ቲቶስ 1

BCV aksumትግርኛ15 ፍቕድታት2:53 ስማዕ
ስማዕ 2:53 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣገልጋሊ እግዚኣብሄርን፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ናይቶም ሕሩያት ኣምላኽ ንእምነት ክሃንፅ፥ ነቲ ናብ ቅድስና ዘብፅሕ፥ ፍልጠት ሓቂ ኽሰብኽ ካብ ዝተፀውዐ ጳውሎስ።

2እዝ እምነት እዙይን፥ እዝ ፍልጠት እዙይን፥ እቲ ዘይሕሱ እግዚኣብሄር፥ ቅድሚ ዘመናት ዘተስፈዎ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።

3ጊዜኡ ምስ በፅሐ፥ ብትእዛዝ እቲ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ንኣይ ክእውጅ ብዝሃበኒ ስብከት ገይሩ፥ ንቓሉ ገለፆ።

4በታ ናይ ኵላትና ዝኾነት እምነት፥ ብሓቂ ወደይ ንዝኾንካ ቲቶ፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ካብ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻ ይኹን።

5ኣብ ቀርጤስ ዝሓደግኩኻ፥ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፥ ነቲ እንተይተወድአ ዝተረፈ ኽተመዓራርን፥ በብዓዱ ኤጲስ ቆጶሳት(ሀ) ክትሸይምን ኢለ እየ።

6ነቐፋ ዘይብሉ፥ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ስዲ ብምዃንን ብዘይ ምእዛዝን ዘይሕመዩ፥ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ ይኹን።

7ኤጲስ ቆጶስ፥(ለ) ከም መጋቢ እግዚኣብሄር፥ ነቐፋ ዘይብሉ ክኸውን ይግባእ እዩሞ፤ ከምኡውን፥ ዘይዕበ፥ ዘይዅሪ፥ ዘይሰክር፥ ዘይበኣስ፥ ፍቕሪ ገንዘብ ዘይብሉ፥ ክኸውን ኣለዎ።

8እኳ ደኣ ተቐባሊ ጋሻ፥ ሰናይ ዝኾነ ዝፈቱ፥ ንባዕሉ ዝመልኽ፥ ቅኑዕ፥ ቅዱስን ብመጠን ዝነብርን ይኹን።

9ንሱ በቲ ቕኑዕ ትምህርቲ ምእንቲ ኽምዕድ፥ ነቶም ዝቃወሙውን መልሲ ምሃብ ምእንቲ ክኽእል፥ በቲ ዝተምሃሮ እሙን ዝኾነ ቓል ይፅናዕ።

10ብዙሓት ሰባት፥ ብሕልፊ ኻብቶም “ዝኣመኑ ኣህዛብ ይገረዙ” ዝብሉ ኣይሁድ፥ ዘይእዙዛት፥ ለፍለፍትን መታለልትን ኣለዉሞ።

11ንሳቶም ረብሓ ምእንቲ ኽረኽቡ ኢሎም፥ ቅኑዕ ብዘይኮነ መንገዲ ኽምህርዎ ዘይግብኦም እናመሃሩ፥ ንስድራ ዘናውፁ፥ ኣፎም ክተትሕዞም ግቡእ እዩ።

12ሓደ ኻብቶም ናታቶም ነቢያት እኳ “ሰብ ቀርጤስ ኵልሻዕ ሓሰውቲ፥ ክፉኣት ኣራዊት፥ ሃካያት፥ ከብዳማት(ሐ) እዮም” ይብል።

13እዝ ምስክርነት እዙይ ሓቂ እዩ። ስለዙይ ቅኑዕ እምነት ምእንቲ ኽህልዎም፥ ናብ ተረት ኣይሁድን፥ ናብ ትእዛዛት እቶም ካብ ሓቂ ዘድሐርሕሩ ሰባትን፥ ከየዘንብሉ ኣፀቢቕካ ገስፆም።

15ንንፁሃት፥ ኵሉ ነገር ንፁህ እዩ፤ ነቶም ርኹሳትን ዘይኣምኑን ግና፥ ኣእምሮኣቶምን ሕሊናኣቶምን ርኹስ ስለ ዝኾነ፥ ንፁህ ዝኾነ ነገር የለን።

