1ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባ ምሕረትካ ንዘለኣለም ክዝምር እየ፤ ተኣማንነትካውን ንውሉድ ወለዶ ብኣፈይ ክነግር እየ።
2ንዘለኣለም ምሕረት ክሃንፅ እየ ኢልካ ኢኻሞ፥ ተኣማንነትካ ኣብ ሰማይ ፀንዐ።
3“ምስ ዝመረፅኩዎ ኪዳን ኣተኹ፤ ንዳዊት ባርያይ ከዓ ‘ዘርእኻ ንዘለኣለም ከፅንዕ፥ ዙፋንካውን ንውሉድ ወለዶ ኽሃንፅ እየ’ ኢለ መሓልኩሉ” በልካ።
5ኦ ጐይታ፥ ሰማያት ንተኣምራትካ፥ ተኣማንነትካውን ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ከመስግኑ እዮም።
6ንእግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ መን ይመዓራረዮ? ካብ ደቂ ኣማልኽትኸ መን ይመስሎ?
7እግዚኣብሄር ኣብ ምኽሪ ቕዱሳን፥ ክቡር እዩ፤ ኣብ ዙርያኡ ብዘለዉ ዅላቶም፥ የመና ዓቢይን ግሩምን እዩ።
8ኦ ጐይታ ኣምላኽ ሰራዊት፥ ከማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ሓያል ኢኻ፤ ሓቂውን ይኸበካ።
9ንሓይሊ ባሕሪ ንስኻ ትገዝኦ፤ ንድምፂ ማዕበሉውን ንስኻ ስቕ ተብሎ።
10ንስኻ ንረዓብ ከም ዝተቐትለ ኣዋረድካዮ፤ ብሓይሊ ቕልፅምካውን ንፀላእትኻ በተንካዮም።
11ሰማያት ናትካ እዮም፤ ምድሪ እውን ናትካ እያ፤ ንዓለም ብምልእታ ንስኻ መስረትካያ።
12ንሰሜንን ንደቡብን ንስኻ ፈጠርካዮም፤ ታቦርን ኣርሞንኤምን ብስምካ ደስ ይብሎም፤ ንስምካውን ይዝምሩ።
13ቅልፅምካ ምስ ሓይሊ እዩ፤ ኢድካ በርትዐት፤ የማነይትኻውን ልዕል ልዕል በለት።
14መሰረት ዙፋንካ ፅድቅን ፍትሕን እዩ፤ ምሕረትን ሓቅን ቀቅድሜኻ ይኸዱ።
15እቲ ዕልልታ ዝፈልጥ ህዝቢ፥ ብፁእ እዩ፤ ኦ ጐይታ ብብርሃን ገፅካ ይኸዱ።
16ብስምካ ዅሉ መዓልቲ ይሕጐሱ፤ ብፅድቕካውን ልዕል ልዕል ይብሉ።
17መመክሒ ሓይሎም ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ብሞገስካውን ቀርንና ልዕል ልዕል ይብል።
18ረድኤትና ኻብ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ንጉስናውን ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።
19በቲ ዘመን እቱይ ንደቅኻ ብራእይ ተናገርካዮም፤ ከምዙይውን በልካ፦ “ረድኤት ኣብ ልዕሊ ሓያል ኣንበርኩ፤ ነቲ ዝተመረፀ ኻብ ህዝበይ ልዕል ልዕል ኣበልክዎ።
20ንባርያይ ዳዊትውን ረኸብክዎ፤ ቅዱስ ዘይቲውን ቀባእኽዎ፤
21ኢደይ ኵልሻዕ ምስኡ ኽትከውን እያ፤ ቅልፅመይውን ክተፅንዖ እያ።
22ፀላኢ ኣብ ልዕሊኡ ኣይጥቀምን፤ ኣየውድቖንውን፤ ውሉድ ዓመፅውን መከራ ኣይውስኸሉን።
23ንፀላእቱ ካብ ቅድሚኡ ኸጥፍኦም እየ፤ ነቶም ዝፀልእዎውን ከዋርዶም እየ።
