watakaoingiza k… Kiswahili