1እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፤ ዘስእነኒውን የለን።
2ኣብ ዝለምለመ ሰውሒ የሕድረኒ፤ ናብ ማይ ዕረፍቲ ይመርሐኒ።
3ንነፍሰይ መለሳ፤ ስለ ስሙውን ብመንገዲ ፅድቂ መርሐኒ።
4ብማእኸል ፅላሎት ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፥ ንስኻ ምሳይ ኢኻሞ ነቲ ኽፉእ ኣይፈርሕን እየ፤ በትርኻን ምርኩስካን ንሳተን የፀናንዓኒ እየን።
5ኣብ ቅድመይ ማእዲ ኣዳለኻለይ፤ ኣብ ቅድሚ ፀላእተይ ንርእሰይ ብዘይቲ ቐባእኻ፤ ፅዋዐይ መሊኡ ይፈስስ ኣሎ።
6ሕያዋይነትካን ምሕረትካን፥ ብዅሉ ዘመን ህይወተይ ክኽተሉኒ እዮም፤ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርውን ንዘለኣለም ክነብር እየ።