2ይ ዜና መዋእል 7

BCV aksumትግርኛ22 ፍቕድታት4:45 ስማዕ
ስማዕ 4:45 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ሰሎሞን ፀሎቱ ምስ ወድአ ድማ፥ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን በልዖ፤ ነታ ቤተ መቕደስውን ክብሪ እግዚኣብሄር መልኣ።

2ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብታ ቤተ መቕደስ ስለ ዝመልአ ኸዓ እቶም ካህናት ናብታ ቤት እግዚኣብሄር ክኣትዉ ኣይከኣሉን።

3ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ እቲ ሓዊ ኽወርድ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነታ ቤተ መቕደስ መሊእዋ ምስ ረአዩ፥ ኣብታ ብእምኒ ዝተነፀፈት ቦታ ብገፆም ናብ ምድሪ ፍግም በሉ፤ ሰጊዶም ድማ ንእግዚኣብሄር፥ “ብሓቂ ንሱ ሰናይ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዘለኣለም ይነብር እዩ” ኢሎም ኣመስገንዎ።

4ሽዑ እቲ ንጉስን ኵሎም እቶም ህዝብን ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ይስውኡ ነበሩ።

5ንጉስ ሰሎሞን ከዓ ዕስራን ክልተን ሽሕ ኣብዑርን ሚእትን ዕስራን ሽሕ ኣባጊዕን መስዋእቲ ሕሩድ ሰውአ። በዙይ ድማ እቲ ንጉስን ኵሉ እቲ ህዝብን ነታ ቤት እግዚኣብሄር ቀደስዋ።

6እቶም ካህናት ድማ ኣብቲ ዝተመደበሎም ቆይሞም ነበሩ፤ እቶም ሌዋውያን ከዓ በቲ ንጉስ ዳዊት ዘዳለዎ መሳርሒ ሙዚቃ ንእግዚኣብሄር የመስግኑ ነበሩ። ከምቲ ዳዊት ዝኣዘዞም ድማ “ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” እናበሉ ይዝምሩ ነበሩ። ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ኣብኡ ደው ኢሎም እንተለዉ ኸዓ እቶም ካህናት ኣብ መንፅር እቶም ሌዋውያን ኮይኖም መለኸት ይነፍሑ ነበሩ።

7ሰሎሞን ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ማእኸላይ ዓፀድ ቀደሶ። እቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ናይ ነሃስ መሰውኢ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ናይ እኽሊ ቝርባን ስብሑንውን ምሓዝ ኣይከኣለንሞ፥ ስብሒ ናይቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብኡ ኣቕረበ።

8በቲ ጊዜ እቱይ ሰሎሞን ምስ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል፥ ካብታ ንሃማት እተእቱ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ካብ ወሰን ግብፂ ዝመፁ ህዝቢ ኾይኖም ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ገበሩ።

9ሸውዓተ መዓልቲ ነቲ መሰውኢ ቐዲሶም ሸውዓተ መዓልቲ እውን በዓል ገይሮም ነበሩሞ፥ በታ ሻምነይቲ መዓልቲ ዝተቀደሰ ጉባኤ ገበሩ።

10ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ ሰሎሞን ነቶም ህዝቢ ነናብ ድንኳናቶም ሰደዶም። ንሳቶም በቲ እግዚኣብሄር ንዳዊትን ንሰሎሞንን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ፅቡቕ ነገር ሕጉሳትን ፍሱሓትን ኮይኖም ከዱ።

11ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤተ መንግስቱን ሰሪሑ ፈፀመ፤ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ናይ ባዕሉ ቤትን፥ ከምቲ ዅሉ ኽሰርሖ ብልቡ ዝሓሰቦ ኣከናወነ።

12እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን ብለይቲ ተገለፀሉ እሞ ኸምዙይ በሎ፦ “ፀሎትካ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ነዛ ቦታ እዚኣውን ነኣይ ቤት መስዋእቲ ኽትከውን ሓርየያ ኣለኹ።

13“ንሰማይ ዝናም ከየውርድ እንተ ዓፀኽዎ፤ ነንበጣውን ንምድሪ ኽበልዓ እንተ ኣዘዝክዎ፥ ወይ ኣብ መንጎ ህዝበይ ፌራ እንተ ሰደድኩ፥

