1ሃዋርያ ክኸውን ካብ ዝተፀውዐን፥ ንወንጌል እግዚኣብሄር ዝተፈለየን፥ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ፥ ካብ ጳውሎስ ዝተፅሓፈት መልእኽቲ።
2እዝ ወንጌል እዙይ፥ እግዚኣብሄር ብነቢያቱ፥ ብቅዱሳት መፃሕፍቲ ኣቐዲሙ ዘተስፈዎ እዩ።
3እዝ ወንጌል እዙይውን፥ ብዛዕባ እቲ ሰብ ኮይኑ፥ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝተወለደ ወዱ እዩ ዝዛረብ።
4ካብ ምዉታን ብምትሳኡ ድማ፥ ብመንፈስ ቅዱስ(ሀ) ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ ብሓይሊ ዝተግሃደ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና እዩ።
5ኵሎም ኣህዛብ ከም ዝኣምኑን ከም ዝእዘዙን ክንገብር፥ ብእኡን ምእንቲ ስሙን፥ ፀጋን ሃዋርያነትን ተቐበልና።
6ንስኻትኩምውን ከምኣቶም፥ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትኮኑ፥ ተፀዊዕኹም ኢኹም።
7ኣብ ሮሜ ዘለኹም ቅዱሳን ክትኮኑ ዝተፀዋዕኹም፥ ፍቑራት እግዚኣብሄር ኵልኻትኩም፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
8ብክርስቶስ ምእማንኩም፥ ኣብ ኵላ ዓለም ስለ ዝተሰምዐት፥ ቅድሚ ዅሉ ብዛዕባ ዅልኻትኩም፥ ንእግዚኣብሄር ብኢየሱስ ክርስቶስ አመስግኖ ኣለኹ።
9እንተየቋረፅኩ ዅልሻዕ ኣብ ፀሎተይ ከም ዝዝክረኩም፥ እቲ ወንጌል ወዱ እናሰበኽኩ፥ ብምሉእ ልበይ ዘገልግሎ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ።
10ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ናባኻትኩምውን ክመፅእ፥ መንገደይ ከቕንዐለይ እፅሊ ኣለኹ።
11ብእምነት ምእንቲ ኽትፀንዑ፥ መንፈሳዊ ውህብቶ ኸካፍለኩም ስለ ዝደሊ፥ ክሪአኩም እናፍቕ ኣለኹ።
12እዙይ ከዓ ኣነን ንስኻትኩምን፥ በታ ዘላትና እምነት፥ ንስንሳትና ምእንቲ ኽንፀናናዕ ኢለ እየ።
13ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ከምቲ ኣብቶም ካልኦት ኣህዛብ ዝረኸብክዎ ፍረ፥ ኣባኻትኩምውን ምእንቲ ኽረክብ፥ ናባኻትኩም ንምምፃእ ብዙሕ ጊዜ ኸም ዝመደብኩ፥ እንተ ኾነ ኽሳዕ ሕዚ ኸም ዘይተኽኣለኒ፥ ክትፈልጡለይ እደሊ።
14ንግሪካውያንን ንኻልኦት ኣህዛብን፥ ንዝተምሃሩን ንዘይተምሃሩን፥ ክሰብኽ ዕዳ ኣለኒ።
15ስለዙይ ኣብ ሮሜ ንዘለኹምውን፥ ወንጌል ክሰብከልኩም ብርቱዕ ድልየት ኣለኒ።
16ብወንጌል ኣይሓፍርን እየ፤ ወንጌል ንዝኣምን ኵሉ፥ ቅድም ንኣይሁድ ደሓር ንኣህዛብ፥ ዘድሕን ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ እሞ።
17ከምቲ ፅሑፍ “ፃድቕ ብእምነት እዩ ዝነብር” ዝብሎ፥ እቲ ፅድቂ እግዚኣብሄርውን፥ ካብ እምነት ናብ እምነት ብእኡ እዩ ዝገሃድ።
18ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ኽፍኣትን ሓጢኣትን፥ ኣብቶም ብኽፍኣቶም ንሓቂ ዝኽውልዋ ሰባት፥ ካብ ሰማይ ክግለፅ እዩሞ።
19እግዚኣብሄር ስለ ዝገለፀሎም፥ እቲ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ክፈልጥዎ ዝግባእ ኣብኣቶም ግሉፅ እዩ።
20ዘመኻንይዎ ምእንቲ ኽስእኑስ፥ እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ተርእዩ ዘይፈልጥ ባህርይ እግዚኣብሄር፥ ዘለኣለማዊ ሓይሉን መለኮቱን፥ በቲ ዝፈጠሮ ፍጥረት ኣፀቢቑ ተግሃደ።
21ንእግዚኣብሄር እናፈለጥዎስ፥ ከም ኣምላኽነቱ ኣየኽበርዎን፤ ኣየመስገንዎን፤ እኳ ደኣ ብሓሳባቶም ከንቱ ኾኑ፤ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ፀልመተ።
22ለባማት ኢና እኳ እንተ በሉ፥ ዓሻታት ኮኑ።
23ንኽብሪ እቲ ዘይመውት ኣምላኽ፥ ናብ ምስሊ መዋቲ ሰብን፥ ኣዕዋፍን፥ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን፥ ናብ ለመም ዝብሉን ለወጥዎ።
24ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ብትምኒት ልቦም ንስንሳቶም ሰብነቶም ከሕስሩ፥ ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም።
25እዙይ ከዓ ነቲ ሓቂ እግዚኣብሄር፥ ናብ ሓሰት ስለ ዝለወጥዎ፥ ክንዲ ፈጣሪውን፥ ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን እዩ፤ ንሱ ግና ንዘለኣለም ቡሩኽ እዩ፤ ኣሜን።
26በዝ ምኽንያት እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ንዘነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሃቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም እንተይተረፋ፥ ነቲ ፆታዊ ባህርየን ሓዲገን፥ ንፆታዊ ባህርየን ዘይግባእ ፈፀማ።
27ሰብኡትውን ከምኡ፥ ነቲ ምስ ጓል ኣንስተይቲ ዝፍፀም ባህርዮም ሓዲጎም፥ ንስንሳቶም ብፍትወቶም ነደዱ፤ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፤ ናይቲ ዝገበርዎ ስሕተትውን፥ ግቡእ መቕፃዕቲ ኣብ ርእሶም ኣውረዱ።
28ከምቲ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ክፈልጥዎ ዘይደለዩ፥ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ነውሪ ኽፍፅሙ፥ ንዘየስተውዕል ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሃቦም።
29ስለዙይ ብዓመፅ፥ ብኽፍኣት፥ ብስስዐ፥ ብቕንኣት፥ ብቕትለት፥ ብባእሲ፥ ብምጥፍፋእ፥ ብእከይ ምሉኣት ኮኑ። ከምኡውን ስም ሰብ ዘፀልሙ፥
30ሓመይቲ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፀልኡ፥ ዕቡያት፥ ተጀሃርቲ፥ ክፍኣት ዝኣልሙ፥ ንወለዶም ዘይእዘዙ፥
31ዘየስተውዕሉ፥ ጠላማት፥ ፍቕሪ ዘይብሎም፥ ጨካናት እዮም።
32እዚኣቶም “እቶም ከምኡ ዝገብሩ ሞት ይግብኦም እዩ” ዝብል፥ ቅኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሄር እናፈለጡ፥ ነዝ ዅሉ ይፍፅሙ ኣለዉ፤ እዙይ ከይኣኽሎም ከዓ፥ ነቶም ከምኡ ዝገብሩውን የተባብዑ ኣለዉ።(ለ)