1ደቂ ያእቆብ፦ ሮቤል፥ ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ ይሳኮር፥ ዛብሎን፥
2ዳን፥ ዮሴፍ፥ ብንያም፥ ንፍታሌም፥ ጋድ፥ ኣሴር እዮም።
3ደቂ ይሁዳ፦ ዔር፥ ኣውናን፥ ሴሎም፥ እዚኣቶም ሰለስቲኦም ካብታ ከነዓናዊት ሰበይቲ ጓል ሹዓ ዝተወለዱሉ እዮም። ዔር በዅሪ ይሁዳ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስለ ዝገበረ እግዚኣብሄር ቀተሎ።
4ይሁዳ ድማ ኻብ ትእማር ሰበይቲ ወዱ፥ ንፋሬስን ዛራን ወለደ፤ ደቂ ይሁዳ ዅሎም ሓሙሽተ እዮም።
5ደቂ ፋሬስ፦ ኤስሮም፥ ሓሙል፥
6ደቂ ዛራ፦ ዘምሪ፥ ኤታን፥ ሄማን፥ ከልኮል፥ ዳራ፥ ኵሎም ሓሙሽተ እዮም።
7ከርሚ ንኣካን(ሀ) ወለደ፤ ኣካን እቲ ኻብቲ ዝተሓረመ ብምውሳድ ንደቂ እስራኤል ጥፍኣት ዘምፅአሎም እዩ።
8ኤታን ንኣዛርያ ወለደ።
9እቶም ንሔፅሮን ዝተወለዱሉ ደቂ ኸዓ ይረሕምኤልን ኣራምን ካልብን እዮም።
10ኣራም ድማ ንኣሚናዳብ ወለደ፤ ኣሚናዳብ ከዓ ንነኣሶን ሓላቓ ደቂ ይሁዳ ወለደ።
11ነኣሶን ድማ ንሰልሞን ወለደ፤ ሰልሞን ከዓ ንቦዔዝ ወለደ።
12ቦዔዝ ድማ ንኢዮቤድ ወለደ፤ ኢዮቤድ ከዓ ንእሴይ ወለደ።
13ደቂ እሴይ፦ በዅሪ ኤልያብ፥ ካልኣይ ኣሚናዳብ፥ ሳልሳይ ሳማን፥
14ራብዓይ ናትናኤል፥ ሓምሻይ ራዳይ፥
15ሻድሻይ ኣሳም፥ ሻውዓይ ዳዊት ነበሩ።
16ኣሓቶም ከዓ ፅሩያን ኣቢግያን ነበራ። ደቂ ፅሩያ ድማ ኣቢሳይን ኢዮኣብን ኣሳሄልን፥ ሰለስተ ነበሩ።
17ኣቢግያ ኸዓ ንኣሜሳይ ወለደት፤ ኣቦ ኣሜሳይ ድማ ዬቴር ዝተብሃለ እስማኤላዊ ነበረ።
18ካሌብ ወዲ ኤስሮም ከዓ ኻብ ዓዙባ ሰበይቱ ይሪኦትም እትበሃል ጓል ወለደ፤ ንሳ ድማ ንያሳርን ሶባብን ኣርዶንን ወለደት።
19ዓዙባ ምስ ሞተት ከዓ፥ ካሌብ ንኤፍራታ ኣእተዋ እሞ ንሆር ወለደትሉ።
20ሆር ድማ ንኡሪ ወለደ፤ ኡሪ ኸዓ ንባስልኤል ወለደ፤
21ደሓር ድማ ኤስሮም ንጓል ማኪር ኣቦ ገለዓድ ኣእተዋ እሞ ንሰጉብ ወለደትሉ። ንሱ ኸእትዋ እንተሎ ወዲ ስሳ ዓመት ነበረ።
22ሴጉብ ድማ ንኢያኢር ወለደ፤ ንሱ ኣብ ምድሪ ገለዓድ ዕስራን ሰለስተን ከተማታት ነበራኦ።
23ጌሹርን ኣራምን ግና ንኣኣቶም ስሳ ኸተማታት ኣሕደግዎም። ኢያዕርን ቄናትን እተን ኣብ ዙርያአን ዝነበራ ቝሸታትን እውን ካብኣተን ነበራ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ማኪር ኣቦ ገለዓድ ነበሩ።
24ኤስሮም ኣብ ኤፍራታ ናይ ካሌብ ምስ ሞተ፥ ኣቢያ ሰበይቱ፥ ኣቦ ቴቁሔ ንዝኾነ ንኣሽሑር ወለደትሉ።
25ደቂ ይረሕምኤል፥ በዅሪ ወዱ ንኤስሮም፦ በዅሪ ራም፥ ቡናህ፥ ኦሬን፥ ኣፄም፥ ኣኪያ።
26ንይረሕምኤል ዓጣራ ዝስማ ኻልእ ሰበይቲ ኸዓ ነበረቶ፤ ንሳ እኖ ኦናም እያ።
27ደቂ ራም በዅሪ ወዱ ንይረሕምኤል፦ መዓስ፥ ያሚን፥ ዔቄር እዮም።