16“ንእግዚኣብሄር ንፈልጦ ኢና” ይብሉ፤ ብተግባሮም ግና ይኽሕድዎ፤ ዘፀይፉን ዘይእዙዛትን፥ ሰናይ ንምስራሕ ዘይበቕዑን እዮም።

ትርጓሜ

1:1-4 እቶም ባሮት ሓጢኣትን ሰይጣንን ዘይኮኑ ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዮም። ኵሉ ወንጌላዊ ሓቂ ከም እግዚአብሔራዊነት እዩ፣ ፍርሃት ኣምላኽ ዚምህር። ዕላማ ወንጌል፣ ተስፋን እምነትን ምልዕዓል፣ ኣእምሮን ልብን ካብ ዓለም ንምውጻእ፣ ናብ ሰማይን ናብ ላዕለዋይ ነገርን ንምዕራግ እዩ። እምበኣር ወንጌል ክንደይ ዝበለ ግሩም እዩ፣ ቀደም ብኣምላኻዊ ተስፋ እተዋህበ ዝነበረ፣ ንሕናኸ በቲ ዝረኸብናዮ መሰላት ክንደይ ምስጋና ይግብኣና! እምነት ብምስማዕ ትመጽእ፣ ምስማዕ ከኣ ብቓል ኣምላኽ። እቲ ዝተመዘዘን እተጸውዔን ከኣ ቃሉ ክሰብኽ ኣለዎ። ጸጋ፣ ነጻ ሞገስ ኣምላኽ እዩ፣ ምሳኡ ተቐባልነት ምርካብ ድማ። ምሕረት፣ ፍረታት እቲ ሞገስ እዩ፣ ብይቕረታ ሓጢኣትን፣ ካብ ኵሉ ሽግራት ኣብዚ ዓለምን ኣብ ድሕረሞትን ነጻ ምውጻእን። ሰላም ድማ ውጽኢትን ፍረን ምሕረት እዩ። ምስ ኣምላኽ ብክርስቶስ ሰላም፣ ንሱ ድማ ሰላምና እዩ፣ ከምኡ ድማ ምስ ፍጥረት እሞ ምስ ገዛእ ርእስና። ጸጋ ምንጪ ኵሉ በረኸታት እዩ። ምሕረት፣ ሰላም፣ ኵሉ ሰናይ ድማ ካብዚ ይፈልፍል (ካብ ጸጋ)።

1:5-9 ባህሪን ብቕዓትን ጓሶት፥ ኣብዚ ሽማግለታትን ጳጳሳትን ተባሂሎም ዘለዉ፥ ምስቲ ሃዋርያ ንጢሞቴዎስ ዝጸሓፎ ዝሰማማዕ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG የእግዚአብሔር ባሪያና የኢየሱስ ክርስቶስ ሐዋርያ የሆነ ጳውሎስ፥ በእግዚአብሔር ለተመረጡት እምነት እንዲሆንላቸው በዘላለምም ሕይወት ተስፋ እንደ አምልኮት ያለውን እውነት እንዲያውቁ የተላከ፤… አማርኛ ENGNIV Paul, a servant of God and an apostle of Jesus Christ for the faith of God's elect and the knowledge of the truth that … English BCV ኣገልጋሊ እግዚኣብሄርን፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ናይቶም ሕሩያት ኣምላኽ ንእምነት ክሃንፅ፥ ነቲ ናብ ቅድስና ዘብፅሕ፥ ፍልጠት ሓቂ ኽሰብኽ ካብ ዝተፀውዐ ጳውሎስ። ትግርኛ GAZBIB Ani Phaawulos amantii fi dhugaa beekuu warra Waaqayyoof fo'amanii, akka namoota Waaqayyoof ta'utti dammaqsuudhaaf, hojj… Afaan Oromoo BCV GIZ እምጳውሎስ ገብሩ ለእግዚአብሔር ወሐዋርያሁ ለኢየሱስ ክርስቶስ በሃይማኖቶሙ ለኅሩያኒሁ ለእግዚአብሔር ወአእምሮ ጽድቅ ዘበጽድቁ ለእግዚአብሔር። giz GAZGAZ Ani Phaawulos amantii fi dhugaa beekuu warra Waaqayyoof fo'amanii, akka namoota Waaqayyoof ta'utti dammaqsuudhaaf, hojj… Afaan Oromoo AMHNIV የእግዚአብሔርን ምርጦች እምነትና ወደ እውነተኛ መንፈሳዊነት የሚመራውን የእውነት ዕውቀት ለማሳደግ የእግዚአብሔር ባሪያና የኢየሱስ ክርስቶስ ሐዋርያ የሆነው ጳውሎስ፤ አማርኛ SWAHSUV Paulo, mtumwa wa Mungu, na mtume wa Yesu Kristo; kwa ajili ya imani ya wateule wa Mungu, na ujuzi wa kweli ile iletayo … Kiswahili