24ምሕረተይን ተኣማንነተይን ምስኡ እዩ፤ ብስመይውን ቀርኑ ልዕል ልዕል ክብል እዩ።
25ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ፥ የማኑውን ኣብ ልዕሊ ሩባታት ከንብር እየ።
26ንሱ ‘ኣቦይ፥ ኣምላኸይ፥ ኰዅሒ ምድሓነይ፥ ንስኻ ኢኻ’ ኽብለኒ እዩ።
27ኣነውን በዅረይ ክገብሮ እየ፤ ንሱ ኻብ ነገስታት ምድሪ ልዑል እዩ።
28ምሕረተይ ከዓ ንዘለኣለም ክሕልወሉ እየ፤ ንኺዳነይውን ዝተኣመነ እዩ።
29ዘርኡውን ንዘለኣለመ ኣለም፥ ንዙፋኑውን ከም መዋእል ሰማይ ክገብሮ እየ።”
30ግና “ደቁ ሕገይ እንተ ሓደጉ፤ ከም ፍርደይ እንተ ዘይከዱ፥
31ስርዓተይ እንተ ኣርከሱ፥ ትእዛዛተይውን እንተ ዘይሓለዉ፥
32ሽዑ ንሓጢኣቶም ብበትሪ፥ ንበደሎምውን ብመቕሰፍቲ ኽቐፅዖም እየ።
33ምሕረተይ ግና ኻብኡ ኣየርሕቕን፤ ብተኣማንነተይ ኣይዕምፅን።
34ኪዳነይውን ኣየርክስን፤ ካብ ኣፈይ ዝወፀውን ኣይልውጥን።”
35“ንዳዊት ከይሕስዎ፥ ሓደ ሻዕ ብቕድስናይ ምሒለ ኣለኹ።
36ዘርኡ ንዘለኣለም፥ ዙፋኑውን ከም ፀሓይ፥ ኣብ ቅድመይ ክነብር እዩ።
37ንዘለኣለም ከም ወርሒ ይፀንዕ፤ ምስክርነቱውን ኣብ ሰማይ ዝተኣመነ እዩ።”
38ንስኻ ግና ነዓቕካዮ፤ ደርበኻዮውን፤ ነቲ ዝቐባእኻዮውን ደርበኻዮ።
39ኪዳን ባርያኻ ኣፍረስካ፤ ንመቕደሱውን ኣብ ምድሪ ኣርከስካ።
40ኵሉ ቕፅርታቱ ኣፍረስካ፤ ንእምባታቱ ኸዓ ኣዕኖኻ።
41ኵሎም ሓለፍቲ መንገዲ ተመናጠልዎ፤ ንጐረባብቱ ድማ ፀርፊ ኾነ።
42ንየማን ፀላእቱ ልዕል ልዕል ኣበልካ፤ ንዅሎም ፀላእቱ ኣሐጐስካዮም።
43ንረድኤት ሰይፉ መለስካ፤ ኣብ ውሽጢ ውግእውን ኣይደገፍካዮን፤
44ካብ ንፅህናኡ ሰዓርካዮ፤ ሕፍረትውን ኣጐልበብካዮ።
45መዋእል ዙፋኑ ኣውሓድካ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ሕፍረት ወሰኽካ።
46ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ገፅካ እትምልስ? ቍጥዓኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ኸም ሓዊ ዝነድድ?
47ክእለተይ እንታይ ከም ዝኾነ ዘክር፤ ብሓቂ ንወዲ ሰብ ንኸንቱ ዲኻ ፈጢርካዮ?
48ሞት እንተይረአየ ብህይወት ዝነብር፥ ንነፍሱውን ካብ ሲኦል ዘድሕና መን እዩ?
49ኦ ጐይታ፥ እቲ ንባርያኻ ዳዊት ብሓቂ ዝመሓልካሉ፥ እቲ ናይ ቀደም ምሕረትካ ኣበይ ኣሎ?
50ኦ ጐይታ፥ ነቲ ናይ ባሮትካ ፀርፍን፥ ነቲ ኻብ ብዙሕ ኣህዛብ፥ ኣብ ሕቝፈይ ዝተቐበልኩዎ ፀርፍን ዘክር።
51ኦ ጐይታ፥ ፀላእትኻ ዝፀርፍዎ ፀርፊ፥ ነቲ ዝቐባእኻዮ ዘመን ዝፀርፍዎ ዘለዉ ፀርፊ ዘክር።
52እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይመስገን። ኣሜን! ኣሜን!