1ኦ ጐይታ፥ ፀሎተይ ስምዐኒ፤ ኣውያተይውን ኣባኻ ይብፃሕ።
2ብመዓልቲ መከራይ ገፅካ ኻባይ ኣይትመልስ፤ እዝንኻ ናባይ ፅን ኣብል፤ ኣብ ዝፀዋዕኹኻ መዓልቲ ቐልጢፍካ ስምዐኒ።
3ዘመነይ ከም ትኪ በኒኑ ይውዳእ ኣሎ፤ ኣዕፅምተይውን ከም መሳወሪ ይነድድ ኣሎ።
4ምብላዕ እኽሊ ተረሲዑኒ፤ ተገረፍኩ፤ ልበይውን ከም ሳዕሪ ፀምለወን ነቐፀን።
5ካብ ድምፂ ገዓረይ ዝተልዓለ ስጋይ ምስ ኣዕፅምተይ ተጣበቐ።
6ከምቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝነብር ኣባ ጕምባሕ መሰልኩ፤ ከምቲ ኣብ ዑና ዘሎ ጉጓውን ኮንኩ።
7ተጋህኹ፤ ከምቲ ኣብ ናሕሲ በይኑ ዝሓድር ዒፍ ኮንኩ።
8ፀላእተይ ኵሉ ጊዜ ይፀርፉኒ፤ እቶም ዘሳጕጉኒውን ኣብ ልዕለይ ተመሓሓሉለይ።
9ሓመድ ከም እኽሊ ቝሒመ ኣለኹሞ፤ ንመስተይውን ምስ ንብዓተይ አሓዋውሶ ኣለኹሞ።
10ካብ ቍጥዓኻን ካብ መዓትካን ዝተልዓለ ኣልዒልካ ደርበኻኒ።
11ዘመነይ ከም ፅላሎት ሓለፈ፤ ኣነውን ከም ሳዕሪ ነቒፀ ኣለኹ።
12ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ትነብር፤ መዘከርታኻ ድማ ንውሉድ ወለዶ እዩ።
13ኦ ጐይታ፥ ተስእ፤ ንፅዮንውን ይቕረ በለላ፤ ናይ ምሕረታ እዋን እዩ እሞ፤ እቲ ዘመናውን በፂሑ እዩ።
14ኣገልገልትኻ ነእማና ፈትዮም እዮምሞ፥ ንመሬታውን ሓዚኖም እዮምሞ።
15ኦ ጐይታ፥ ኣህዛብ ንስምካ፥ ኵሎም ነገስታት ምድሪ እውን ንኽብርኻ ኽፈርሑ እዮም።
16እግዚኣብሄር ንፅዮን ክሓንፃ እዩ እሞ፤ ብኽብሩውን ኽግለፅ እዩ።
17ንሱ ናብ ፀሎት ፅጉማት ተመልከተ፤ ልመናኦምውን ኣይነዓቐን።
18ንቕድሚት ዝፍጠር ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኸመስግኖ፥ እዙይ ንመፃኢ ትውልዲ ይፀሓፍ፤
19“እግዚኣብሄር ካብ ላዕሊ ኻብ መቕደሱ ኾይኑ ጠሚቱ እዩ እሞ፤ ኣብ ሰማይ ኮይኑ ናብ ምድሪ እውን ተመልከተ፤
20ንብኽያት እሱራት ምእንቲ ኽሰምዕ፥ ነቶም ንሞት ዝተፈርዱ ምእንቲ ኸድሕኖምውን እዩ።”
21ስለዙይ ስም እግዚኣብሄር ኣብ ፅዮን፥ ምስጋናኡውን ኣብ ኢየሩሳሌም ክናገሩ፥ ኣህዛብ ብሓድነት ምስ ተኣከቡ፥ መንግስታትውን ንእግዚኣብሄር ክግዝኡ እዮም።
23ብሓይሉ ጐደና መለሰሎም፤ ምውሓድ ዘመነይ ንገረኒ።
24ኣብ ፍርቂ ዕድመይ ኣይትውሰደኒ፤ ዓመታትካ ንውሉድ ወለዶ እየን።
25ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ኣቐዲምካ ንምድሪ መስረትካ፤ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።
26ንሳቶም ክጠፍኡ እዮም፤ ንስኻ ግና ትነብር፤ ኵሎም ከም ክዳን ክበልዩ እዮም፤ ከም መጐናፀፍያ ክትልውጦም ኢኻ፤ ክልወጡውን እዮም።
27ንስኻ ግና ዅልሻዕ ንስኻ ኢኻ፤ ዓመታትካውን ከቶ ኣይውዳኣን እየን።
28ደቂ ኣገልገልትኻ ኽነብሩ እዮም፤ ዘርኦምውን ንዘለኣለም ፀኒዑ ኽነብር እዩ።