1ኦ ጐይታ፥ ማይ ክሳዕ ነፍሰይ በፂሑኒ እዩሞ ኣድሕነኒ።
2ናብ ዓሚቝ ረግረግ ጠለቕኩ፤ መቖሚውን የብለይን፤ ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ በፃሕኹ፤ ማዕበልውን ኣስጠመኒ።
3ብምእዋይ ደኸምኩ፤ ጐረሮይውን ነቐፀ፤ ንኣምላኸይ እናተፀበኹ ኣዒንተይ ፈዘዛ።
4እቶም ብኸንቱ ዝፀልኡኒ ካብ ፀጕሪ ርእሰይ በዝሑ፤ ብዓመፅ ዘሳጕጉኒ ፀላእተይ በርትዑ፤ ዘይወሰድክዎ ኽምልስ እኳ ግዲ ዀነኒ።
5ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ስንፍናይ ትፈልጥ ኢኻ፤ ሓጢኣተይውን ካባኻ ኣይሕባእን።
6ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ እቶም ተስፋ ዝገብሩኻ ብኣይ ኣይሕፈሩ፤ ኣታ ኣምላኽ እስራኤል፥ እቶም ዝደልዩኻ ብኣይ ኣይሕሰሩ።
7ምእንታኻ ፀርፊ ተዓጊሰ ኣለኹሞ፥ ንገፀይውን ሕፍረት ጐልበቦ።
8ነሕዋተይ ከም ባዕዲ፥ ንደቂ እኖይውን ከም ጋሻ ኾንኩ።
9ቅንዓት ቤትካ በሊዑኒ ኣሎ፤ ፀርፊ እቶም ዝፀርፉኻውን ኣባይ ወደቐ።
10ንነፍሰይ ብፆም ቀፃዕኽዋ፤ ንፀርፊውን ኮነኒ።
11ወጮ ተኸደንኩ፤ መመሰሊውን ኮንክዎም።
12እቶም ኣብ በርታት ዝቕመጡ፥ ብኣይ ይፃወቱ ኣለዉ፤ እቶም ወይኒ ዝሰትዩ ኸዓ ብኣይ ይደርፉ።
13ኦ ጐይታ ኣነ ግና፥ ብቕብልቲ ጊዜ ፀሎተይ ናባኻ እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ብብዝሒ ምሕረትካ፥ ብሓቂ ምድሓንካውን መልሰለይ።
14ከይውሕጠኒ ኻብ ረግረግ ኣውፅአኒ፤ ካብ ፀላእተይን ካብ መዓሙቕ ማያትን ኣናግፈኒ።
15ማዕበላት ማይ ኣየስጥመኒ፤ ቃላይ ድማ ኣይውሓጠኒ፥ ጕድጓድውን ኣብ ልዕለይ ኣፉ ኣይዕፆ።
16ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካ ሰናይ እዩ እሞ ስምዐኒ፤ ከም ብዝሒ ርህራሄኻ ናባይ ተመልከት።
17ካብ ባርያኻ ገፅካ ኣይትሰውር፤ ተጨኒቐ ኣለኹሞ፥ ቀልጢፍካ መልሰለይ።
18ንነፍሰይ ጠምታ፤ ተቤዘዋውን፤ ስለ ፀላእተይውን ኣድሕነኒ።
19ኦ ጐይታ፥ ፀርፈይን፥ ሕፍረተይን፥ ሓሳረይን ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፤ ኵሎም እቶም ዘጨንቑኒ ኣብ ቅድሜኻ ኣለዉ።
20ነፍሰይ ፀርፍን ሓሳርን ተዓገሰት፤ ዘተሓዛዝነኒ ደለኹ፤ ግና ኣይረኸብኩን፤ ዘፀናንዐኒውን ሰኣንኩ።
21ኣብ መብልዐይ ሓሞት ገበሩ፤ ንፅምአይውን መፂፅ ኣስተዩኒ።
22ማእዶም ኣብ ቅድሚኣቶም፥ ንመፃወድያ ንፍዳ ንዕንቅፋት ትኹኖም።
23ኣዒንቶም ከይሪኣ ይፀልምታ፤ ዝባናቶምውን ኵልሻዕ ይጕበጥ።
24መዓትካ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣፍስስ፤ ቍጥዓ መቕሰፍትኻ ይርከቦም።
25መሕደሪኦም በረኻ ይኹን፤ ኣብ ድንኳናቶም ዝነብር ኣይረኸብ።
26ነቲ ንስኻ ዝቐሰፍካዮ ንሳቶም ኣሳጒጎም እዮምሞ፤ ኣብ ልዕሊ ቝስለይውን ቃንዛ ወሰኹለይ።
27ኣብ ልዕሊ ሓጢኣቶም ሓጢኣት ወስኮም፤ ናብ ፅድቅኻውን ኣይእተዉ።
28ካብ መፅሓፍ ህያዋን ይደምሰሱ፤ ምስ ፃድቃንውን ኣይፀሓፉ።
29ኣነ ነዳይን ቍሱልን እየ፤ ኦ ጐይታ፥ መድሓኒት ገፅካ ይቀበለኒ።
30ንስም እግዚኣብሄር ብመዝሙር ከመስግኖ እየ፤ ብምስጋናውን ልዕል ልዕል ከብሎ እየ።
31እዙይውን፥ ቀርንን ፅፍርን ካብ ዘብቈለ ዝራብዕ ብዝበለፀ ንእግዚኣብሄር የሐጕሶ።
32ድኻታት ነዙይ ሪኦም ይተሓጐሱ፤ ንእግዚኣብሄር ድለይዎ፤ ህያዋንውን ኩኑ።
33እግዚኣብሄር ንድኻታት ይሰምዖም እዩሞ፤ ነቶም እሱራትውን ኣይንዕቕን እዩሞ።
34ሰማይን ምድርን ባሕርን፥ ኣብኣ ዝዋሳወስ ኵሉን ንእግዚኣብሄር የመስግንዎ።
35እግዚኣብ??ር ንፅዮን ከድሕና እዩሞ፤ ከተማታት ይሁዳውን ክሃንፅ እዩሞ፤ ኣብኣ ክነብሩን ክወርስዋን እዮም።
36ዘርኢ ባሮቱ ኽነብርዋ እዮም፤ ስሙ ዝፈትዉውን ኣብኣ ኽነብሩ እዮም።