1ድሕሪዙይ፥ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ፥ ካብ ሰማይ እንትወርድ ረአኹ። ብናይ ክብሩ ነፀብራቕውን፥ ምድሪ በርሀት።
2ንሱ ኸዓ፦ “እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ! መሕደሪ ኣጋንንትን፥ ሰፈር ኵሎም ርኹሳት መናፍስትን፥ ሰፈር ኵሉ ርኹስን፥ ሰፈር ዘፀይፍ ኵሉ ኣዕዋፍን ኮይና፤
3ኵሎም ኣህዛብ፥ ካብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዝርናኣ፥ ሰትዮም እዮም እሞ፤ ነገስታት ምድሪ፥ ምስኣ መንዚሮም፤ ነጋዶ ምድሪ እውን፥ ብሓይሊ ፅጋባ ሃብቲሞም እዮም” እናበለ፥ ድምፂ ኣስምዐ።
4ካብ ሰማይ ድማ፥ ካልእ ኸምዙይ ዝብል ድምፂ ሰማዕኹ፦ “ኣቱም ህዝበይ፥ ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትተሓባበሩ፥ ኻብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉ፥ ካብኣ ውፁ፤
5ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ በፂሑ፤ እግዚኣብሄር ድማ፥ ዓመፃኣ ዘኪሩ እዩ እሞ፥
6ከምቲ ንሳ ዝፈደየትኩም ፍደዩዋ፤ ከምቲ ግብራውን ዕፅፊ መልሱላ። በቲ ዝቐድሐትሉ ፅዋዕ፥ ዕፅፊ ጌርኩም ቅድሑላ።
7ብልባ ‘ነጊሰ ኽነብር እየ፤ መበለትውን ኣይኸውንን እየ፤ ሓዘን ድማ ኣይርእን እየ’ ትብል ኣላ እሞ፥ ኽንድቲ ንባዕላ ዘኽበረቶን ዘሐንቀቐቶን፥ ስቓይን ሓዘንን ፍደይዋ።
8ስለዙይ እቲ ዝፈርዳ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሓያል እዩ እሞ፥ እቲ መዓታ፥ ብሓንቲ መዓልቲ(ሀ) ኽወርዳ እዩ፤ ሞትን ሓዘንን ጥሜትን ክመፃ እዩ፤ ብሓንቲ መዓልቲ ኽመፃ እዩ፤ ብሓዊውን ክትቃፀል እያ።
9“እቶም ምስኣ ዝመንዘሩን ዝሓንቀቑን ነገስታት ምድሪ ኸዓ፥ ነቲ ኽትነድድ እንተላ ተውፅኦ ዝነበረት ትኪ ሪኦም፥ ክበኽዩላን ከልቅሱላን እዮም።
10ነቲ ኣብኣ ዝወርድ ዝነበረ ስቓይ ስለ ዝፈርሑ፥ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፦ ‘ወይለኺ! ወይለኺ! ኣቲ ዓባይ ከተማ፥ ኣቲ ብርትዕቲ ኸተማ ባቢሎን፥ ፍርድኺ ብሓንቲ ሰዓት መፂኡኪ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም።
11“እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ነጋዶ ኸዓ፥ ደጊም ፅዕነት መራኽቦም ዝዕድገሎም ስለ ዘየለ፥ ክበኽዩላን ከልቅሱላን እዮም።
12ጥሪታቶም ከዓ፥ ወርቅን ብሩርን፥ ክቡር እምንን ሉልን፥ ሻሽን ቀይሕ ውፁእ ክዳንን፥ ሃርን ቀይሕ ግምጃን፥ ጥዑም መዓዛ ዘለዎ ዅሉ ዕፀዋትን፥ ካብ ስኒ ሓርማዝ ዝተሰርሑ ኣቕሑን፥ ብኽቡር ዕንፀይትን ብነሃስን ሓፂንን እምነ በረድን ዝተሰርሑ ኣቕሑን፥
13ቃርፋን፥ ቀመምን፥ ዕጣንን፥ ከርበን፥ ፃዕዳ ዕጣንን፥ ዘይትን፥ ሕሩጭን፥ ስርናይን፥ ከፍትን፥ ኣባጊዕን፥ ኣፍራስን፥ ሰረገላታትን፥ ባሮትን፥ ምሩኻት ሰባትን እዮም።
14እቶም ነጋዶ፦ ‘እቲ ነፍስኺ ዝበሃገቶ ፍረ፥ ካባኺ ሓሊፉ፤ ሃብትኽን ግርማኽን፥ ካባኺ ጠፊኡ፤ ድሕሪ ደጊም፥ እዙይ ከቶ ኣይርከብን እዩ’ ኽብሉ እዮም።
15እቶም ነዝ ነገራት እዙይ እናሸጡ፥ ብኣኣ ዝሃብተሙ ነጋዶ፥ ነቲ ስቓያ ፈሪሖም፥ ኣብ ርሑቕ ደው ክብሉ እዮም። ከምዙይ እናበሉውን ክበኽዩን ክሓዝኑን እዮም፦
16‘እዛ ሻሽን ቀይሕ ውፁእ ኽዳንን ቀይሕ ግምጃን ዝተኸድነት፥ ብወርቅን ክቡር እም??ን ሉልን ዝተሸለመት፥ ዓባይ ከተማ ወይለኣ! ወይለኣ!
