መጽሓፍ ምሳሌ 25

BCV aksumትግርኛ28 ፍቕድታት3:14 ስማዕ
ስማዕ 3:14 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እዚኣተን ድማ ናይ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ሰባት ዝኣኻኸብወን፥ ናይ ሰሎሞን ምስላታት እየን።

2ክብሪ እግዚኣብሄር ነገር ምስዋር እዩ፤ ክብሪ ነገስታት ግና ምምርማር ነገር እዩ።

3ሰማያት ልዕል ዝበሉ ኸም ዝኾኑ፥ ምድሪ እውን ዕምቈት ከም ዘለዋ፥ ከምኡ ድማ ልቢ ነገስታት ክምርመር ኣይከኣልን።

4ንብሩር ካብ ዝዕገቱ ኣፅርዮ፥ ሽዑ ንኣንጠረኛ ኣቕሓ ይወፀሉ።

5ንኽፉኣት ሰባት ካብ ቅድሚ ንጉስ ኣርሕቆም፤ ሽዑ ዙፋን ንጉስ ብፅድቂ ኽትፀንዕ እያ።

6ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣይትመካሕ፤ ኣብ ስፍራ ዓበይቲ ኸዓ ኣይትቑም።

7ኣዒንትኻ እናረአያ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ካብ እትዋረድ፥ “ናብዙይ ልዕል በል” ክትበሃል ይሕሸካ።

8ብፃይካ ምስ ኣሕፈረካ ዳሓር ከይትናሳሕ፥ ቀልጢፍካ ናብ ባእሲ ኣይትውፃእ።

9ዝሰምዐ ኸይፀርፈካ ስምካ ኸዓ ኸይጠፍእ፥ ክርክርካ ምስ ብፃይካ ተኸራኸር፤ ምስጢር ካልእ ሰብ ግና ኣይተውፅእ።

10እንተ ዘይኮነ ግና ምስጢር ከም እተውፅእ ካልእ ሰብ ክፈልጠካ እዩ፤ ስምካ ምስ ከፍአ ድማ ኽትልውጦ ኣይትኽእልን ኢኻ።

11ብግቡእ ዝተዘርበ ቓል፥ ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ፃሕሊ ብሩር እዩ።

12ንትሰምዕ እዝኒ፥ ዝግስፅ ለባም ሰብ፥ ከም ኵትሻ ወርቅን ከም ዘንፀባርቕ ዕንቍን እዩ።

13ብጊዜ ቐውዒ ዛሕሊ ኣስሓይታ ከም ዘሐጉስ፥ እሙን ልኡኽ ድማ ነቲ ዝለኣኾ ኸምኡ እዩ፤ ንሱ ንነፍሲ ጐይታኡ የዕርፋ እዩሞ።

14ስለ ውህብቶኡ ብሓሰት ዝጅሃር ሰብ፥ ከምቲ ዝናም ዘይብሉ ደመናን ንፋስን እዩ።

15ፈራዲ፥ ብትዕግስቲ ይልዝብ፤ ልዙብ መልሓስ ከዓ ኣዕፅምቲ ይሰብር።

16መዓር እንተ ረኸብካ፥ እምብዛ ኸይትፀግብ እሞ ኸይትተፍኦስ፥ ዝኣኽለካ ብላዕ።

17ብፃይካ ኸይመንወካ እሞ ኸይፀልአካ፥ እግርኻ ናብ ቤቱ ኣይተዘውትር።

18እቲ ኣብ ብፃዩ ብሓሰት ዝምስክር፥ ከም መዶሻን ሰይፍን በሊሕ ፍላፃን እዩ።

19ብጊዜ መከራ ኣብ ጠላሚ ሰብ ምፅጋዕ፥ ከም ዝተነቓነቐ ስንን፥ ከም ዝሰለለ እግርን እዩ።

20ንሕዙን ልቢ ዝማሬ ዝዝምረሉ፥ ከምቲ ብጊዜ ቝሪ ንመደረብታኡ ዝቕንጥጦን፥ ኣብ ቍስሉ መፂፅ ዘፍስሰሉን እዩ።

21ፀላኢኻ እንተ ጠመየ፥ እንጀራ ኣብልዓዮ፤ እንተ ፀምአውን፥ ማይ ኣስትዮ።

22ከምዙይ እንተ ደኣ ጌርካ፥ ጓህሪ ሓዊ ኣብ ርእሱ ትእክብ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽፈድየካ እዩ።

