1ወደይ፥ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፤ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሓልዎ።
2እዙይ ነዊሕ ዕድመ ኽህበካ እዩ፤ በረኸትን ሰላምን ከዓ ኸብዝሐልካ እዩ።
3ሕያዋይነትን ሓቅነትን ካባኻ ኣይፈለያ፤ ኣብ ክሳድካ ድማ እሰረን፤ ኣብ ፅላት ልብኻውን ፀሓፈን።
4ሽዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ሰብን፥ ሞገስን ፅቡቕ ስምን ክትረክብ ኢኻ።
5ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር እመን፤ ብናይ ባዕልኻ ምስትውዓልውን ኣይትተኣማመን፤
6ኣብ ኵሉ መንገድኻ ንእግዚኣብሄር ዘክር፤ ንሱ ኸዓ መንገድኻ ኸቕነዐልካ እዩ።
7በተሓሳስባኻ ፈላጥ እየ ኣይትበል፤ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፤ ካብ ክፉእ ከዓ ረሓቕ።
8እዙይ ንስጋኻ ፈውሲ፥ ነዕፅምትኻ ድማ ፀገን ክኾነካ እዩ።
9ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፥ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ፤
10ሽዑ ማዕኸንካ እኽሊ ኽመልእ፥ መፅመቚኻ ድማ ብዀልዒ ወይኒ ቕፅፅ ክብል እዩ።
11ወደይ፥ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቅሮ ውሉድ ዝቐፅዖ፥ ከምኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ እዩ ዝቐፅዖሞ፥ እንተ ቐፅዐካ ኣይትመረር፤ ተግሳፅ እግዚኣብሄር ድማ ኣይትንዓቕ።
13እቲ ጥበብ ዝረክብ፥ ምስትውዓልውን ዘጥሪ ሰብ ብፁእ እዩ።
14ብወርቅን ብብሩርን ካብ ምንጋድ፥ ብኣኣ ምንጋድ ይበልፅ።
15ካብ ክቡር ዕንቊ ትኸብር፤ ክቡር ዝኾነ ዅሉ እኳ ኣይመዓራረያን።
16ኣብ የማና ነዊሕ ዕድመ፥ ኣብ ፀጋማ ኸዓ ሃብትን ክብረትን ኣለዋ።
17መንገዳ መንገዲ ሓጐስ እዩ፤ ኵሉ ጐደናኣውን ሰላም እዩ።
18ንሳ ንዝሕዝዋ ኦም ህይወት እያ፤ ኵሉ ዝምርኰሳውን ብፁእ እዩ።
19እግዚኣብሄር ንምድሪ ብጥበብ መስረታ፤ ንሰማያት ከዓ ብምስትውዓል ኣፅንዖም።
20ብፍልጠቱ ቓላያት ተሰንጠቑ፤ ደመናትውን ኣውሊ የንጠብጥቡ።
21ወደይ፥ ነዚኣተን ካብ ዓይንኻ ኣይትፍለየን፤ ንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሓዘን።
22ንሳተን ንነፍስኻ ህይወት፥ ንኽሳድካ ኸዓ ሞገስ ክኾናኻ እየን።
23ሽዑ ሃዲእኻ መንገድኻ ኽትከይድ፥ እግርኻውን ኣይዕንቀፍን እዩ።
24ኣብ ድቃስካ ኣይትፈርሕን ኢኻ፤ ክትድቅስ ኢኻ፥ ድቃስካውን ጥዑም ክኸውን እዩ።
25በቲ ብድንገት ዝመፅእ መዓት ኣይትድንግፅን፤ በቲ ንሓጥኣን ዝመፆም ጥፍኣትውን ኣይትሽበርን፤
26እግዚኣብሄር ክሕልወካ፥ ብመፈንጠር ክትተሓዝ ከዓ ኣይሓድገካን እዩሞ።
27ኢድካ ኽትገብረሉ ዝከኣላ እንተ ኾይኑስ፥ ነቲ ዝግብኦ ሰብ ሰናይ ነገር ኣይትኽልኣዮ።
28ክትገብረሉ እናተኽኣለካ፥ ንብፃይካ “ኪድ ፅባሕ ተመለስ፤ ክህበካ እየ” ኣይትበሎ።
29ብፃይካ ኣሚኑ ምሳኻ ኽነብር እንተሎ፥ ኣይትተናዀሎ።
30ምስ ዘይበደለካ ሰብ፥ ብኸምኡ ኣይትፃላእ።
31ብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእ፤ ኵሉ መንገዱውን ኣይትምረፅ።
32ቀይናን ዝኾነ ዅሉ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርዅስ እዩ፤ ፍቕሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።
33መርገም እግዚኣብሄር ኣብ ቤት ሓጥእ እዩ፤ ንመሕደሪ ፃድቃን ግና ይባርኻ።
34ንሱ ንመላገፅቲ የላግፀሎም፤ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም።
35ጠቢባን ክብሪ ኽወርሱ እዮም፤ ሰነፋት ግና ልዕልናኦም ውርደት እዩ።