2ይ ዜና መዋእል 22

BCVትግርኛ12 ፍቕድታት3:09 ስማዕ
ስማዕ 3:09 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ናብቲ ሰፈር ዝመፁ ጭፍራ ዓረባውያንን ኣሊማዞን ንዅሎም እቶም ዓበይቲ ደቂ ንጉስ ኢዮራም ቀተልዎም። እቲ ንእሽተይ ወዱ ኣካዝያስ ግና ደሓነ። ስለዙይ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ንኣካዝያስ ክንዲ ኣቦኡ ኣንገስዎ።

2ኣካዝያስ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ኣርብዓን ክልተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሓንቲ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ጎቶልያ እትበሃል ጓል ዘንበሪ ነበረት።

3እኖኡ ኽፉእ ንኽገብር ትመኽሮ ስለ ዝነበረት፥ ንሱ ብመንገዲ ቤት ኣክኣብ ከደ።

4ድሕሪ ሞት ኣቦኡ፥ ከምቲ ቤት ኣክኣብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገበረ፥ መኸርቱ ኸዓ ኣብ ውድቀት ኣብፅሕዎ።

5ምኽሮም ሰሚዑ ኸዓ ምስ ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ፥ ንጉስ እስራኤል ኮይኑ፥ ንኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ኣብ ሬማት ዘገለዓድ ክዋግኦ ኸደ። እቶም ሶርያውያን ግና ንኢዮራም ኣቝሰልዎ።

6ሽዑ ኢዮራም ነቲ ኣብ ኣርማቴም ዝወግእዎ ቝስሊ፥ ኣብ ኢይዝራኤል ክሕከም ተመለሰ። ኣካዝያስ ወዲ ኢዮራም ንጉስ ይሁዳ ድማ፥ ንኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ክሪኦ ናብ ኢይዝራኤል ወረደ።

7ኣካዝያስ ናብ ኢዮራም ብምምፃኡ ምእንቲ ኽጠፍእ ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ነበረ፤ ናብኡ ምስ ከደ፥ ምስ ኢዮራም ኮይኑ ነቲ ንቤት ኣክኣብ ከጥፍኣ ኢሉ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኢዩ ወዲ ናሜሲ ክራኸቦ ወፀ።

8ኢዩ ንቤት ኣክኣብ ፍርዲ ኽፍፅም እንተሎ፥ ነቶም ኣሕሉቕ ይሁዳን፥ ነቶም ንኣካዝያስ ዘገልግሉ ዝነበሩ ደቂ ኣሕዋቱን፥ ረኸቦም እሞ ቐተሎም።

9ንኣካዝያስ ከዓ ደለይዎ፤ ኣብ ሰማርያ ተሓቢኡ ምስ ረኸብዎ ድማ ሒዞም ናብ ኢዩ ኣምፅእዎ እሞ ቐተልዎ። ንሳቶም “እዙይስ ወዲ እቲ ንእግዚኣብሄር ብምሉእ ልቡ ዘገልገሎ ኢዮሳፍጥ እዩ” ኢሎም ቀበርዎ። ድሕሪዙይ ካብ ቤት ኣካዝያስ ነታ መንግስቲ ኽሕዛ ዝኸኣለ ኣይነበረን።

10እኖ ኣካዝያስ ጎቶልያ ድማ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ፈለጠት፥ ንዅሎም ዘርኢ ቤተ መንግስቲ ይሁዳ ኣጥፍአቶም።

11ኣካዝያስ ዮሳቤት እትበሃል ሓፍቲ ነበረቶ፤ ንሳ ጓል ንጉስ ኢዮራም ሰበይቲ ኻህን ዮዳሄ ነበረት። ካብ ማእኸል እቶም ክቕተሉ ዘለዎም ደቂ ንጉስ ኣካዝያስ ንኢዮኣስ ምስ መጕዚቱ ናብቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ኽፍሊ መደቀሲ ኣእትያ ሓብአቶ። ከምዙይ ገይራ ሓቢኣ ድማ ኻብ ኢድ ጎቶልያ ኣድሓነቶ።

12ኣብኣቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ተሓቢኡ ድማ ሽዱሽተ ዓመት ተቐመጠ። ጎቶልያ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ነጊሳ ነበረት።

ትርጓሜ

22:1-12 ግዝኣት ኣከዚያ፣ ኣታልያ ንቤተ መንግስቲ ኣጥፍኣት። - ምኽሪ እኩያት ንብዙሓት መንእሰያት ኣብ መጀመርታ ህይወቶም ከለዉ የጥፍእ። ኣከዚያ ንርእሱ ብእኩያት ሰባት ንኽምራሕ ኣሕሊፉ ሃበ። እቶም እኩይ ክንገብር ዝምኽሩና ንጥፍኣትና እዮም ዝምኽሩና፤ ከም ፈተውቲ እናመሰሉ፣ ንሳቶም እቶም ዝኸፉኡ ጸላእትና እዮም። ርኣዩን ፍርሑን እቲ ጕድኣት ናይ ሕማቕ ምሕብሓብ። እንተዘይኮይኑ እቲ መልከፍቲ፣ እቲ ጥፍኣት ግና ይፍራሕ፣ ራእ 18:4።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በኢየሩሳሌም የነበሩትም ታናሹን ልጁን አካዝያስን በእርሱ ፋንታ አነገሡት። የመጣባቸው የዓረብና የአሊማዞን የሽፍቶች ጭፍራ የእርሱን ታላቆች ገድለዋቸው ነበርና። የይሁዳ ንጉሥ የኢዮራም ልጅ … አማርኛ ENGNIV The people of Jerusalem made Ahaziah, Jehoram's youngest son, king in his place, since the raiders, who came with the A… English GAZBIB Yommus warri Yerusaalem keessa jiraatan ilma Yoraam mootichaa, Ahaaziyaa isa quxisuu iddoo abbaa isaatii in moosifatan;… Afaan Oromoo BCV GIZ ወአንገሥዎ እለ ይነብሩ ኢየሩሳሌም ለአኮዝያስ ወልዱ ንኡስ እምድኅሬሁ እስመ ኵሉ አኃዊሁ መላህቅት ተቀትሉ በብሔረ በዳ አመ መጽኡ ላዕሌሁ ሰብአ አራቢያ ወአሞዛዊያን፤ ወነግሠ አካዝያስ ወልደ… giz GAZGAZ Yommus warri Yerusaalem keessa jiraatan ilma Yoraam mootichaa, Ahaaziyaa isa quxisuu iddoo abbaa isaatii in moosifatan;… Afaan Oromoo BCV aksum ናብቲ ሰፈር ዝመፁ ጭፍራ ዓረባውያንን ኣሊማዞን ንዅሎም እቶም ዓበይቲ ደቂ ንጉስ ኢዮራም ቀተልዎም። እቲ ንእሽተይ ወዱ ኣካዝያስ ግና ደሓነ። ስለዙይ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ንኣካዝያስ ክንዲ ኣቦኡ… ትግርኛ AMHNIV ከዐረቦች ጋር ወደ ሰፈር የመጡት ወራሪዎች፣ ታላላቅ ወንድሞቹን ሁሉ ገድለዋቸው ስለ ነበር፣ የኢየሩሳሌም ሕዝብ የኢዮሆራምን የመጨረሻ ልጅ አካዝያስን በአባቱ ምትክ አነገሡት። ስለዚህ የይሁዳ… አማርኛ SWAHSUV Nao wenyeji wa Yerusalemu walimfanya Ahazia mwanawe mdogo awe mfalme mahali pake; maana wakubwa wote wamekwisha kuuawa … Kiswahili