1እግዚኣብሄር ድምፂ ልመናይ ሰሚዑኒ እዩሞ ፈተኽዎ።
2እዝኑ ናባይ ኣቢሉ እዩሞ፥ ብዅሉ ዘመን ህይወተይ ክፅውዖ እየ።
3ፃዕሪ ሞት ሓዘኒ፤ ሕማም ሲኦልውን ረኸበኒ፤ ጭንቀትን መከራንውን ረኸበኒ።
4ሽዑ ኣነ፦ “ኦ ጐይታ፥ ንነፍሰይ ኣድሕና” ኢለ፥ ስም እግዚኣብሄር ፀዋዕኹ፤
5እግዚኣብሄር መሓርን ፃድቕን እዩ፤ ኣምላኽናውን ይቕረ በሃላይ እዩ።
6እግዚኣብሄር ንህፃናት ይሕልዎም፤ ተሸገርኩ፤ ንሱውን ኣድሓነኒ።
7እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩልኪ እዩ እሞ፥ ኦ ነፍሰይ ናብ ዕረፍትኺ ተመለሲ።
8ንነፍሰይ ካብ ሞት፥ ነዒንተይ ካብ ንብዓት፥ ነእጋረይ ካብ ምንድልሃፅ ኣድሒንካየን ኢኻሞ።
9ኣነውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ህያዋን ክነብር እየ።
10ኣመንኩ፤ ስለዙይ ተናገርኩ፤ ኣነውን የመና ተጨነቕኩ።
11ካብ ድንጋፀ ዝተልዓለውን፥ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እዩ በልኩ።
12ክንዲ እቲ ዅሉ ንኣይ ዝገበረለይ፥ ንእግዚኣብሄር እንታይ ክመልሰሉ እየ?
13ናይ ምድሓን ፅዋዕ ክቕበል እየ፤ ስም እግዚኣብሄርውን ክፅውዕ እየ።
14ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቡ፥ መብፅዓይ ንእግዚኣብሄር ክፍፅም እየ።
15ሞት ፃድቕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክቡር እዩ።
16ኦ ጐይታ፥ ኣነ ባርያኻ እየ፤ ኣነ ባርያኻ ወዲ ኣንስተይቲ ባርያኻ እየ፤ መዋቕሐይ ሰበርካ።
17ንኣኻ መስዋእቲ ምስጋና ኽስውአልካ እየ፤ ስም እግዚኣብሄርውን ክፅውዕ እየ።
18ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ፥ ኣብ ኣደባባይ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኦ ኢየሩሳሌም ኣብ ማእኸልኪውን። መብፅዓይ ንእግዚኣብሄር ክፍፅም እየ። ሃሌ ሉያ።