1ኦ ጐይታና! ስምካ ኣብ ኵሉ ምድሪ የመና ተመስገነ፤ ምስጋናኻ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል ልዕል ኢሉ እዩ እሞ።
2ብኣፍ ቈልዑን ህፃናትን፥ ምስጋና ኣዳለኻ፤ ምእንቲ ፀላእትኻ፤ ንፀላእን ንተበቃልን ምእንቲ ኽተጥፍእ እዩ።
3ስራሕ ኣፃብዕትኻ ንዝኾኑ ሰማያትን፥ ነቶም ዝፈጠርካዮም ወርሕን ከዋኽብትን ምስ ረአኹ፥
4ንስኻ ኽትሓስቦስ፥ ሰብ እንታይ እዩ? ክትምልከቶኸ፥ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ?
5ካብ መላእኽቲ ቑሩብ ኣንኣስካዮ፤ ብኽብርን ብምስጋናን ኣኽሊል ከዓ ኸለልካዮ፤
6ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሕ ኣእዳውካ ሸምካዮ፤ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዛእኻሉ።
7ንዅላተን ኣባጊዕን ከፍትን፥ ከምኡውን ንእንስሳታት በረኻን፥
8ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን፥ ንዅሉ እቲ ኣብ መንገዲ ባሕሪ ዝኸይድን ኣግዛእኻሉ።
9ኦ እግዚኣብሄር ጐይታና፥ ስምካ ኣብ ኵላ ምድሪ የመና ተመስገነ።