2ይ ቆረንቶስ 11

BCVትግርኛ33 ፍቕድታት5:21 ስማዕ
ስማዕ 5:21 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ቁሩብ ዘረባ ዕሽነት ክዛረብ እየ እሞ ክትዕገሱኒ ምደለኹ፤ እወ፥ ተዓገሱኒ ደኣ።

2ብቕንኢ እግዚኣብሄር፥ እቐንአልኩም እየ እሞ፥ ከም ሓንቲ ንፅሕቲ ድንግል ምእንቲ ኸቕርበኩም፥ ንሓደ ሰብኣይ፥ ንክርስቶስ(ሀ) ኣሕፅየኩም ኣለኹ።

3ግና ኸምቲ ተመን ብጕርሑ ንሔዋን ዘስሓታ፥ ከምኡ ንስኻትኩምውን ብሓሳብኩም ተታሊልኩም፥ ካብቲ ንክርስቶስ ዘለኩም፥ ቅኑዕን ንፁህን ፍቕሪ፥ ከይትርሕቑ እፈርሕ ኣለኹ።

4ስለ ምንታይ፥ ሓደኳ ንሕና ዘይሰበኽናዮ፥ ካልእ ኢየሱስ እንተ ሰበኸልኩም፥ ወይ ካባና ዘይተቐበልኩምዎ መንፈስ፥ ካልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም፥ ወይ ቅድሚ ሕዚ ዘይተቐበልኩምዎ፥ ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፥ ስቕ ኢልኩም ትዕገስዎ ኣለኹም።

5ኣነ ኻብዞም ብሉፃት ሃዋርያት ኢና ዝብሉ፥ ብሓንቲ እኳ ዝንእስ ኣይመስለንን።

6ክእለት ዘረባ እኳ እንተ ዘይብለይ፥ ፍልጠትስ ኣይጐድለንን። እዙይ ከዓ ብብዙሕ መንገዲ ገሊፅናልኩም ኢና።

7ንስኻትኩም ምእንቲ ልዕል ክትብሉ ኢለ፥ ርእሰይ ኣትሒተ፥ ወንጌል እግዚኣብሄር ብዘይ ዋጋ እንተ ሰበኽኩልኩምዶ፥ ሓጢኣት ገይረ እየ?

8ንኣኻትኩም ምእንቲ ኸገልግል ኢለ፥ ካብተን ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን ሓገዝ ብምቕባለይ፥ ወፂዐየን እየ።

9ምሳኻትኩም እንተለኹውን ምስ ሰኣንኩ፥ ንሓደኳ ኣየፀገምኩን፤ እቶም ካብ መቄዶንያ ዝመፁ ኣሕዋት፥ ኵሉ ዘድልየኒ ገይሮምለይ እዮም እሞ። ስለዙይ ንሓደኳ ኣየፀገምኩን፤ ድሕሪ ሕዚ እውን ከየፀግመልኩም ክጥንቀቕ እየ።

10ኣብ ሃገር ኣካይያ፥ እዛ ትምክሕቲ እዚኣ፥ ሓደኳ ኸሕድገኒ ዝኽእል ከም ዘየለ፥ በቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ፥ ናይ ክርስቶስ ሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

11ዘየፍቅረኩም ስለ ዝኾንኩ ድየ፥ እዙይ ዝብል ዘለኹ? ከም ዘፍቅረኩምስ፥ እግዚኣብሄር ይፈልጥ እዩ።

12ግናኸ በቲ ዝምክሑሉ፥ ከማና ዀይኖም ምእንቲ ኽርከቡ፥ ነቶም ምኽንያት ዝደልዩ፥ ምእንቲ ምኽንያት ከስእኖም እየ።

13ከምዚኣቶም ዝበሉ፥ ንባዕላቶም ናይ ክርስቶስ ሃዋርያት ከም ዝኾኑ ኣምሲሎም፥ ብምጥባር ዝሰርሑ፥ ሓሰውቲ ሃዋርያት እዮም።

14ሰይጣን እኳ ንባዕሉ፥ ናይ ብርሃን መልኣኽ የምስል እዩ እሞ፥ እዙይ ኣየገርምን እዩ።

15ስለዙይ ከዓ፥ እቶም ኣገልገልቲ ሰይጣን፥ ንርእሶም ኣገልገልቲ ፅድቂ እንተ ኣምሰሉ፥ ዘገርም ነገር ኣይኮነን፤ መወዳእታኦም ድማ፥ ከም ግብሮም ክኸውን እዩ።

