1ይ ጴጥሮስ 3

BCVትግርኛ21 ፍቕድታት4:15 ስማዕ
ስማዕ 4:15 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ከምኡውን፥ ኣትን ኣንስቲ፥ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ንቓል እግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰብኡት እንተልዮም ድማ፥ ከም እተኽብራኦምን፥ ብንፅህና ኸም እትነብራን ምስ ረአዩ፥ ብዘረባ ዘይኮነስ ብህይወት ኣንስቶም፥ ክምለሱ ይኽእሉ እዮም።

3ፅባቐኽን፥ ኣፍኣዊ ብዝኾነ፥ ብስርሓት ፀጕርን፥ ብምእሳር ወርቅን፥ ብኽቡር ክዳውንትን፥ ኣይኹን።

4ፅባቐኽንስ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብሊፁ ኽቡርን፥ ዘይጠፍእን፥ ብልውህናን ብህድኣትን ዝተሸለመ መንፈስ፥ ኣብ ልቢ ተሰዊሩ ዘሎ፥ ናይ ውሽጢ ሰብነት ይኹን።

5ቀደምውን፥ ተስፋአን ኣብ እግዚኣብሄር ዝገበራ ቕዱሳት ኣንስቲ፥ ብኸምዙይ እየን ዝተሸለማ፤ ንሰብኡተንውን ይእዘዛ ነበራ።

6ሳራ ንኣብርሃም “ጐይታይ” እናበለት፥ ትእዘዞ ኸም ዝነበረት፥ ንስኻትክንውን ብሓደ ዘደንግፅ ነገር እንተይፈራሕኽን ሰናይ እንተገበርክን ደቃ ኢኽን።

7ከምኡውን፥ ኣቱም ሰብኡት፥ ፀሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፥ ምስ ኣንስትኹም ብምስትውዓል ንበሩ፤ ንሳተን ካባኻትኩም ድኽም ዝበላ እየን፤ ንፀጋ ህይወት ድማ መዋርስትኹም እየን እሞ ኣኽብርወን።

8እምበኣር ተሳኒኹም ንበሩ፤ ተራሃራህቲ፥ ፍቕሪ ኣሕዋት ዘለኩም፥ ለዋሃትን ትሑታትን ኩኑ።

9ክፉእ ክንዲ ኽፉእ፥ ፀርፊ ኽንዲ ፀርፊ ኣይትመልሱ፤ እኳ ደኣ፥ በረኸት ምእንቲ ኽትወርሱ መርቑ፤ ነዙይ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም እሞ።

10ከምቲ መፅሓፍ ዝብሎ፦ “እቲ ህይወት ዝፈቱ፥ ሰናያት መዓልቲታት ከዓ ኽርኢ ዝደሊ፥ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፥ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል።

11ካብ ክፉእ ይርሓቕ፤ ሰናይ ከዓ ይግበር፤ ንሰላም ይድለያን ይስዓባን።

12ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ፃድቃን እየን ዝሪኣ፤ ኣእዛኑውን ንፀሎቶም ክፉታት እየን፤ ገፅ ጐይታ ግና ኣብ ልዕሊ ገበርቲ ኽፉእ እዩ።”

13ሰናይ ንምግባር ትተግሁ እንተ ደኣ ዄንኩምከ፥ መን እዩ ኽጐድአኩም ዝኽእል?

14ምእንቲ ፅድቂ መከራ እንተ ተቐበልኩም ግና ብፁኣን ኢኹም። ዘፈራርሐኩም እንተ ሃለወውን ኣይትፍርሑ፤ ኣይትጨነቑውን።

15ንጐይታ ግና ንሱውን ክርስቶስ፥ ብልብኹም ቀድስዎ። ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ፥ ንዅሉ ዝጥይቐኩም ምላሽ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵልሻዕ ድልዋት ኩኑ። ግና ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ግበርዎ።

16እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዘለኩም ሰናይ ኣካይዳኹም ዝፀርፉ፥ በቲ ዝፀርፍዎ ምእንቲ ኽሓፍሩ፥ ንፁህ ሕሊና ይሃሉኹም።

