አሞን

ምናሴትግርኛ

ኣብ ዘመን እቲ ዝተኸፋፈለ መንግስቲ ዝነበረ ንጉስ ይሁዳ ኮይኑ፣ ንመጀመርታ ግዜ ዝተጠቕሰ ኣብ 2ይ ነገስት 21.18 እዩ።

ኣሞን ወዲ ምናሴን ዓሰርተ ሓሙሻይ ንጉስ ይሁዳን ነበረ። ወዲ 22 ዓመት ከሎ ንግስና ጀመረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ክልተ ዓመት ገዝአ። ኣሞን ነቲ ናይ ኣቦኡ ምናሴ እኩይ ልማዳት ሰዓበ፤ ጣኦታት ኣምለኸ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ድማ እኩይ ዝኾነ ገበረ። ንሱ ኸኣ ከም ኣቦኡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ርእሱ ኣየዋረደን። ባሮት ኣሞን ኣብ ልዕሊኡ ተማኸሩ እሞ ኣብ ውሽጢ ቤተ መንግስቱ ቀተልዎ። ግናኸ ህዝቢ እታ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ኣሞን ዝተማኸሩ ኩሎም ቀተልዎም፤ ወዱ ኢዮስያስ ድማ ኣብ ክንድኡ ንጉስ ገበሩ። ኣሞን ኣብ መቓብር ዖዛ ኣብቲ ኣታኽልቲ ዝርከብ ተቐብረ። ነብያት ኤርምያስን ሶፎንያስን ኣገልግሎቶም ዝጀመሩ ኣብ ዘመን ንግስና ወዲ ኣሞን ዝኾነ ኢዮስያስ ነበረ። ኣሞን ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ኣብ ትውልዲ የሱስ ክርስቶስ እውን ተጠቒሱ ኣሎ።