16ደጊመውን እብል ኣለኹ፥ ሓደኳ ኸም ዓሻ ኣይቝፀረኒ። ከም ዓሻ እንተ ቘፂርኩምኒ ግና፥ ኣነውን ቁሩብ ምእንቲ ኽምካሕስ፥ ከም ዓሻ ጌርኩም ተቐበሉኒ።

17ከምዙይ ኢለ ብትምክሕቲ ኽዛረብ እንተለኹ፥ ከም ዓሻ እምበር፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ።

18ብዙሓት ስጋዊ ብዝኾነ ዝምክሑ ኻብ ኮነ፥ ኣነውን ክምካሕ እየ።

19ንስኻትኩም ለባማት እናሃለኹም፥ ነቶም ዓያሹ፥ ብታሕጓስ ትዕገስዎም ኣለኹም፤

20ሓደ ኸም ባርያ እንተ ቘፀረኩም፥ ሓደ እንተ ዓመፀኩም፥ ሓደ እንተ ተበለፀልኩም፥ ሓደ እንተ ዀርዐልኩም፥ ሓደውን ገፅኩም እንተ ፀፍዐኩም፥ ትዕገስዎ ኣለኹም።

21ንምዝራቡ እኳ ዘሕፍረኒ እንተ ኾነ፥ ንሕና ነዞም ነገራት እዚኣቶም ንምግባር፥ ድኹማት ኢና እብለኩም፤ ሓደ ኽምካሕ ዝደፍር እንተ ሃልዩ ግና፥ ኣነውን ክምካሕ እየ። ነዝ ዅሉ ግና፥ ከም ዓሻ እየ ዝዛረብ ዘለኹ።

22ዕብራውያን ድዮም? ኣነውን ዕብራዊ እየ። እስራኤላውያን ድዮም? ኣነውን እስራኤላዊ እየ። ደቂ ኣብርሃም ድዮም? ኣነውን ወዲ ኣብርሃም እየ።

23ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም? ከም ዕቡድ ደኣ እየ ዝዛረብ ዘለኹ እምበር፥ ኣነ እበልፆም። ካብኣቶም ሕልፊ ዝፀዓርኩ፥ ብዙሕ ጊዜ ዝተኣሰርኩ፥ ብዙሕ ጊዜ ዝተገረፍኩ፥ ብዙሕ ጊዜውን ኣብ ኣፍ ሞት ዝበፃሕኹ እየ።

24ሓሙሽተ ጊዜ፥ ነርብዓ ጭጕራፍ ሓደ ጐደል፥ ብኣይሁድ ተገረፍኩ።

25ሰለስተ ሻዕ፥ ብበትሪ ተዘበጥኩ፤ ሓደ ሻዕ በእማን ተቐጥቀጥኩ። እታ ዝነበርክዋ መርከብ፥ ሰለስተ ሻዕ ተሰብረት። ሓደ ለይትን ሓደ መዓልትን፥ ኣብ ባሕሪ(ለ) ፀለል በልኩ።

26ብዙሕ ጊዜ ኣብ ጕዕዞ ነበርኩ። ብውሕጅን ብኸተርትን ከዓ ተጨነቕኩ፤ ኣይሁድን ኣህዛብንውን መከራ ኣበርቱዕለይ፤ ኣብ ከተማን፥ ኣብ በረኻን፥ ኣብ ባሕርን፥ ተጨነቕኩ፤ በቶም ሓሰውቲ ኣሕዋት ተጨነቕኩ።

27ብስራሕ፥ ብፃዕሪ፥ ድቃስ ለይቲ ብምስኣን፥ ብጥሜት፥ ብፅምኢ፥ ብፆም፥ ብቝርን፥ ብዕርቃንን ነበርኩ።

28ኣብ ርእሲ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ እቲ ብዛዕባ ዅለን ኣብያተ ክርስቲያን ዘለኒ ሓልዮት፥ በብመዓልቱ የጨንቐኒ ኣሎ።

29መን እዩ ዝደኸመ እሞ፥ ኣነ ዘይደኽመሉ? መንከ እዩ ብሓጢኣት ዝወደቐ እሞ፥ ኣነ ዘይጕሂ?

