1ናባኻትኩም እንትመፅእ፥ እዙይ ሳልሳይ ጊዜይ እዩ። “ነገር ዝቐውም፥ ብኣፍ ክልተ ወይ ብሰለስተ ምስክር እዩ።”
2ካልኣይ ምሳኻትኩም ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ፥ ኣጠንቂቐዮም ከም ዝነበርኩ፥ ሕዚ እውን ኣብ ርሑቕ ኮይነ፥ ነቶም ሓጢኣት ዝገብሩን፥ ነቶም ካልኦትን፥ ኣጠንቅቖም ኣለኹ። ኣብ ምምፃአይ ንሓደኳ ኣይርህርሀሉን፤
3እዙይውን፥ ክርስቶስ ኣባይ ሓዲሩ ኸም ዝዛረብ መረጋገፂ ስለ እትደልዩ እዩ። ክርስቶስ፥ ኣብ መንጎኹም ብሓይሊ እምበር፥ ብድኻም ኣይግለፅን እዩ።
4ብርግፅ ክርስቶስ ብድኻም እዩ ተሰቒሉ፤ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ግና፥ ህያው ኮይኑ ይነብር ኣሎ። ንሕናውን ተኻፈልቲ ድኻሙ ኢና፤ ኣብ ማእኸልኩም ክንሰርሕ እንተለና ግና፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር፥ ህያዋን ኴንና ኽንነብር ኢና።
5ብእምነት እንተሊኹም፥ ርእስኹም ፈትኑ፤ ርእስኹም መርምሩ፤ ወይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ከም ዘሎዶ፥ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም? እዙይ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ዘይብቑዓት ኢኹም።
6ንሕና ግና፥ ብቑዓት ከም ዝኾንና፥ ከም እትፈልጡ ተስፋ እገብር።
7ከቶ ኽፉእ ኸይትገብሩ፥ ንእግዚኣብሄር ንልምኖ ኣለና። ንሕና ኣብ ፈተና ኸም ዝወደቕና እንተ ተቘፀርና እኳ፥ ንስኻትኩም ሰናይ ምእንቲ ኽትገብሩ እምበር፥ ንሕና ኣብ ፈተና ኸም ዝሰዓርና ምእንቲ ኽነርኢ ኣይኮነን፥ እንፅልዮ ዘለና።
8ንሕና ንሓቂ ዝድግፍ እምበር፥ ንሓቂ ዝፃረር፥ ሓደኳ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና እሞ።
9ከምኡውን ንሕና ደኺምና፥ ንስኻትኩም እንተ ጠንኪርኩም ኢና እንሕጐስ። ፀሎትናውን፥ ንስኻትኩም ፍፁማን ምእንቲ ኽትኮኑ እዩ።
10ምእንቲ እዙይ፥ በቲ ጐይታ ኸፍርሰሉ ዘይኮነስ፥ ክሃንፀሉ ዝሃበኒ ስልጣን፥ ምስ መፃእኹ ምእንቲ ኸየበርትዐልኩም፥ ገና ርሑቕ እንተለኹ እፅሕፈልኩም ኣለኹ።
11ብዝተረፈ፥ ኣሕዋተይ፥ ደሓን ኩኑ፤ ፍፁማን ኩኑ፤ ምኽረይ ስምዑ፤ ሓደ ልቢ ኹኑ፤ ብሰላም ንበሩ፤ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከዓ፥ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።
12ንስንሳትኩም ብቕዱስ ሰላምታ ሰላም ተበሃሃሉ።
13ኵላቶም ቅዱሳን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
14ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ሕብረት መንፈስ ቅዱስን፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።