መጽሓፍ ምሳሌ 24

BCV aksumትግርኛ33 ፍቕድታት3:45 ስማዕ
ስማዕ 3:45 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ወደይ፥ ልቦም ክፍኣት እዩ ዝሓስብ፤ ከናፍሮም ድማ ኽፍኣት እየን ዝዛረባሞ፥ በቶም እኩያት ሰባት ኣይትቕናእ፤ ምስኣቶምውን ክትነብር ኣይትድለ።

3ቤት ብጥበብ ይህነፅ፥ ብምስትውዓል ከዓ ይፀንዕ።

4ብፍልጠት ካብ ኵሉ ዝኸበረን ዝፀበቐን ሃብቲ፥ ውሻጠታት ይመልእ።

5ጥበበኛ ሰብ ብርቱዕ እዩ፤ ኣእምሮ ዘለዎ ኸዓ ሓይሉ የፅንዕ።

6እምበኣር ብጥበብ ተመሪሕኻ ተዋጋእ፤ ዓወት ከዓ ብዙሕ መኸርቲ ኣብ ዘለውዎ እዩ።

7ጥበብ ንዓሻ የመና ዝረሓቐት እያ፤ ኣብ ደገ ኸዓ ኣፉ ኣይኸፍትን።

8ክፉእ ክገብር ዝሓስብ ተንኰለኛ ይበሃል።

9ዓሻ ዝሓስቦ ዅሉ ሓጢኣት እዩ፤ ዘላግፅ ሰብ ከዓ ብሰብ ፍንፉን እዩ።

10ብጊዜ መከራ እንተ ላሕሊሕኻ፥ ሓይልኻ ኽደክም እዩ።

11ነቶም ናብ ሞት ዝዅብኰቡ ኣድሕኖም፤ ናብ ማሕረዲ ዝውሰዱውን ኣናግፎም።

12“እንሆ እዝ ዅሉስ ኣይፈለጥክዎን” እንተ በልካ፥ እቲ ንልቢ ዝምርምር ኣየስተውዕልንዶ? እቲ ንነፍስኻ ዝሕሉስ ኣይፈልጥንዶ? ንነፍሲ ወከፍከ፥ ከከም ግብሩ ኣይፈድዮንዶ?

13ወደይ፥ ፅቡቕ እዩ እሞ፥ መዓር ብላዕ፤ ወለላ መዓር ንትንሓግካ ጥዑም እዩ።

14ጥበብውን ንነፍስኻ ኸምኡ ኸም ዝኾነት ፍለጥ፤ እንተ ረኺብካያ ፍፃሜኻ ሰናይ ይኸውን፤ ተስፋኻውን ኣይጠፍእን።

15ከም ሓጥእ ንቤት ፃድቕ ኣይተድብየላ፤ ነታ መንበሪኡውን ኣይትሃውካ።

16ፃድቕ ሸውዓተ ጊዜ ይወድቕ፤ ይትስእውን፤ ሓጢኣተኛታት ግና ኣብ መከራ ይወድቁ።

17ፀላኢኻ እንተ ወደቐ፥ ኣይትተሓጐስ፤ ብምስንኻሉውን፥ ልብኻ ደስ ኣይበሎ፤

18እግዚኣብሄር ነዙይ ሪኡ ብዓይኑ ኽፉእ ከይኸውን፥ ቍጥዓኡውን ካብኡ ኸይመልስ።

19በቶም ገበርቲ ኽፉእ ኣይትቈጣዕ፤ በቶም ዓመፀኛታትውን ኣይትቕናእ።

20ክፉእ ሰብ ናይ ተስፋ ፍፃሜ የብሉን፤ መብራህቲ ሓጥኣንውን ክጠፍእ እዩ።

21ወደይ፥ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፤ ንንጉስ ከዓ ኣኽብር፤ ምስ ዓመፅትውን ኣይትፀመር።

22ብድንገት መዓት ክወርዶም እዩ፤ ካብ ክልቲኦም ንዝመፅእ ጥፍኣት መን ይፈልጦ?

