መሃልየ መሃልይ 4

BCV aksumትግርኛ16 ፍቕድታት2:45 ስማዕ
ስማዕ 2:45 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣቲ ፍቕርተይ ክንደይ ትፅብቒ! ከመይ ዝበልኪ ቘንጆኸ ኢኺ! ኣዒንትኺ ኣብ ውሽጢ ጕልባብኪ፥ ከም ርግቢታት እየን፤ ፀጕሪ ርእስኺ ኸም እተን ካብ እምባ ገለዓድ ዝወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ።

2ኣስናንኪ፥ ካብ ምሕፃብ ወፂአን ከም ዝተቐረፃ፥ ኵለን መማንታ ኸም ዝወልዳ፥ ካብኣተን ከዓ መኻን ከም ዘይብለን መጓሰ እየን።

3ከናፍርኪ ኸም ቀይሕ ፍሕሶ ሃሪ እየን፤ ኣፍኪ ድማ ፅቡቕ እዩ፤ ኣብ ውሽጢ ጕልባብኪ ዘሎ መታልሕኺ፥ ከም ምቃል ሮማን እዩ።

4ክሳድኪ ኸም ንመቐመጢ ኣፅዋር ብፅቡቕ ዝተሰርሐ፥ ከም ግንቢ ዳዊት እዩ፤ ሽሕ ዋልታ ኣፅዋር ጀጋኑ፥ ተንጠልጢልዎ እዩ።

5ክልቲአን ኣጥባትኪ፥ ኣብ ማእኸል ዕምበባታት ሱፍ ከም ዝወፈራ፥ ማንታ መሓስእ ሜዳቝ እየን።

6መዓልቲ ኽሳዕ ዝደግስ፥ ፅላሎት ክሳዕ ዝሓልፍ፥ ኣነ ናብ እምባ ኸርበን፥ ናብ ኰረብታ ዕጣንን ክድይብ እየ።

7ኣቲ ፍቕርተይ፥ ኵለንትናኺ ፅብቕቲ ኢኺ፤ ኣበርውን የብልክን።

8ኣቲ መርዓተይ፥ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፤ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፤ ካብ ርእሲ እምባ ኣርሞንዔም፥ ካብ ርእሲ እምባ ሳኔርን ኤርሞንን፥ ካብ መሕደሪ ኣናብስን፥ ካብ እምባ ነብርታትን ተመልከቲ።

9ኣቲ ሓፍተይ፥ መርዓተይ፥ ልበይ ብሓጐስ ማረኽክዮ፤ ብቘላሕታኽን ብድሪ ኽሳድክን ንልበይ ማረኽክዮ።

10ኣቲ ሓፍተይ፥ ፍቕርኺ ኽንደይ ሰናይ እዩ። መርዓተይ፥ ፍቕርኺ ኻብ ወይኒ የርዊ፤ መዓዛ ቕብእኽውን ካብ ኵሉ ሽቱ ይምዕዝ!

11መርዓተይ፥ ካብ ከናፍርኪ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፤ መዓርን ፀባን ኣብ ትሕቲ መልሓስኪ ኣሎ፤ መዓዛ ኽዳውንትኽውን ከም መዓዛ ሊባኖስ እዩ።

12ኣቲ ሓፍተይ፥ መርዓተይ፥ ዝተሓፀረ ገነት፥ ዕፅውቲ ዒላ፥ ሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ።

13በቝልኺ ሮማንን፥ ምሩፅ ፍረን፥ ሒናን ናርዶስን ዘለዎ ገነት እዩ።

14ናርዶስ ሳፍራንን፥ ምዑዝ ሳዕርን ቅርፍትን፥ ምስኡውን በብዓይነቱ ኣእዋም ዕጣን፥ ከርበን ዓልወን ኵሉ ብሉፅ ቀመማትን ዘለዋ እያ።

15ንስኺ ኣታኽልቲ ኸም እተስቲ ዓይኒ ማይ፥ ዒላ ህይወት፥ ካብ ሊባኖስ ዝውሕዝ ሩባ ኢኺ።

16ንፋስ ሰሜን፥ ተስእ፤ ንፋስ ደቡብውን ነዓ፤ ምዑዝ ሽቱ ምእንቲ ኽመልኦ፥ ኣብ ልዕሊ ገነተይ ንፈስ፤ ሽቱውን ይፍሰስ፤ ፍቱወይ ናብ ገነቱ ይእቶ፤ ጥዑም ፍረታቱ ኸዓ ይብላዕ።

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ወዳጄ ሆይ፥ እነሆ፥ ውብ ነሽ፤ እነሆ፥ አንቺ ውብ ነሽ፤ በዓይነ ርግብ መሸፈኛሽ ውስጥ ዓይኖችሽ እንደ ርግቦች ናቸው፤ ጠጕርሽ በገለዓድ ተራራ እንደሚወርድ፡ እንደ ፍየል መንጋ ነው። አማርኛ ENGNIV How beautiful you are, my darling! Oh, how beautiful! Your eyes behind your veil are doves. Your hair is like a flock o… English BCV ኣቲ ፍቕርተይ ክንደይ ትፅብቒ! ከመይ ዝበልኪ ቘንጆኸ ኢኺ! ኣዒንትኺ ኣብ ውሽጢ ጕልባብኪ፥ ከም ርግቢታት እየን፤ ፀጕሪ ርእስኺ ኸም እተን ካብ እምባ ገለዓድ ዝወርዳ መጓሰ ኣጣል እዩ። ትግርኛ GAZBIB “Kunoo ati miidhagduu dha yaa hiriyee ko! Ati miidhagduu dha, iji kees akka ija gugee kuullee dha, innis shaashii ati h… Afaan Oromoo BCV GIZ ነያ ሠናይት እንተ ኀቤየ ነያ ሠናይት፤ አዕይንትኪ ዘርግብ እንበለ አርምሞትኪ፤ ሥዕርትኪ ከመ መርዔተ አጣሊ እለ ተከሥታ እምአድባረ ገላዐድ። giz GAZGAZ “Kunoo ati miidhagduu dha yaa hiriyee ko! Ati miidhagduu dha, iji kees akka ija gugee kuullee dha, innis shaashii ati h… Afaan Oromoo AMHNIV ውዴ ሆይ፤ እንዴት ውብ ነሽ! እንዴትስ ያለሽ ቈንጆ ነሽ ከመሸፈኛሽ ውስጥ ያሉት ዐይኖችሽ እንደ ርግብ ዐይኖች ናቸው፤ ጠጕርሽም ከገለዓድ ተራራ እንደሚወርድ፣ የፍየል መንጋ ነው። አማርኛ SWAHSUV Tazama, u mzuri, mpenzi wangu, U mzuri, macho yako ni kama ya hua, Nyuma ya barakoa yako. Nywele zako ni kama kundi la … Kiswahili