17እግዚኣብሄር እንተ ፈቒዱዎስ ካብ ክፉእ እናገበርኩም፥ ሰናይ እናገበርኩም፥ መከራ ምቕባል ይሐይሽ እዩ።(ሀ)

18ክርስቶስውን ናብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸቕርበና፥ ፃድቕ እንተሎ ምእንቲ ሓጥኣን ሓንሳእ ንሓዋሩ መከራ ተቐቢሉ ሞተ። ብስጋ ሞተ፤ ብመንፈስ ግና ህያው ኮነ።

19በዝ መንፈስ እዙይውን፥ ከይዱ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ነፍሳት ድሕነት ሰበኸሎም።

20እዚኣቶም እቶም ቀደም ብዘመን ኖህ እታ መርከብ ክትስራሕ እንተላ፥ እግዚኣብሄር ብትዕግስቲ እናተፀበዮም እንተሎ፥ ምእዛዝ ዝኣበይዎ እዮም። ኣብታ መርከብ ውሑዳት፥ ማለት ሸሞንተ ነፍሳት ብማይ(ለ) ደሓና።

21ማይ ናይቲ ሕዚ ዘድሕነኩም ጥምቀት ምልክት እዩ፤ ጥምቀት ከዓ እቲ ብትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብንፁህ ሕሊና ናብ ኣምላኽ ዝቐርብ ልመና እዩ እምበር፥ ናይ ሰብነት ርስሓት ዝሓፅብ ኣይኮነን።

22ንሱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኣሎ፤ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይላትውን ይግዝኡሉ ኣለዉ።