23እዙይውን ቃል ጠቢባን እዩ፦ ኣብ ፍርዲ ኣድልዎ ምግባር ግቡእ ኣይኮነን።

24ንሓጥእ ፃድቕ ኢኻ ንዝብሎ፥ ህዝብታት ይረግምዎ፤ ኣህዛብውን ይፀልእዎ።

25ነቶም ዝግስፅዎ ግና ደስታ ክኾነሎም እዩ፤ ኣብ ልዕሊኣቶምውን በረኸትን ሰናይ ዕድልን ክወርድ እዩ።

26ቅኑዕ መልሲ ዝህብ ከም ምስዓም ከንፈር እዩ።

27ኣብ ወፃኢ ዘሎ ስራሕኻ ኣስልጥ፤ ግራት ኣዳሉ፤ ብድሕሪኡ ገዛኻ ስራሕ።

28ብዘይ ምኽንያት መስኪርካ ንብፃይካ ኣይትጕድኣዮ፤ ብኸናፍርካ ድማ ኣይትጠብሮ።

29“ከምታ ዝገበረኒ ኽገብሮ፥ ከም ግብሩውን ክፈድዮ እየ” ኣይትበል።

30ብግራት ሃካይ፥ ብናይቲ ዓሻ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ሓለፍኩ፤

31እንሆ ድማ፥ ኣብ ኵሉ ዃዂቶ በቚልዎ፥ ቈጥቋጥ ውሒጥዎ፥ እቲ መካበብያ እምኒውን ፈሪሱ ነበረ።

32ብምስትውዓል ተመልከትክዎ፤ ንእኡ ሪአውን ትምህርቲ ረኸብኩ፤

33ትኽስ ዝብልን ዝድቅስን፥ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ዝውዕልን ሰብ፥

34ድኽነትን ስእነትን፥ ከም ኣፅዋር ዝዓጠቐ ሽፍታ፥ ድንገት ይመፃኦ።

ትርጓሜ

24:1,2 ሓጥኣን ኣይትቐንኣዮም። እምብኣርከስ፡ ሓንቲ እኳ ትምኒት፡ ኦ! ንእገዳታት እንተ ሰበርኩዎም! ኢላ ናብ ልብኻ ኣይትእቶ።

3-6. እግዚኣብሔር ምፍራህን ኣብ ግዳማዊ ተግባራት ዘሎ ጥንቃቐን ክልቲኦም ሓደ ጠቢብ ሰብ ንምምላእ ብሓደ ይኸዱ። ብፍልጠት ነፍሲ ብጸጋታትን ምጽንናዕን መንፈስ ትምላእ፡ እዚ ድማ እቲ ክቡርን ጥዑምን ሃብቲ እዩ። መንፈስ ድማ ብሓቀኛ ጥበብ ንመንፈሳዊ ዕዮን ንመንፈሳዊ ውግእን ይብርትዕ።

7-9. ድኹም ሰብ ጥበብ ንዕኡ ልዕል ዝበለት እያ ኢሉ ይሓስብ፡ ስለዚ ድማ ንኣኣ ጻዕሪ ኣይገብረላን። ክፍኣት ምግባር ሕማቕ እዩ፡ ግናኸ ንክፍኣት ምሕሳብ ዝገድድ እዩ። እኳ ደኣ እቲ ኣብ ልቢ ዝጅምር ናይ ሓጢኣት ምብርዓም እውን ሓጢኣት እዩ፡ ስለዚ ክንጸጸተሉ ይግባእ። ንኻልኦት ጽሉኣት ንምግባር ዝጽዕሩ፡ ንርእሶም ጽሉኣት ይገብሩ።

10. ኣብ እዋን ሽግር ካብ ምድሓን ተስፋ ንቖርጽ። ግናኸ ትብዓት ይሃልወካ፡ ኣምላኽ ድማ ልብኻ ከበርትዖ እዩ።

11,12. ሓደ ሰብ ጎረቤቱ ብዝኾነ ዘይቅኑዕ ተግባር ብሓደጋ ከም ዝርከብ እንተ ፈለጠ፡ ንምድሓኑ ድማ ኣብ ዘለዎ ኲሉ ክገብር ግዴታ ኣለዎ። እሞኸ፡ ምኽርናን ኣርኣያናን መገዲ ምኽልኻል ዝኾኑሉ ከለዉስ፡ ዘይሞታውያን ነፍሳት ክጠፍኣ ምፍቓድ እንታይ ማለት እዩ፧

13,14.

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6