ጋዲ

ትግርኛ

ብዘመን እቲ ዝተኸፋፈለ መንግስቲ ዝነበረ ሰብ መንግስቲ እስራኤል ኮይኑ፣ ንመጀመርታ ግዜ እተጠቕሰ ኣብ 2ይ ነገስት.15.14 እዩ።

ጋዲ ብዘመን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ኣቦ ምናሔም ተባሂሉ ኣብ2ኛ ነገ 15:14, 17ተጠቒሱ ኣሎ። ወዲ ጋዲ ምናሔም ንጉስ ንምዃን ንዘካርያስ ገልቢጡዎ ዝነበረ ሳሎም ቀተሎ (2ኛ ነገ 15:10, 14)። ድሕሪኡ ምናሔም ዓሰርተ ዓመት ንጉስ እስራኤል ኮይኑ ገዝአ (2ኛ ነገ 15:17)። ብዘመን ግዝኣቱ ምናሔም ካብ ንጉስ ኣሶር ፑል (ቲግላት ጲሌሶር ሳልሳይ) ስግኣት ኣጋጢምዎ ነበረ፤ ሓገዙ ንምርካብን ኣብ መንግስቱ ዘለዎ ስልጣን ንምሕያልን ድማ ብዙሕ ግብሪ ከፈሎ (2ኛ ነገ 15:19-20)። ምናሔም ዝኾነ ይኹን ተቓውሞ ብጭካኔ ስለ ዝጨፍለቐ ግዝኣቱ ብዓመጽን ብጭቆናን ዝመልአ ነበረ (2ኛ ነገ 15:16)።