2ይ ቆረንቶስ 5

BCVትግርኛ21 ፍቕድታት3:43 ስማዕ
ስማዕ 3:43 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እዛ ድንኳን ዝኾነት፥ ምድራዊት መንበሪትና እንተ ፈረሰት እኳ፥ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐት፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነት ናይ ዘለኣለም ቤት፥ ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈልጥ ኢና።

2ኣብዙይ ግና ንግዕር ኣለና፤ እቲ ሰማያዊ ቤትና ኽንለብስ ከዓ፥ ንናፍቕ ኣለና።

3ሰማያዊ ሰብነት ምስ ለበስና፥ ዕሩቓት ኴንና ኣይንርከብን ኢናሞ።

4ኣብዝ ድንኳን ዝኾነ፥ ምድራዊ ሰብነትና ኽሳዕ ዘለና፥ ከቢዱና ንግዕር፤ እዙይውን ክንቅንጠጥ ደሊና ዘይኮንናስ፥ ሰማያዊ ሰብነት ምስ ለበስና፥ እቲ መዋታይ፥ ብህይወት ምእንቲ ኽወሓጥ እዩ።

5ነዙይ ዘዳለወና እግዚኣብሄር እዩ፤ ዕርቡን መንፈሱውን ዝሃበና ንሱ እዩ።

6ኣብዝ ሰብነት እዙይ ክሳዕ ዘለና፥ ካብ ጐይታ ብርሕቐት፥ ኣብ ስደት ከም ዘለና፥ እንተ ፈለጥና እኳ፥ ኵልሻዕ ብእኡ ንተኣማመን ኢና።(ሀ)

7ብእምነት እምበር፥ ብምርኣይ ኣይኮንናን እንነብር ዘለናሞ።

8ካብዝ ሰብነት እዙይ ተፈሊና፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ይሕሸና ኢልና፥ ብትብዓት ንዛረብ።

9ብህይወት እናሃለና ኾነ እንተ ተፈለና፥ ንእኡ ንምሕጓስ ንፅዕር ኣለና።

10ነፍሲ ወከፍና፥ ነቲ ብስጋዊ ህይወቱ እንተሎ ንዝገበሮ ሰናይ ኮነ ወይ ክፉእ፥ ዓስቢ ምእንቲ ኽቕበል፥ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ፥ ግድን ክንቀርብ ኢናሞ።

11እምበኣር ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ እንፈልጥ፥ ንዅሉ ሰብ ነረድእ ኣለና፤ ንሕና ንእግዚኣብሄር ግሁዳት ኢና፤ ንሕሊናኹምውን፥ ግሁዳት ከም ዝኾንና ተስፋ እገብር።

12ነቶም ብልቢ ዘሎ ዘይኮነ፥ ብዝረአ ኣፍኣዊ ንዝምክሑ፥ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ብኣና ኽትምክሑ፥ ምኽንያት ንህበኩም ኣለና እምበር፥ መሊስና ንባዕልትና ኽንንእድ ኢልና ኣይኮንናን።

13ንሕናስ ዕቡዳት እንተ ዄንና፥ ንእግዚኣብሄር እዩ፤ ለባማት እንተ ዄንና ድማ፥ ንኣኻትኩም እዩ።

14ሓደ፥ ቤዛ ዅሉ ኸም ዝሞተ፥ ኵላቶም ከዓ ተኻፈልቲ ሞቱ ኸም ዝኾኑ ስለ ዝተረዳእና፥ ፍቕሪ ክርስቶስ ግዲ ይብለና እዩ እሞ።

15እቶም ብህይወት ዝነብሩ፥ ነቲ ምእንትኣቶም ዝሞተን ዝተስአን እምበር፥ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፥ ክርስቶስ ምእንቲ ዅላቶም ሞተ።

16እምበኣር፥ ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብስጋዊ መንገዲ፥ ንሓደኳ ኣይንፈልጥን ኢና። ንክርስቶስ ብስጋዊ መንገዲ ፈሊጥናዮ እንተ ነበርና እኳ፥ ሕዚ ግና ኸምኡ ኣይንፈልጦን ኢና።

17ስለዙይ ሓደኳ ብክርስቶስ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፤ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፥ እንሆ ዅሉ ሓድሽ ኮይኑ እዩ።

18እዝ ዅሉውን፥ ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ ገይሩ ዝተዓረቐና፥ ኣገልግሎት ዕርቂ እውን ካብ ዝሃበና፥ እግዚኣብሄር እዩ።

19እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ገይሩ፥(ለ) ንዓለም ምስ ባዕሉ ኽዓርቕ እንተሎ፥ በደሎም ኣይቈፀረሎምን፤ ኣባናውን ቃል ዕርቂ ኣንበረ።

20ስለዙይ ንሕና ናይ ክርስቶስ መልእኽተኛታት ኢና፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ብኣና ገይሩ ይዕድም ኣሎ። ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ድማ “ምስ እግዚኣብሄር ተዓረቑ” እናበልና፥ ክንዲ ክርስቶስ ንልምነኩም ኣለና።

21ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።(ሐ)

