1ይ ተሰሎንቄ 3

BCVትግርኛ12 ፍቕድታት2:48 ስማዕ
ስማዕ 2:48 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ስለዙይ ክንዕገስ ስለ ዘይከኣልና፥ ኣብ ኣቴና በይንና ኽንተርፍ መረፅና።

2በዝ መከራዙይ ሓደኳ ኸይሰናኸል፥ ነቲ ሓውና፥ ኣብ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ከዓ፥ መሳርሕትና ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ጢሞቴዎስ፥ ኣብ እምነትኩም ከተባብዐኩምን ከፀናንዐኩምን ለኣኽናዮ። ንሕና፥ ነዝ መከራዙይ ከም ዝተመደብና፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።

4ምሳኻትኩም እንተለናውን፥ መከራ ኸም እንቕበል፥ ኣቐዲምና ነጊርናኩም ኔርና፤ ከም እትፈልጥዎ ድማ እንሆ መከራ በፅሐና።

5ስለዙይ ኣነውን ካብዙይ ንላዕሊ ኽዕገስ ስለ ዘይከኣልኩ፥ ምናልባሽ እቲ ፈታኒ ፈቲኑኩም ከይኸውን እሞ እቲ ፃዕርና፥ ከንቱ ኸይኸውን ኢለ፥ ብዛዕባ እምነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ንጢሞቴዎስ ለኣኽክዎ።

6ሕዚ ግና፥ ጢሞቴዎስ ካባኻትኩም ናባና ስለ ዝተመለሰ፥ ናይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን፥ ዘሐጕስ ዜና ኣምፅአልና፤ ብፅቡቕ ከም እትዝክሩና፥ ከምቲ ንሕና ኽንሪኤኩም እንናፍቕ፥ ንስኻትኩምውን ክትሪኡና ኸም እትናፍቑ ነገረና።

7ስለዙይ፥ ኣሕዋተይ፥ ኣብ ኵሉ ጭንቅናን መከራናን፥ በቲ ናታትኩም ኣብ እምነት ምፅናዕ ተፀናኒዕና ኣለና።

8ንስኻትኩም ኣብ ጐይታ ብምፅናዕኹም፥ ንሕና ብህይወት ንነብር ኣለና።

9ስለ እቲ ብኣኻትኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተሓጐስናዮ ታሕጓስ፥ ንኣምላኽ ብዛዕባኻትኩም፥ ከመይ ዝበለ ምስጋና ኢና ኽነቕርብ እንኽእል?

10ገፅኩም ክንርእን፥ ኣብቲ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን፥ ለይትን መዓልትን ተጊህና ንፅሊ ኣለና።

11ግና ባዕሉ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ጐይታና ኢየሱስን፥ ናባኻትኩም ንኽንመፅእ መንገድና የቕንዐልና።

12ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም፥ ጐይታ ኣብ ንስንሳትኩምን ምስ ኵሉ ሰብን፥ ፍቕሪ የብዝሐልኩምን ይወስኸልኩምን።

13በታ ጐይታ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ዝመፀላ መዓልቲ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦና፥ ነቐፋ ዘይብሎም ቅዱሳን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ልብኹም የበርትዕ።

ትርጓሜ

3:1-5 ኣብ መገዲ ኣምላኽ ዝበዝሐ ደስታ ክንረክብ ከሎና፡ ኣብኡ ንኽጸንዕ ዝበዝሐ ድሌት ይህልወና። ዕላማ ሃዋርያ ንተሰሎንቄውያን ክጸንዖምን ከጸናንዖምን ነበረ፡ ብዛዕባ ዕላማ እምነቶም (የሱስ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ)፡ ከምኡውን ብዛዕባ ዓስቢ እምነት፡ እዚ ድማ ንኹሉ ዝባኸንዎ ንምምላእን ንኹሉ ጻዕሮም ንምብቕዓትን እኹል ዝበዝሐ ምዃኑ እዩ። ግናኸ ጻዕሮም ከንቱ ከይከውን ይፈርህ ነበረ። ሰይጣን ንኣገልገልቲ ኣብ ቃልን ትምህርትን ከይዓይዩ ክዓግቶም እንተዘይከኣለ፡ እንተተኻኢሉ ንጻዕሮም ፍረ ከይረክብ ክዓግት እዩ። ሓደ እኳ ብፍቓዱ ከንቱ ኮይኑ ኪዓዪ ኣይደልን። ብብዙሕ መከራ ኣቢልና ናብ መንግስቱ ምእታው፡ ፍቓድን ዕላማን ኣምላኽ እዩ። ሃዋርያት ድማ፡ ሰባት ኣብ ሃይማኖት ዓለማዊ ብልጽግና ክጽበዩ ብምምላእ ፈጺሞም ኣይነበሩን፡ ብግልጺ ግና፡ ስጋዊ ጸገም ክጽበዩ ከም ዘለዎም ነገሩዎም። ኣብዚ፡ ንኣብነት ዓቢ ጐይታኦም፡ እቲ ደራሲ እምነትና፡ ሰዓቡ። ክርስትያናት ኣብ ሓደጋ ነበሩ፡ እሞ ክጥንቀቑ ነበሮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6