2ይ ቆረንቶስ 4

BCV aksumትግርኛ18 ፍቕድታት3:10 ስማዕ
ስማዕ 3:10 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ስለዙይ፥ ከምቲ ምሕረት ዝተውሃበና፥ እዝ ኣገልግሎት እዙይ ስለዘለና፥ ተስፋ ኣይንቘርፅን ኢና።

2እኳ ደኣ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ሓቂ ኣብ ሕሊና ነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ብገሃድ ነቕርብ እምበር፥ ብተንኰል ኣይተመላለስናን፤ ንቓል እግዚኣብሄርውን ኣይለወጥናን፤ ነቲ ብሕቡእ ዝግበር ነውራም ነገርውን፥ ካባና ኣርሒቕናዮ ኢና።

3እቲ እንሰብኮ ወንጌል ክዱን እንተ ኾነ፥ ክዱን ዝኸውን፥ ነቶም ዝጠፍኡ ጥራሕ እዩ።

4ንኣኣቶም ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ(ሀ) ዝኾነ ሰይጣን፥ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ኸይሪኡ፥ ንልቢ እቶም ዘይኣምኑ ኣዕወሮ። እዝ ብርሃንዙይ ከዓ፥ ክብሪ ናይቲ ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ ክርስቶስ እዩ።

5ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ጐይታ ኸም ዝኾነ፥ ንሕና ኸዓ ምእንቲ ክርስቶስ፥ ኣገልገልትኹም ከም ዝኾንና እምበር፥ ብዛዕባ ርእስና ኣይኮንናን እንሰብኽ።

6እቲ “ኣብ ፀልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣብ ገፅ ክርስቶስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ዘንፀባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኽህበና፥ ኣብ ልብና ኸም ዝበርህ ገይሩ እዩሞ።

7ግና እቲ ዓብዪ ሓይሊ፥ ናይ እግዚኣብሄር እምበር፥ ናትና ኸም ዘይኮነ ምእንቲ ኽገሃድ፥ ካብ መሬት ኣብ ዝተፈጥረ ሰብነትና፥ እዝ ናይ ፍልጠት መዝገብ ኣለና።

8ብዅሉ ወገን ንግፋዕ፤ ግና ኣይንሰዓርን፤ እንገብሮ ይጠፍአና፤ ግና ተስፋ ኣይንቐብፅን፤

9የሳጕጉና፤ ግና ኣይንድርበን፤ ተወቒዕና ንወድቕ፤ ግና ኣይንጠፍእን።

10ህይወት ኢየሱስ፥ ኣብ መዋታይ ሰብነትና ምእንቲ ኽትገሃድውን፥ ሞት ኢየሱስ ኣብ ሰብነትና ዅልሻዕ ንፀውር ኣለና።

11ህይወት ኢየሱስ፥ ኣብ መዋቲ ሰብነትና ምእንቲ ኽገሃድ ድማ፥ ንሕና ብህይወት እንነብር ዘለና፥ ምእንቲ ኢየሱስ፥ ኵልሻዕ ናብ ሞት ኣሕሊፎም ይህቡና ኣለዉ።

12ስለዙይ ሞት ኣባና፥ ህይወት ግና ኣባኻትኩም ይሰርሕ ኣሎ።(ለ)

13ከምቲ “ኣመንኩ፤ ስለዙይ ተዛረብኩ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ፥ ሓደ ዝዓይነቱ መንፈስ እምነት ስለ ዘለና፥ ንሕና ድማ ነኣምን፤ ስለዙይውን ንዛረብ ኣለና።

14እቲ ንጐይታና ኢየሱስ ዘተስኦ፥ ንኣናውን ምስ ኢየሱስ ከም ዘተስአናን፥ ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዘቑመናን፥ ንፈልጥ ኢናሞ።

15እዝ ዅሉ ንጥቕምኹም እዩ፤ ብዙሕ ፀጋ ኣብ ብዙሓት ሰባት ክብርክት እንተሎ፥ እቲ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዝዓርግ ምስጋና፥ ክበዝሕ እዩ እሞ።