ትርጓሜ

5:1-8 እቲ ኣማኒ፡ እዛ ህይወት እዚኣ ምስ ተወድአት፡ ካልእ ባህ እተብል ህይወት ከም ዘላ ብእምነት ጥራይ ኣይኮነን ሙሉእ ምትእምማን ዘለዎ፡ የግዳስ፡ ብጸጋ፡ ሰማይ መሕደሪ ቦታ፡ መዓረፊ ቦታ፡ ከምኡ’ውን መሕብኢ ቦታ ከም ዝኾነት ጽቡቕ ተስፋ ኣለዎ። ኣብ ቤት ኣቦና ብዙሓት ማሕደር ኣለዋ፡ እቲ ገንቢኣን ሰራሒኣን ድማ ኣምላኽ እዩ። ሓጐስ እቲ ንዝመጽእ ዘመን ዘሎ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ዘዳለዎ እዩ፡ ንሳተን ከኣ ዘለኣለማዊ ማሕደሪታት እየን፡ ከምቲ ሕጂ ነፍስና እትነብረለን ዘላ ድኻታት ናይ ሓመድ ኣባይቲ፡ ዝበልያታን ዝፈርስን፡ መሰረተን ኣብ ሓመድ ዝርከብን ናይ ምድሪ ድንኳናት ኣይኮናን። ስጋዊ ኣካል ከቢድ ጾር እዩ፡ መከራታት ናይ ህይወት ድማ ከቢድ ጾር እዩ። ግናኸ ኣመንቲ፡ ብሓጢኣተኛ ስጋ ብምጽዋር፡ ከምኡ’ውን ብሰሪ እተን ኣብ ውሽጦም ዝተርፋን ዝወልዓን ብዙሓት ብልሽዋት እናተቓሰዩ ይነብሩ። ሞት ንስጋዊ ክዳውንቲ፡ ከምኡ’ውን ንኹሉ ብሕይወት ዘሎ ምቾት ክቐንጥበና እዩ፡ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎና ኹሉ መከራታትና ድማ ኽውድኦ እዩ። ግናኸ ነፍሳት ኣመንቲ፡ ክዳውንቲ ምስጋና፡ ክዳውንቲ ጽድቂን ክብርን ኪለብሳ እየን። እዚ ሕጂ ዘሎ ጸጋታት ከምኡ’ውን መጸናንዒታት መንፈስ ቅዱስ፡ መባእታታት ናይ ዘለኣለም ጸጋን መጸናንዒን እዮም። እኳ ደኣ እግዚኣብሔር ኣብዚ ብመንፈሱን ብስርዓታቱን ምሳና እንተሎ፡ ገና ምሳኡ ኸምቲ ንምነዮ ኣይኮናን። እምነት ንዛ ዓለም እያ፡ ርእየት ድማ ንካልእቲ ዓለም እያ። ብእምነት ክሳብ ብርእየት ንነብር፡ እዚ ግቡእና እዩ፡ ንጥቕምና ድማ እዩ። እዚ፡ ነፍሳት ኣመንቲ ካብ ስጋ ምስ ተፈልያ፡ ኣብቲ የሱስ ክብራዊ ህላዌኡ ዘፍልጠሉ ቦታ ዚረኽብኦ ሓጐስ ብንጹር የርኢ። ንስጋን ንጐይታን ብዝምድና ኢና ተተሓሒዝና፡ ነፍሲ ወከፎም ድማ ኣብ ውሽጥና ክፍሊ ይሓቱ። ግናኸ ጐይታ ነፍሲ እቲ ኣማኒ ምስኡ ብጥብቂ ሓቢራ ንኽትከውን ክሳዕ ክንደይ ብዝያዳ ሓይሊ ይምሕጸን! ንስኻ ሓንቲ ካብተን ዘፍቀርክዎን ዝመረጽኩዋን፡ ካብተን ንኣይ እተዋሃባን ነፍሳት ኢኻ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ድንኳን የሚሆነው ምድራዊ መኖሪያችን ቢፈርስ፥ በሰማይ ያለ በእጅ ያልተሠራ የዘላለም ቤት የሚሆን ከእግዚአብሔር የተሠራ ሕንጻ እንዳለን እናውቃለንና። አማርኛ ENGNIV Now we know that if the earthly tent we live in is destroyed, we have a building from God, an eternal house in heaven, … English GAZBIB Godoon jireenya keenyaa, [kana jechuunis dhagni keenya,] lafa kana irraa yoo jige, ijaarsa harki namaa hin ijaarin, man… Afaan Oromoo BCV GIZ ወነአምር ከመ ለእመሂ ተነሥተ ቤተ ማኅደርነ ዘበምድር ዘውእቱ ሥጋ፤ ብነ ሕንጻ በኀበ እግዚአብሔር በሰማያት ዘኢገብሮ እደ ሰብእ። giz GAZGAZ Godoon jireenya keenyaa, [kana jechuunis dhagni keenya,] lafa kana irraa yoo jige, ijaarsa harki namaa hin ijaarin, man… Afaan Oromoo BCV aksum እዛ ድንኳን ዝኾነት፥ ምድራዊት መንበሪትና እንተ ፈረሰት እኳ፥ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐት፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነት ናይ ዘለኣለም ቤት፥ ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈልጥ ኢና። ትግርኛ AMHNIV መኖሪያችን የሆነው ምድራዊ ድንኳን ቢፈርስም፣ በሰው እጅ ያልተሠራ ነገር ግን ከእግዚአብሔር የሆነ ዘላለማዊ ቤት በሰማይ እንዳለን እናውቃለን። አማርኛ SWAHSUV Kwa maana twajua ya kuwa nyumba ya maskani yetu iliyo ya dunia hii ikiharibiwa, tunalo jengo litokalo kwa Mungu, nyumba… Kiswahili