23ከምቲ ንፋስ ሰሜን፥ ዝናም ዘምፅእ፥ ሓማዪት ልሳን ድማ ገፅ ተፀውግ።

24ምስ ናግራም ሰበይቲ፥ ኣብ ሓደ ቤት ካብ ምቕማጥ፥ ኣብ ዝባን ናሕሲ፥ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ።

25ከምቲ ዝፀምአ ሰብ፥ ዝሑል ማይ እንተ ረኸበ ዝሕጐስ፥ ከምኡ ኸዓ ኻብ ርሑቕ ሃገር ብስራት ዝረኸበ ሰብ ይሕጐስ።

26ኣብ ቅድሚ ሓጥእ ዝወድቕ ፃድቕ፥ ከምቲ ዝተዘርገ ዓይኒ ማይን ከም ዝሰበበ ዒላን እዩ።

27ከምቲ ኣብዚሕኻ መዓር ምብላዕ ፅቡቕ ዘይኮነ፥ ክብሪ ርእስኻ ምድላይውን ክብሪ ኣየምፅእን።

28መንፈሱ ዘይገትእ ሰብ፥ ከምታ ቕፅሪ ዘይብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ።

ትርጓሜ

25:1-3

ኣምላኽ ንዝኾነ ይኹን ነገር ኪምርምር ኣየድልዮን እዩ፤ ካብኡ ሓንቲ እኳ ኽትሕባእ ኣይትኽእልን እያ። ግናኸ ንገዛእቲ ንቑም ነገራት ምርማርን ንሕቡእ ግብሪ ጸልማት ናብ ብርሃን ምውጻእን ክብሮም እዩ።

4,5.

ንሓደ መስፍንሲ ክፍኣት ምድራት፡ ህዝቡ ድማ ምእራም፡ ንመንግስቱ ኸድህብ ዝበለጸ መገዲ እዩ።

6,7.

ሃይማኖት ትሕትናን ባዕልኻ ምኽላእን ተምህረና። ክብሪ እግዚኣብሔር ብክርስቶስ የሱስ ዝርኣየ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዘይምብቕዑ ይስምዖ።

8-10.

ንግድል ብህጡር ምጅማር፡ ናብ ሽግራት የእቱ። ውግእ መወዳእታ ክህልዎ ግድን እዩ፡ ምትዕንቓፍ ድማ ምትሕልላፍ ዝሓይሽ እዩ። ብውልቃዊ ባእሲ እውን ከምዚ እዩ፤ እቲ ነገር ኪመዓራረ ንምግባር ዝከኣለካ ኩሉ ግበር።

11,12.

ቃል ምኽርን ወይ ተግሳጽን ብቕንዕና እተዘርበ፡ ፍሉይ ውበት ኣለዎ፡ ከምቲ ጽቡቕ ፍረ ኣብ ብሩር መርበብ መሊሱ ዝጥዕም።

13.

ንዝኾነ ዕዮ እተኣምነሉ ሰብ ዕላማኡ እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ርአ፤ ንሱ እሙን ምዃን እዩ። እሙን ኣገልጋሊ፡ መልእክተኛ ክርስቶስ፡ ንዓና ተቐባልነት ክህልዎ ይግባእ።

14.

ነቲ ዘይነበሮ ዝተቐበለ ወይ ዝሃበ ኸም ዝመሰለ ሰብ፡ ንዝናብ ዝጽበዩ ዘስቆርቁር ናይ ንግሆ ደበና እዩ።

**15.

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6