1ይቲ ጢሞቴዎስ 3

BCVትግርኛ16 ፍቕድታት2:54 ስማዕ
ስማዕ 2:54 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኤጲስ ቆጶስ ክሽየም ዝደሊ “ሰናይ ነገር ይምነ” ዝብል ቃል፥ ሓቂ እዩ።

2እምበኣር ኤጲስ ቆጶስ(ሀ) ዝኸውን፥ ነቐፋ ዘይብሉ፥ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ብመጠን ዝነብር፥ ንባዕሉ ዝመልኽ፥ ብስርዓት ዝነብር፥ ተቐባሊ ጋሻ፥ ብቑዕ መምህር፥

3ዘይሰክር፥ ዘይበኣስ፥ ሕያዋይ፥ ዘይተሃላለኽ፥ ፈታዊ ገንዘብ ዘይኮነ፥

4ቤተሰቡ ብፅቡቕ ዘመሓድርን፥ ብቕንዕና ዝእዘዙ ውሉድ ዘለውዎን ይኹን።

5ስድራኡ ብስነ ስርዓት ከመሓድር እንተ ዘይክኢሉ፥ ነታ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር ደኣ፥ ከመይ ገይሩ ኸመሓድራ ይኽእል?

6ብትዕቢት ተነፊሑ፥ ከም ዲያብሎስ፥ ኣብ ፍርዲ ምእንቲ ኸይወድቕ፥ ሓድሽ ኣማኒ ኣይኹን።

7ግና ኣብ ቅለትን፥ መፃወድያ ዲያብሎስን፥ ምእንቲ ኸይወድቕ፥ በቶም ዘይኣምኑውን፥ ፅቡቕ ምስክርነት ዘለዎ ክኸውን ይግባእ።

8ዲያቆናትውን ከምኡ መስተውዐልቲ፥ ቃሎም ዘይለዋውጡ፥ መስተ ዘየብዝሑ፥ ህርፋን ገንዘብ ዘይብሎም፥

9ነቲ ናይ እምነት ምስጢር፥ ብንፁህ ሕሊና ዝሕልዉ ክኾኑ ይግባእ።

10ንሳቶምውን ቅድም ይመርመሩ፤ ነቐፋ ዘይብሎም ኮይኖም እንተ ተረኺቦም ድማ፥ ብዲቁና የገልግሉ።

11ኣንስትውን ከምኡ መስተውዐልቲ፥ ዘይሓምያ፥ ብመጠን ዝነብራ፥ ብዅሉውን እሙናት ክኾና ይግባእ።

12ዲያቆናት፥ ነፍሲ ወከፎም ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ደቆምን ስድራኦምን፥ ብፅቡቕ ዘመሓድሩ ይኹኑ።

13ብፅቡቕ ዘገልግሉ ዲያቆናት፥ ዓብዪ መዓርግ ይረኽቡ፤ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብዘሎ እምነት፥ ትብዓት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም እሞ።

14ኦ ጢሞቴዎስ፥ ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመፅእ ተስፋ እናገበርኩ፥ ነዝ መልእኽቲ እዙይ እፅሕፈልካ ኣለኹ።

15እንተ ደንጐኹ ግና፥ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብታ ናይ ሓቂ ዓምድን መሰረትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ህያው እግዚኣብሄር፥ ከመይ ምንባር ከም ዝግባእ ንኽትፈልጥ፥ ፅሒፈልካ ኣለኹ።

16እወ እቲ “ብስጋ ሰብ ተገልፀ፤ ብመንፈስ ፀደቐ፤ ብመላእኽቲ ተርኣየ፤ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ተሰብከ፤ ኣብ ዓለም ተኣምነ፤ ብኽብሪ ዓረገ” ዝብል ናይ እምነትና ምስጢር፥ ብርግፅ ዓብዪ እዩ።

ትርጓሜ

3:1-7 ሓደ ሰብ ናይ ጵጵስና ግልጋሎት እንተደለየ፥ እሞ ኻብ ፍቕሪ ንክርስቶስን ነፍሳት ሰባትን ተላዒሉ ንርእሱ ኺኽሕድ፥ ነቲ ግልጋሎት ንኺውፍዮ ድማ ጸገማት ኬሰግር ድሉው እንተኾይኑ፥ ንሱ ኣብ ጽቡቕ ዕዮ ንኺውሰድ ይደሊ እዩ፥ እሞ እቲ ትምኒቱ ኸኣ ነቲ ግዴታ ብቑዕ እንተኾይኑ ኺፍቀድ ይግባእ። ኣገልጋሊ ኸኣ ዝኸኣለ መጠን ንኽሲ ምኽንያት ኪኸውን የብሉን፥ እምብኣርከስ ኣብ ልዕሊ ግልጋሎቱ ንርኽሰት ከየምጽእ። ንሱ ልባም፥ ሚዛናዊ፥ ኣብ ኵሉ ተግባራቱን ኣብ ኣጠቓቕማ ኵሉ ፍጥረታዊ መረጋገጺታትን ልኩዕ ኪኸውን ኣለዎ። ልብምናን ንቕሓትን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብሓደ ተጠቒሶም ኣለዉ፥ ንሓድሕዶም ድማ የናብቡ። ስድራቤታት ኣገልገልቲ ንኻልኦት ኵለን ስድራቤታት ኣብነት ጽቡቕ ኪኾና ይግባእ። ንትዕቢት ክንጥንቀቕ ይግባእ፥ ንሱ መላእኽቲ ናብ ኣጋንንቲ ዝቐየረ ሓጢኣት እዩ። ንሱ ኣብ መንጎ ጎረቤታቱ ጽቡቕ ስም ኪህልዎ ኣለዎ፥ ካብ ናይ ቀደም ህይወቱ ድማ ወቐሳ ኪህልዎ የብሉን። ንኹሎም እሙናት ኣገልገልቲ ንምብራት ድማ፥ እቲ ናይ ክርስቶስ ጸጋዊ ቃል ተስፋ ኣሎና፥ "እንሆ፥ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ ጊዜ ምሳኹም እየ" ዝብል፥ ማቴዎስ 28:20።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6