14እዞም ብስመይ ዝተሰምዩ ህዝበይ ከዓ ርእሶም ኣዋሪዶም እንተ ለመኑ፥ ገፀይውን እንተ ደለዩ፥ ካብ ክፉእ መንገዶም ድማ እንተ ተመለሱ፥ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፤ ሓጢኣቶም ከዓ ይቕረ ኽብለሎም፥ ምድሮምውን ክፍውስ እየ።

15ሕዚ እውን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዝፅለ ፀሎት ኣዒንተይ ክኽፈታ፥ ኣእዛነይውን ፅን ክብላ እየን።

16ሕዚ ድማ ስመይ ንዘለኣለም ኣብኣ ንክኸውን፥ ነዛ ቤት እዚኣ መሪፀያ ኣለኹ፤ ቀዲሰያውን ኣለኹ፤ ኣዒንተይን ልበይንውን ኵልሻዕ ኣብኣ ክኾኑ እዮም።

17“ንስኻ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዝኩኻ እንተ ገበርካ፥ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ዝገበሮ ሕግጋተይን ስርዓታተይን ብምሕላው እንተ ነበርካ፥

18ከምቲ ነቦኻ ዳዊት፥ ኣብ እስራኤል ሓለቓ ዝኸውን ሰብ ካብ ዘርእኻ ኣይሰኣንን ኢለ ቓል ኪዳን ዝኣተኹሉ፥ ንዙፋን መንግስትኻ ኸፅንዖ እየ።

19“ንስኻትኩም ግና ነኣይ ካብ ምኽታል እንተ ተመለስኩም፥ ነቲ ዝሃብኩኹም ስርዓታተይን ትእዛዛተይን እንተ ሓደግኩምዎ፥ ኬድኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣምለኽኩምዎምን እንተ ሰገድኩምሎምን ግና፥

20ሽዑ ኻብዛ ነቦታትኩም ዝሃብኩዎም ምድሪ ኽነቕለኩም እየ፤ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከዓ፥ ካብ ቅድመይ ክድርብያ እየ፤ ኣብ መንጎ ዅሎም ኣህዛብ ድማ መመሰልን መሳለቕን ክገብራ እየ።

21ነዛ ልዕል ልዕል ኢላ ዝነበረት ቤት እናረአዩ፥ ኵሎም እቶም ብኣኣ ዝሓልፉ ሰባት ‘ስለ ምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ኣብዛ ሃገር እዚኣን፥ ኣብዛ ቤት እዚኣን ከምዙይ ዝገበረ?’ እናበሉ ኽግረሙ እዮም።

22እቶም ህዝቢ ኸዓ ‘ነቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ነቦታቶም ዘውፅአ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ስለ ዘምለኽዎምን ስለ ዘገልገልዎምን እዝ ዅሉ ክፉእ ነገር ኣብ ልዕሊኣቶም ኣምፅአሎም’ ኢሎም ክምልሱ እዮም።”

ትርጓሜ

7:1-22 መልሲ ኣምላኽ ንጸሎት ሰሎሞን።

ኣምላኽ ንጸሎት ሰሎሞን ጸጋዊ መልሲ ሃበ። ምሕረቲታት ኣምላኽ ንሓጥኣን፡ ነቶም ኵሎም ዝቕበልዎም ብኽብሩን ብቕድስናኡን ንምምሳጥ ብግቡእ ብዝኾነ ኣገባብ ይፍለጥ። እቲ ህዝቢ ንኣምላኽ ኣምለኹን ኣመስገኑን። ንሱ ንርእሱ ኸም ሓዊ ዝበልዕ ንሓጥኣን ኪገልጽ ከሎ፡ ህዝቡ ግና ከም ብርሃኖም ጌሮም ኣብኡ ኪሕጐሱ ይኽእሉ። ሓቂ እዩ፡ ኣብዚ ኣምላኽ ጽቡቕ ምዃኑ ኺብሉ ምኽንያት ነበሮም። ዘይንብላዕሲ ብምሕረትን ጸጋን እግዚኣብሔር እዩ፡ እኳ ደኣ እቲ ኣብ ክንዳና ዝቐረበ መስዋእቲ እዩ። እሞ ነዚ ኣዝዩ ክንመስግን ይግባእ። እሞ ሓቀኛ እምነት ዘለዎ ዅሉ ነቲ ኣድሓኒ ብዛዕባ ሓጢኣት ሰብ ኪሕመም ከሎን ኪመውት ከሎን ዝርኢ፡ በቲ ርእዩዎ ዘሎ፡ ሓዘን ኣምላኻዊ ልቡ ተባዕትዩ ኺሰፍሕ፡ ጽልኢ ሓጢኣቱ ኺውስኽ፡ ነፍሱ ዝያዳ ንቕሕቲ ኽትከውን፡ ህይወቱ ድማ ዝያዳ ቅድስቲ ኽትከውን እዩ።