17ክንድዙይ ዝኣክል ሃብቲ፥ ብሓንቲ ሰዓት ጠፊኡ እዩሞ።’ ኵሎም ኣዘዝቲ መራኽብን፥ ብመራኽብ ነናብ ስፍራኣቶም ዝጐዓዙ ሰባትን፥ እቶም ኣብ ባሕሪ ዝነግዱ ዅሎምን፥ ኣብ ርሑቕ ቆሙ።
18ንሳ ኽትነድድ እንተላ፥ ነቲ ዝወፅእ ዝነበረ ትኪ ምስ ረአዩ ኸዓ፥ ‘ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣ እትመስል ከተማ፥ ከቶ ኣይነበረትን’ እናበሉ ኣእወዩ።
19እናበኸዩን እናሓዘኑንውን፥ ኣብ ርእሶም ሓመድ ነስነሱ። ‘እቶም ኣብ ባሕሪ መራኽብ ዘለዋኦም ኵሎም፥ ብሃብታ ዝሃብተሙ፥ ብሓንቲ ሰዓት ዓንያ እያ እሞ፥ ነዛ ዓባይ ከተማወይለኣ! ወይለኣ!’ እናበሉ ኣእወዩ።
20“ኦ፥ ሰማይ ብኣኣ ተሓጐስ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ፈሪዱ፥ ሕነ ስለ ዝፈደየልኩም፥ ኣቱም ቅዱሳን ሃዋርያትን ነቢያትንውን ተሓጐሱ”
21ብድሕሪዙይ ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ፥ ክንዲ ዓብዪ መጥሓን ዝኸውን እምኒ ኣልዒሉ፥ ከምዙይ እናበለ፥ ናብ ባሕሪ ደርበዮ፦ “ባቢሎን እታ ዓባይ ከተማ፥ ከምዙይ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ! ደጊም ከዓ፥ ከቶ ኣይትርከብን እያ።
22ድምፂ ቓነይቲ መሰንቆን፥ ድምፂ ደረፍትን፥ ነፋሕቲ እምብልታን፥ ድምፂ ነፋሕቲ መለኸትን፥ ደጊም ኣባኺ ኸቶ ኣይስማዕን እዩ፤ ዝኾነ ዓይነት ኢደ ጥበብ ዝሰርሕ፥ ኵሉ ጥበበኛ፥ ኣባኺ ኸቶ ኣይርከብን እዩ፤ ድሕሪ ደጊምስ፥ ድምፂ መጥሓን፥ ኣባኺ ኸቶ ኣይስማዕን እዩ።
23ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም፤ ኵሎም ኣህዛብውን፥ ብጥንቍልናኺ ስሒቶም እዮም፤ ድሕሪ ደጊም ግና፥ ኣባኺ ናይ መብራህቲ ብርሃን ከቶ ኣይበርህን፤ ድሕሪ ደጊምስ፥ ኣባኺ ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ከቶ ኣይስማዕን እዩ።”
24ደም ነቢያትን ቅዱሳንን፥ ደም ናይቶም ኣብ ምድሪ ዝተሓርዱ ዅሎም፥ ኣብኣ ተረኺቡ እዩ እሞ።