ትርጓሜ

3:1-7 ሰበይቲ፡ በዓል ቤታ ንቃል እግዚአብሔር እንተዘይተኣዘዘ እውን፡ ግቡእኣ ንበዓል ቤታ ክትፍጽም ኣለዋ። ክፉኣት ሰባት ንመገድታትን ንነብራታትን ናይ ምእመናን ብኸመይ ብጥንቃቐ ከምዝከታተሉ፡ ንሕና በብመዓልቱ ንርኢ ኢና። ምልባስ ክዳን ኣይተኸልከለን፡ ግናኸ ንከንቱነት ዝኾነን ብዙሕ ዋጋ ዝኽተል ስልማትን እዩ ዝተኸልከለ። ምእመናን፡ ኩሉ ጠባዮም ምስ እምነቶም ዝሰማማዕ ምዃኑ ከረጋግጹ ኣለዎም። ግናኸ፡ ካብዞም ክልተ ኣገደስቲ ነገራት ናይ ህይወት፡ ማለት ምግቢን ክዳንን፡ ንግቡእ መዐቀኒኦምን ንደረትኦምን ክንደይ ውሑዳት ሰባት እዮም ዝፈልጡ! ድኽነትና ንነገራት ክምርጸልናን ክወስነልናን እንተዘይኮይኑ፡ ካብቲ ንዓና ዝግበኣና ንላዕሊ ዘይብህግ ሰብ ብንጹር የልቦን። ካብቲ ኣብ ኣእምሮኦም ዘሎ ትሕትና፡ ብትሕትና ናይ ኩነታቶም/ነብሮኦም ዝተገደዱ እዮም ዝበዝሑ ሰባት። ብዙሓት ከኣ በዚ ኣይድገቱን፡ ግናኸ ግዜኦምን ገንዘቦምን ኣብ ከንቱ ነገራት የባኽኑ። እቲ ሃዋርያ ንክርስቲያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ንነፍሲ ዝስልም፡ ማለት ጸጋታት ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ዝኾነ ዘይሓልፍ ነገር ክለብሳ የዕዝዝ። ናይ ሓቀኛ ክርስቲያን ቀንዲ ሓልዮት፡ ንመንፈሱ ብግቡእ ኣብ ምምራሕ እዩ። እዚ፡ ምስ ጽዩፍን ሃጣሪን ጠባይ ካብ ዝኸይድ ዝተወድአ ስልማት ወይ ፋሽነኛ ክዳን ንላዕሊ፡ ንፍቕሪ ከጽንዕን ንኽብሪ ናይ ሰብኣይ ከበራብርን ዝበለጸ ይገብር። ክርስቲያናት፡ ካብ ፍቑድ ልቢ፡ ከምኡ’ውን ንትእዛዝ ኣምላኽ ብምእዛዝ፡ ንሓድሕዶም ግቡኦም ክፍጽሙ ይግባእ። ኣንስቲ፡ ካብ ፍርህን ድንገጽን ዘይኮነስ፡ ግናኸ ሰናይ ንምግባርን ንኣምላኽ ንምሕጓስን ካብ ዝብል ድሌት፡ ንሰብኡተን ክግዝኣ ኣለወን። ግቡእ ናይ ሰብኣይ ንበዓልቲ ቤቱ፡ ንሳ ንእትግብኦ ክብሪ ምሃብ፡ ከምኡ’ውን ንምትካልኣ ምዕቃብ፡ ምሕላዋ፡ ከምኡ’ውን ንእኣ ምእማን ዘጠቓልል እዩ። ንሳቶም ብሓባር ወረስቲ ናይ ኩሉ በረኸት ናይዚ ህይወት እዚን ናይቲ ዝመጽእን እዮም፡ ከምኡ’ውን ብሰላም ንሓድሕዶም ክነብሩ ኣለዎም። ጸሎት ንዝርርቦም የጣዕሞ። ንሳቶም ምስ ስድራኦም ምጽላይ ጥራይ ኣይበቅዕን እዩ፡ ግናኸ ሰብኣይን ሰበይትን ብሓባር በበይኖም፡ ከምኡ’ውን ምስ ደቆም ክጽልዩ ይግባእ። እቶም ምስ ጸሎት ዝተላለዩ፡ ኣብኡ ዘይንገር ጥዑም ነገር ስለዝረኽቡ፡ በዚ ድማ ኣይዕገቱን እዮም። ብብዝሒ ምእንቲ ክትጽልዩ፡ ቅዱስ ህይወት ንበሩ። ከምኡ’ውን ቅዱስ ህይወት ምእንቲ ክትነብሩ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እንዲሁም፥ እናንተ ሚስቶች ሆይ፥ ከባሎቻችሁ አንዳንዱ ለትምህርት የማይታዘዙ ቢኖሩ፥ በፍርሃት ያለውን ንጹሑን ኑሮአችሁን እየተመለከቱ ያለ ትምህርት በሚስቶቻቸው ኑሮ እንዲገኙ ተገዙላቸው። አማርኛ ENGNIV Wives, in the same way be submissive to your husbands so that, if any of them do not believe the word, they may be won … English GAZBIB Akkasumas isin dubartoota nana, warra dhiiraa keessaa kaan dubbii Waaqayyoo hin amanne yoo ta'an iyyuu, isin waan tokko… Afaan Oromoo BCV GIZ ወከማሁ አንትንሂ አንስት ተኰነና ለአምታቲክን ከመ እመ ቦ ዘኢየአምን በዝንቱ ነገር እምሥነ ምግባሪሆን ለአንስት ይርአዩ ወዘእንበለ ካሕድ ይርብሕዋ ለነፍሶሙ። giz GAZGAZ Akkasumas isin dubartoota nana, warra dhiiraa keessaa kaan dubbii Waaqayyoo hin amanne yoo ta'an iyyuu, isin waan tokko… Afaan Oromoo BCV aksum ከምኡውን፥ ኣትን ኣንስቲ፥ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ንቓል እግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰብኡት እንተልዮም ድማ፥ ከም እተኽብራኦምን፥ ብንፅህና ኸም እትነብራን ምስ ረአዩ፥ ብዘረባ ዘይኮነስ ብህይወ… ትግርኛ AMHNIV ሚስቶች ሆይ፤ እናንተም እንደዚሁ ለባሎቻችሁ ተገዙ፤ አንዳንድ ለቃሉ የማይታዘዙ ቢኖሩ፣ ያለ ቃል በሚስቶቻቸው አኗኗር ተማርከው ይመለሳሉ፤ አማርኛ SWAHSUV Kadhalika ninyi wake, watiini waume zenu; kusudi, ikiwa wako wasioliamini Neno, wavutwe kwa mwenendo wa wake zao, pasip… Kiswahili