ሰሎሞን ንቤት ኣምላኽን ንቤቱ ንርእሱን ንምውቃብ ንኵሉ ዝሓሰቦ ብዓወት ኣፈጸመ። እቶም ብኣገልግሎት ኣምላኽ ዝጅምሩ፡ ኣብ ጉዳያቶም ብዓወት ኪቕጽሉ እዮም። ንዝጀመሮ ኵሉ ብምብቕዑ ንሰሎሞን ምስጋናኡ ነበረ፡ ኣብኡ ዝሰመረሉ ኸኣ ብጸጋ ኣምላኽ እዩ። ስለዚ ንፍራህ፡ ሓጢኣት ከኣ ከይንገብር። ቑጥዓ እግዚኣብሔር ንፍራህ፡ ብምሕረቱ ንተስፋ፡ በትእዛዛቱ ድማ ንመላለስ።

ቁጽሪ 12-22 እግዚአብሔር ጸሎት ሰሎሞን ከም ዝተቐበለ ብሓዊ ኻብ ሰማይ ተራእየ። ግናኸ ጸሎት ክቕበል ይኽእል እዩ እሞ ብቓሉ ግን መልሲ ኣይረክብን፤ ስለዚ እግዚአብሔር ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ሓደ ግዜ (ምዕ. 1:7) ዝገበሮ፣ ድሕሪ መዓልቲ መስዋእቲ ድማ ከምኡ፣ ብለይቲ ተራእዮ እሞ ንጸሎቱ ፍሉይ መልሲ ሃቦ። ነቲ ትሕዝቶኡ ድሮ ኣብ 1 ነገስት 9:2-9 ርኢናዮ ኢና።

I.

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ሰሎሞንም ጸሎቱን በፈጸመ ጊዜ እሳት ከሰማይ ወርዶ የሚቃጠለውን መሥዋዕትና ሌላ መሥዋዕቱን በላ፤ የእግዚአብሔርም ክብር ቤቱን ሞላ። አማርኛ ENGNIV When Solomon finished praying, fire came down from heaven and consumed the burnt offering and the sacrifices, and the g… English BCV ሰሎሞን ፀሎቱ ምስ ወድአ ድማ፥ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን በልዖ፤ ነታ ቤተ መቕደስውን ክብሪ እግዚኣብሄር መልኣ። ትግርኛ GAZBIB Solomoon mootichi kadhata isaa erga raawwatee, ibiddi waaqa irraa gad bu'ee qalma gubamuu fi aarsaa dhi'aate sana in fi… Afaan Oromoo BCV GIZ ወሶበ ፈጸመ ሰሎሞን ዘንተ እንዘ ይጼሊ እንከ እሳት ወረደ እምሰማይ ወበልዐ ወአሕለቀ ኵሎ ቍርባናተ ወኵሎ መሥዋዕተ፤ ወስብሐተ እግዚአብሔር መልአ ውስተ ቤት። giz GAZGAZ Solomoon mootichi kadhata isaa erga raawwatee, ibiddi waaqa irraa gad bu'ee qalma gubamuu fi aarsaa dhi'aate sana in fi… Afaan Oromoo AMHNIV ሰሎሞን ጸሎቱን በፈጸመ ጊዜ እሳት ከሰማይ ወርዶ የሚቃጠለውን መሥዋዕትና ሌላውንም መሥዋዕት በላ፤ የእግዚአብሔርም ክብር ቤተ መቅደሱን ሞላው። አማርኛ SWAHSUV Basi Sulemani alipokwisha maombi hayo, moto ukashuka kutoka mbinguni, ukateketeza sadaka ya kuteketezwa na dhabihu; utu… Kiswahili