1ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፤ ኵሉ ኣዕፅምተይውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ።
2ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፤ ኵሉ ምስጋናኡውን ኣይትረስዒ፤
3ንዅሉ ሓጢኣትኪ ይቕረ ዝብለልኪ፥ ንዅሉ ሕማምኪ ዝፍውስ፥
4ንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዘድሕና፥ ብምሕረቱን ብሕያዋይነቱን ዝኽልለኪ፤
5ንድሌትኪ ብበረከቱ ዘፅግባ፥ ንንእስነትኪውን ከም ንስሪ ይሕድሳ።
6እግዚኣብሄር ይቕረታ ዝገብር እዩ፤ ነቶም ዝተበደሉ ይፈርደሎም።
7መንገድታቱ ንሙሴ፥ ግብርታቱ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠ።
8እግዚኣብሄር መሓርን ይቕረ በሃልን እዩ፤ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ምሕረቱ ድማ ዝበዝሐ እዩ።
9ኵልሻዕ ኣይቐስፍን፤ ንዘለኣለምውን ኣይቝጣዕን እዩ።
10ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይቀፅዐናን፤ ከም መጠን በደልናውን ኣይፈደየናን።
11ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዝብል፥ ከምኡ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝፈርሕዎ ኣፅንዐ።
12ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዝርሕቕ፥ ከምኡ ንበደልና ኻባና ኣርሓቖ።
13ከምቲ ኣቦ ንውሉዱ ዝርህርሀሎም፥ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዝፈርሕዎ ይርህርሀሎም እዩ።
14ንሱ ኣፈጣጥራና ይፈልጥ እዩሞ፤ ኦ ጐይታ፥ ንሕና መሬት ምዃንና ዘክር።
15ሰብ ዘመኑ ኸም ሳዕሪ እዩ፤ ከም ዕምበባ በረኻ ኸምኡ ይዕምብብ፤
16ንፋስ ኣብ ልዕሊኡ ምስ ነፈሰ ይሓልፍ እዩሞ፤ ቦታኡውን ኣይፈልጦን እዩሞ።
17ምሕረት እግዚኣብሄር ግና ኣብቶም ዝፈርሕዎ፥ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይነብር፤ ፅድቁ ኸዓ ኣብቶም ውሉድ ወለዶ እዩ።
18ቃል ኪዳኑ ኣብ ዝሕልዉ፥ ትእዛዙውን ክፍፅሙ ኣብ ልዕሊ ዝሓስቡ እዩ።
19እግዚኣብሄር ንዙፋኑ ኣብ ሰማይ ኣዳለወ፤ መንግስቱውን ንዅሉ ይገዝእ።
20ኣቱም ትእዛዙ እትፍፅሙ ብርቱዓትን ሓያላትን፥ ናይ ቃሉ ድምፂ እትሰምዑ ኵልኻትኩም መላእኽቱ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
21ኣቱም ሰራዊቱ ዅልኻትኩም፥ ኣቱም ፍቓዱ እትፍፅሙ ኣገልገልቱ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
22ኣቱም ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ እትነብሩ፥ ኵልኻትኩም ፍጡራቱ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ፤ ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ።