2ይ ቆረንቶስ 6

BCVትግርኛ18 ፍቕድታት3:14 ስማዕ
ስማዕ 3:14 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ሓቢርና መሳርሕቲ ከም ምዃንና፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፥ ንልምነኩም ኣለና።

2“ብሕርይቲ ሰዓት ሰማዕኩኻ፤ መዓልቲ ምድሓን ረዳእኩኻ” ከም ዝብሎ፥ እንሆ፥ እታ ሕርይቲ ሰዓት ሕዚ እያ፤ እታ መዓልቲ ምድሓንውን ሕዚ እያ።

3ምእንቲ ኣገልግሎትና ኸይንቀፍ፥ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት፥ መዐንቀፊ ኣይንህብን ኢና።

4እኳ ደኣ ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር፥ ንባዕልትና ነቕርብ። ብብዙሕ ትዕግስቲ፥ ብመከራ፥ ብጭንቂ፥ ብሽግር፥

5ብመግረፍቲ፥ ብማእሰርቲ፥ ብሁከት፥ ብፃዕሪ፥ ድቃስ ብምስኣን፥ ብጥምየት፥

6ነዙይ ከዓ ብቕድስና፥ ብምስትውዓል፥ ብዓቕሊ፥ ብለውሃት፥ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ብሓቀኛ ፍቕሪ፥

7ብቓል ሓቂ፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር፥ ብየማንን ብፀጋምን ኣእዳውና ኣፅዋር ፅድቂ ብምሓዝ፥

8ብኽብርን ብሕስራንን፥ ፅቡቕ ክዛረቡልና ኾነ ኸፀልሙና፥ ንረአ ኣለና፤ ከም መስሐትቲ፥ ግናኸ ሓቀኛታት ኢና።

9ከም ዘይተፈለጥና፥ ግናኸ ኣፀቢቕና ፍሉጣት ኢና። ከም ዝሞትና፥ ግና እንሆ ህያዋን ኢና። ከም ቅፁዓት፥ ግናኸ ኣይተቐተልናን።

10ከም ጕሁያት፥ ግናኸ ዅልሻዕ ሕጉሳት ኢና። ከም ድኻታት፥ ግና ንብዙሓት ነሀብትም ኢና። ኵሉ እንተለናስ፥ ሓንቲ ኸም ዘይብሎም ኴንና ንረአ ኣለና።

11ኣቱም ሰብ ቆሮንቶስ፥ ኣፍና ንኣኻትኩም ክፉት እዩ፤ ልብናውን ኣስፊሕና ኢና።

12ኣብ ልብኹም ደኣ እዩ ዝፀበበኩም እምበር፥ ኣባናስ ኣይፀበበኩምን።

13ግናኸ ውሬታ ኽትመልሱ፥ ከም ደቀይ እየ ዝዛረበኩም ዘለኹ፤ ንስኻትኩምውን ከምኡ፥ ልብኹም ኣስፍሑ።

14ግቡእ ብዘይኮነ ኣካይዳ፥ ምስቶም ዘይኣምኑ ብሓደ ኣይትፀመዱ፤ ፅድቂ ምስ ሓጢኣት፥ እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ? ወይ ከዓ ብርሃን ምስ ፀልማት፥ እንታይ ሕብረት ኣለዎ?

15ክርስቶስ ምስ ዲያብሎስ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ሕብረት ኣለዎ?

16መቕደስ እግዚኣብሄር ምስ ጣዖታት፥(ሀ) እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? እግዚኣብሄር፦ “ምስኣቶም ክነብር እየ፤ ኣብ ማእኸሎም ክመላለስ እየ፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ከዓ ህዝበይ ክኾኑ እዮም” ከም ዝበለ፥ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው እግዚኣብሄር ኢና።

17“ ‘ስለዙይ ካብ ማእኸሎም ውፁ፤ ዝተፈለኹም ኩኑ’ ይብል እግዚኣብሄር። ‘ርኹስ ኣይትንክኡ፤ ኣነውን ክቕበለኩም እየ’ ።

18ኣቦ ክኾነኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣጓላትን ክትኮኑኒ ኢኹም’ ይብል፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ እዩ።

ትርጓሜ

6:1-10 ወንጌል ኣብ ኣእዛንና ዚዝርብ ቃል ጸጋ እዩ። መዓልቲ ወንጌል መዓልቲ ምድሓን እያ፣ መገዲ ጸጋ መገዲ ምድሓን፣ ዕድመታት ወንጌል ድማ ዕድመታት ምድሓን እዩ። እሞ ሕጂ ዘሎና ግዜ ነዚ ዕድመታት እዚ ንምቕባል ግቡእ ግዜ እዩ። ጽባሕ ናትና ኣይኮነን፤ ጽባሕ እንታይ ከም ዝኸውን ወይ ኣበይ ከም እንኸውን ኣይንፈልጥን። ሕጂ መዓልቲ ጸጋ ንጥቀም ኣሎና፤ ስለዚ ኩሉ ሰብ ከይዘንጎዖ ክጥንቀቕ ይግባእ። ኣገልገልቲ ወንጌል ነፍሶም ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ገይሮም ኪርእዩ ይግባእ፣ ኣብ ኩሉ ነገር ድማ ነዚ ባህሪ እዚ ብዝግባእ ከርእዩ ይግባእ። ሃዋርያ ኸኣ ከምኡ ገበረ፣ ብብዙሕ ትዕግስቲ ኣብ ሽግር፣ ካብ ጽቡቕ መሰላት ተበጊሱ ብምዕያይ፣ ብግቡእ ስነ-ምግባርን ባህርይን።

ኣመንቲ፣ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፣ ንፈተናታት ንምቅዋም ዜዐጥቖም ጸጋ ኣምላኽ የድልዮም። ስለዚ ድማ ንጽቡቕ ምስክርነት ሰባት ብዘይ ትዕቢት ኪቕበሉ፣ ንጽርፎም ድማ ብትዕግስቲ ኪጸውሩ ይግባእ። ኣብ ነፍሶም ገለ የብሎምን፣ ግናኸ ኣብ ክርስቶስ ኩሉ ነገር ኣለዎም። ህይወት ክርስትያን በዚ ዓይነት ፍልልያት እዚ ዝቖመት እያ፣ በዚ ዝተፈላለየ ኩነታትን ጸብጻብን ሓሊፉ ድማ መንገዲና ናብ ሰማይ እዩ። ኣብ ኩሉ ነገር ድማ ንኣምላኽ ቅቡላት ክንከውን ክንጥንቀቕ ይግባእ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6