30ምምካሕ ዝግባእ እንተ ኾይኑስ፥ ኣነውን ብድኻመይ ክምካሕ እየ።

31እቲ ንዘለኣለም ቡሩኽ ዝኾነ፥ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣነ ኸም ዘይሕሱ ይፈልጥ እዩ።

32ኣብ ደማስቆ፥ እቲ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ኣርስጣስዮስ ኮይኑ ዘመሓድር ዝነበረ ሹም፥ ክሕዘኒ ደልዩ ነታ ኸተማ የሐልዋ ነበረ።

33ስለዙይ ኣብ ከፈር ገይሮም፥ በቲ ኣብቲ ቕፅሪ ዝነበረ መስኮት ኣውረዱኒ እሞ፥ ካብ ኢዱ ኣምለጥኩ።

ትርጓሜ

11:1-4 ሃዋርያ ነቶም ቆሮንቶሳውያን ብሓሰውቲ ሃዋርያት ካብ ምብልሻው ክሕልዎም ይብህግ ነበረ። ሓደ የሱስ፣ ሓደ መንፈስ፣ ከምኡ'ውን ሓደ ወንጌል ጥራይ እዩ ዘሎ፣ እዚ ድማ ንኣቶም ክስበኸሎምን ብኣቶም ክቕበልዎ ዘለዎም። ስለምንታይከ ሓደ ብተንኮል ጸላኢ፣ ነቲ ብእምነት ፈለማ ዝመሃሮም፣ ክሕስም ዘለዎ? ካብቶም ናይ ሓዳስ ልደቶም ምኽንያት ዝኾኑ፣ ብዘይ ምኽንያት ከርሕቕዎም ዝደልዩ ሰባት ክሰምዑ የብሎምን።

11:5-15 ቀሊል ኣዘራርባ እንዳተጠቀምካ፡ እንተኾነ ግና ብግልጺን ብተወፋይነትን ምስ ወንጌል ምኻድ፡ ካብ ሽሓት ሰባት ምምጓስን ብትዕቢት ምልዓልን ብሕሱም ባህርያትን ብዘይቅዱስ ህይወትን ንወንጌል ምጽያፍሲ ኣዝዩ ይሓይሽ። እቲ ሃዋርያ፡ ወንጌል ኣብ ምምሃር ብዓለማዊ ዕላማታት ከም ዝመሓዘ ሓደ እኳ ክወቅሶ ቦታ ኣይሃበን፡ እቶም ኣብ ቆሮንቶስ ዝተቓወምዎ ካልኦት ድማ ብዚ ነገር እዚ ንዕኡ መርገጺ ከይረኽቡሉ። ግብዝና ክትጸበዮ ትኽእል ኢኻ፡ ብፍላይ ከኣ ነቲ እቲ ኣብ ልቢ ደቂ ዘይምእዛዝ ዝገዝእ ሰይጣን ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ እንተደኣ ኣስተብሂልና። ከምቲ ንሕሱም ተግባራት ፈተናታት ዘለዉ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ካልእ ሸነኽ ማዕረ ሓደጋ ኣሎ። ጽቡቕ ተግባራት ንምሕረት ክርስቶስን ድሕነት ብእምነትን ብጸጋን ኣንጻር ምምስራት፡ ንዕላማታት ሰይጣን እውን የገልግል እዩ። ግናኸ መወዳእታ ነቶም ተንኮለኛ ሰራሕተኛታት ክገልጽ እዩ፡ ዕዮኦም ድማ ብጥፍኣት ክዛዘም እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6