መሃልየ መሃልይ 7

BCVትግርኛ13 ፍቕድታት2:28 ስማዕ
ስማዕ 2:28 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣቲ ጓል መስፍን፥ ሳእኒ ዝገበራ፥ ኣእጋርኪ ኽንደይ ይፅብቓ! ቅርፂ ደናጕኺ ኸም ብኢድ ብልሓተኛ ዝተሰርሐ ዕንቍታት ይመስል።

2ሕምብርትኺ ብሉፅ ወይኒ ኸም ዘይጐድሎ፥ ከቢብ ፅዋዕ እዩ፤ ከርስኺ ብዕምበባ ኸም እተኸበበ፥ ምህርቲ ስርናይ እዩ።

3ክልቲአን ኣጥባትኪ፥ ከም ማንታ መሓስእ ሜዳቝ እየን፤

4ክሳድኪ ብስኒ ሓርማዝ ከም ዝተሰርሐ ግንቢ እዩ፤ ኣዒንትኺ ኸምቲ ኣብ ጥቓ ደገ ባትራቢ ዘሎ፥ ሓፅብታት ሄስቦን እየን፤ ኣፍንጫኺ ኸምቲ ንደማስቆ ገፁ ዝርኢ፥ ግንቢ ሊባኖስ እዩ።

5ርእስኺ ኣብ ልዕሌኺ ኸም እምባ ቀርሜሎስ እዩ፤ ፀጕሪ ርእስኺ ኸም ቀይሕ ሃሪ እዩ፤ ብቝኖኺ እቲ ንጉስ ተማረኸ።

6ኣቲ ፍቕርተይ፥ ክንደይ ትፅብቒ! ክንደይከ ተሐጕስን ትፍተውን!

7ቁመትኪ ኸም ኦም ስየ እዩ፤ ኣጥባትኪ ኸዓ ኸም ዘለላ ፍረ ተምሪ ይመስላ።

8ኣነውን “ናብቲ ኦም ስየ ደዪበ ጨንፈሩ ኽሕዝ እየ” በልኩ፤ ኣጥባትኪ ኸም ዘለላ ወይኒ፥ መዓዛ እስትንፋስኪውን ከም ትርንጒ እዩ።

9ከናፍርኪ ኸዓ ኸም ብሉፅ ወይኒ ይጥዕም፤ ጐሮሮኺ፥ ንፈታዊ እናጠዓመ ኸም ዝወርድ፥ ነተን ዝደቀሳ ኸናፍር ክናገራ ዝገብር፥ ከም ጥዑም ወይኒ እዩ።

10ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፤ ሃረርታ ፍቱወይ ከዓ ናባይ እዩ።

11ኣታ ፍቱወይ፥ ንዓናይ ናብ በረኻ ንውፃእ፤ ኣብቲ ቑሸታትውን ንሕደር።

12ተኽሊ ወይኒ ጠጢዑ እንተ ኾይኑ፥ እቲ ዕምበባ ኸዓ ኸፊቱ እንተ ኾይኑ፥ ሮማንውን ፈርዩ እንተ ኾይኑ ኽንርእስ፥ ናብ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣንጊህና ንኺድ፤ ኣብኡ ኸዓ ፍቕረይ ክህበካ እየ።

13ትርንጒታት፥ መዓዛ ሃቡ፤ ኣታ ፍቱወይ፥ ንኣኻ ኢለ ዝዓቘርክዎ በብዓይነቱ ሓድሽን ብሉይን፥ ደስ ዘብል ፍረታት ኣብ ደገታትና ኣሎ፤ ፍቱወይ፥ ኵሉ ንኣኻ ሓለኹልካ።

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG አንቺ የመኰንን ልጅ ሆይ፥ እግሮችሽ በጫማ ውስጥ እንዴት ውቦች ናቸው! ዳሌዎችሽስ በአንጥረኛ እጅ እንደ ተሠሩ፡ እንደ ዕንቍዎች ይመስላሉ። አማርኛ ENGNIV How beautiful your sandaled feet, O prince's daughter! Your graceful legs are like jewels, the work of a craftsman's ha… English GAZBIB Hiriyoonni ishee,“Deebi'i, deebi'i yaa Shulaamittii! Nuyi akka si ilaalluuf deebi'i!” jedhan. “Akka waan isheen kutata … Afaan Oromoo BCV GIZ ጥቀ አዳም ሑረታትኪ ዘበሥን ወለተ ናዳብ፤ ንብረተ መናቅዕትኪ ይመስል አርማስቆስ ግብረ እደ ኬንያ። giz GAZGAZ Hiriyoonni ishee,“Deebi'i, deebi'i yaa Shulaamittii! Nuyi akka si ilaalluuf deebi'i!” jedhan. “Akka waan isheen kutata … Afaan Oromoo BCV aksum ኣቲ ጓል መስፍን፥ ሳእኒ ዝገበራ፥ ኣእጋርኪ ኽንደይ ይፅብቓ! ቅርፂ ደናጕኺ ኸም ብኢድ ብልሓተኛ ዝተሰርሐ ዕንቍታት ይመስል። ትግርኛ AMHNIV አንቺ የልዑል ልጅ ሆይ፤ ነጠላ ጫማ የተጫሙ እግሮችሽ እንዴት ያምራሉ ሞገስን የተጐናጸፉ ዳሌዎችሽ፣ ብልኅ አንጥረኛ የተጠበባቸውን የዕንቊ ሐብል ይመስላሉ። አማርኛ SWAHSUV Siti msharifu, jinsi zilivyo nzuri Hatua zako katika mitalawanda. Mapaja yako ya mviringo ni kama johari, Kazi ya mikon… Kiswahili