16ስለዙይ ተስፋ ኣይንቐብፅን ኢና፤ እቲ ናይ ወፃኢ ሰብነትና እንተበለየ እኳ፥ ውሽጣዊ ሰብነትና በብመዓልቱ ይሕደስ እዩ።

17እዝ ቐልጢፉ ዝሓልፍን፥ ቀሊል ዝኾነ መከራና ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝበልፅን፥ ማዕረ ዘይብሉን፥ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ኸውህበና እዩ።

18እቲ ዝረአ ሓላፋይ እዩ፤ እቲ ዘይረአ ግና ዘለኣለማዊ እዩ። ንሕና ኸዓ ኣብቲ ዝረአ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ዘይረአ ኢና እንጥምት ዘለና።

ትርጓሜ

4:1-7 ካብ ሰባት እቶም ዝበለጹ፣ ካብ ኣምላኽ ምሕረት እንተዘይረኺቦም፣ ክጽብጽቡ እዮም። እታ ክሳብ ሕጂ ካብ ሽግር ዘውጽአትናን ብህይወት ዘቕጸለትን ምሕረት ድማ፣ ክሳብ መወዳእታ ክትድግፈና ብእኣ ክንውከል ንኽእል ኢና። ሃዋርያት ብጽቡቕን ሓሳዊን መሲሉ ዝርአ ምኽንያታት ዝተሸፈነ፣ ሕሱርን እኩይን ምኽሪ ኣይነበሮምን። ኣገልግሎቶም ንግዜያዊ ረብሓኦም ንምውዓል ኣይፈተኑን። ቅንዕና ወይ ቅድስና ናይ ጥበበኛታትን ጽቡቓትን ሰባት ሰናይ ርእይቶ ይሕልው። ክርስቶስ ብወንጌሉ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ግሩም ምግላጽ ይገብር። ግን ዕላማ ድያብሎስ ንሰባት ብድንቁርና ንምዕቃብ እዩ። ብርሃን ወንጌል ክርስቶስ ካብ ዓለም ንኸይወጽእ ክኸልክል እንተዘይከኣለ ድማ፣ ንሰባት ካብ ወንጌል ንምርሓቕ ወይ ንምቅዋም ዝኾነ ይኹን ጻዕሪ ኣይተርፍን እዩ። ኣብዚ ምፍንፋን ወንጌል ናብ ፍቓዳዊ ዕውርነትን እኩይነትን ልቢ ሰብ ተመሊሱ ኣሎ። ርእሶም መሰረትን ዕላማን ስብከት ሃዋርያት ኣይነበረን፤ ንሳቶም ንክርስቶስ ከም የሱስ፣ ኣዳንን ነጻ ኣውጻእን፣ ብእኡ ገይሮም ናብ ኣምላኽ ንዝመጹ ኩሎም ብምሉኡ ዜድሕን ከምኡ ኰይኖም ሰበኹ። ኣገልገልቲ ንነፍሳት ሰባት ኣገልገልቲ እዮም፤ ንባህርያት ወይ ንትምኒት ሰባት ኣገልገልቲ ምዃን ከወግዱ ኣለዎም። ጸሓይ ኣብ ሰማይ ምጥማት ባህ የብል እዩ፤ ግናኸ ወንጌል ኣብ ልቢ ምብራቑ ካብኡ ንላዕሊ ባህ ዘብልን ረባሕን እዩ። ብርሃን መጀመርታ ናይ ቀዳማይ ፍጥረት ከም ዝነበረ፣ ከምኡ ድማ ብሓዳስ ፍጥረት፣ ብርሃን መንፈስ ቅዱስ ናብ ነፍሲ ዝግበር ቀዳማይ ዕዮኡ እዩ። እቲ ሃብቲ ናይ ብርሃን ወንጌልን ጸጋን ኣብ መሬታዊ ኣቕሑ ተነቢሩ ኣሎ። ኣገልገልቲ ወንጌል ከም ካልኦት ሰባት ንሓደ ዓይነት ፍትወትን ድኻማትን ተገዛእቲ እዮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6