28ደቂ ኦናም፦ ሸማይን ያዳን እዮም። ደቂ ሸማይ፦ ናዳብን ኣቢሱርን እዮም።
29ስም ሰበይቲ ኣቢሱር ከዓ ኣቢካኢል እዩ። ንሳ ንኣሕባንን ንሞሊድን ወለደትሉ።
30ደቂ ናዳብ፦ ሴሌድን ኣፋይምን ነበሩ። ሴሌድ ውሉድ ዘይብሉ ሞተ።
31ኣፋይም ንይሽዒ ወለደ፤ ይሽዒ ንሶሳን ወለደ፤ ሶሳን ንኣሕላይ ወለደ።
32ደቂ ያዳዕ ሓው ሸማይ፦ ዮቴርን ዮናታንን ነበሩ። ዮቴርውን ውሉድ ዘይብሉ ሞተ።
33ደቂ ዮናታን፦ ፌሌትን ዛዛን፥ እዚኣቶም ደቂ ይረሕምኤል እዮም።
34ንሶሳን ግና ኣጓላት እምበር ኣወዳት ኣይነበርዎን። ንሶሳንውን ኢዮሄል ዝስሙ ግብፃዊ ሓሽከር ነበሮ።
35ሶሳን ንኢዮሄል ሓሽከሩ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ጓሉ ሃቦ፤ ንሳ ኸዓ ንዓታይ ወለደት።
36ዓታይ ድማ ንናታን ወለደ፤ ናታን ድማ ንዛባድ ወለደ፤
37ዛባድ ንኤፍላል ወለደ፤ ኤፍላል ከዓ ንዖቤድ ወለደ፤
38ዖቤድ ንኢዩ ወለደ፤ ኢዩ ድማ ንኣዛርያስ ወለደ፤
39ኣዛርያስ ንኬሌስ ወለደ፤ ኬሌስ ከዓ ንኤልዓሳ ወለደ፤
40ኤልዓሳ ንሲስማይ ወለደ፤ ሲስማይ ድማ ንሰሎም ወለደ፤
41ሰሎም ንየቃምያ ወለደ፤ የቃምያ ድማ ንኤሊሳማ ወለደ፤
42ካሌብ ሓው ይረሕምኤል ንበዅሪ ወዱ ሞሳ ወለደ፤ ሞሳ ንዚፍ ወለደ፤ ዚፍ ንመሪሳ ወለደ፤ መሪሳ ንኬብሮን ወለደ፤
43ደቂ ኬብሮን፦ ቆሬ፥ ተፉዋ፥ ሬቄም፥ ሽማዕ ነበሩ።
44ሸማዕውን ንረሓም ወለደ፤ ረሓም ንዮርቅዓም ወለደ፤ ሬቄም ድማ ንሸማይ ወለደ፤
45ሸማይ ንማዖን ወለደ፤ ማዖን ድማ ንቤትፁር ወለደ፤
46ዔፋ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ሓራንን ሞዳን ጋዜዝን ወለደትሉ። ሓራን ከዓ ንጋዜዝ ወለደ።
47ደቂ ያህዳይ፦ ሬጌም፥ ኢዮታም፥ ጌሻን፥ ፋሌጥ፥ ሔፋ፥ ሸዓፍ እዮም።
48ማዓካ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ንሼቤርን ንቲርሓናን ወለደት።
49እቲ ንመድማና ዝመስረተ ሸዓፍን፥ እቲ ንመክቢናን ንጊብዓን ዝወለደ ንሱሳን ወለደትሉ። ካሌብ፥ ዓክሳ እትበሃል ጓልውን ነበረቶ።
50ደቂ ካሌብ እዚኣቶም እዮም፦ ሆር፥ ኤፍራታ ዝወለዶ በዅሪ ወዱ ሶባል፥ ንሱ ኸዓ ንቂርያትይዓሪም ወለደ።
51ሰልሞን ካልኣይ ወዱ፥ ንቤተ ልሔም ወለደ፤ ሓሬፍ ሳልሳይ ወዱ ኸዓ ኣቦ ቤት ጋዴር እዩ።
52ኣቦ ቂርያትይዓሪም ሶባል፥ ኣቦ መናሕታውያን ሃሮኤ ዝበሃሉ ህዝቢ ወለደ፤
53ዓሌታት ቂርያትይዓሪም፦ ይትራውያን፥ ፉታውያን፥ ሹማታውያን፥ ሚሽራዓውያን። ካብዚኣቶም ፆርዓውያንን ኤሽታኦላውያንን ተወለዱ።
54ደቂ ሰልሞን፦ ቤተ ልሔም፥ ነጦፋውያን፥ ዓጣሮት ቤት ዮኣብ፥ ፈረቓ መናሕታውያን፥ ፆርዓውያን እዮም።
55እቶም ኣብ ያቤፅ ዝቕመጡ ዝነበሩ ዓሌታት ፀሓፍቲ ድማ ቲርዓውያን፥ ሺምዓታውያን፥ ሱካታውያን እዮም። እዚኣቶም እቶም ካብ ሓማት፥ ኣቦ ቤት ሬካብ ዝተወለዱ ቄናውያን እዮም።