1ተግሳፅ ዝፈቱ ፍልጠት ይፈቱ፤ ተግሳፅ ዝፀልእ ግና ዓሻ እዩ።
2ሕያዋይ ሰብ ካብ እግዚኣብሄር ሞገስ ይረክብ፤ ንተንኰለኛ ግና ይቐስፎ።
3ንሰብ ዓመፅ ኣየፅንዖን፤ ሱር ፃድቃን ግና ነቕ ኣይብልን እዩ።
4ለባም ሰበይቲ ንሰብኣያ ዘውዲ እያ፤ ነውራም ሰበይቲ ግና ኣብ ኣዕፅምቱ ኸም ቍንቁነ እያ።
5ሓሳብ ፃድቃን ቅኑዕ እዩ፤ ምኽሪ ሓጥኣን ግና ተንኰል እዩ።
6ዘረባ ሓጥኣን ደም ንምፍሳስ ተድቢ፤ ኣፍ ቅኑዓት ግና የናግፎም።
7ሓጥኣን ይግልበጡ፥ መሊሶምውን ኣይርከቡን፤ ቤት ፃድቃን ግና ፀኒዑ ይነብር።
8ሰብ ብመጠን ፍልጠቱ ይነኣድ፤ ቀይናን ዝልቡ ግና ይነዓቕ።
9ካብቲ እንጀራ ጐዲልዎ እንተሎ ንባዕሉ ዘኽብር ሰብ፥ እቲ ንባዕሉ ባርያ ኾይኑ ዝተጠቕዐ ሰብ ይሐይሽ።
10ፃድቕ ሰብ ንነፍሲ እንስሳኡ ይርህርህ፤ ልቢ ሓጥኣን ግና ጨካን እዩ።
11መሬቱ ዝሓርስ ሰብ፥ እንጀራ ይፀግብ፤ ንኸንቱ ነገር ዝጐዪ ግና ኣእምሮ ዝጐደሎ እዩ።
12ፍቓድ ሓጥኣን መፃወድያ ኽፍኣት እያ፤ ሱር ፃድቃን ግና ፍረ ይህብ።
13ክፉእ ሰብ ብሓጢኣት ከንፈሩ ይጥለፍ፤ ፃድቕ ግና ኻብ መከራ የምልጥ።
14ነፍሲ ሰብ፥ ብፍረ ኣፉ ሰናይ ነገር ትፀግብ፤ ሰብ ድማ ኸም ስራሕ ኢዱ ይፍደ።
15መንገዲ ዓሻ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቕንዕቲ እያ፤ ለባም ግና ምኽሪ ይሰምዕ።
16ኵራ ዓሻ ሽዑ ንሽዑ ይፍለጥ፤ ለባም ሰብ ግና ንነውሪ ይሓብእ።
17ሓቂ ዝዛረብ ቅንዕና የውሪ፤ ሓሳዊ ምስክር ግና ጥበራ የውሪ።
18ከም ዝዋጋእ ሰይፊ ዝልፍልፍ ሰብ ኣሎ፤ መልሓስ ጠቢባን ግና ጥዒና እዩ።
19ሓቀኛ ኸንፈር ንዘለኣለም ትነብር፤ ሓሳዊት መልሓስ ግና ኸም ቅፅበት ዓይኒ እያ።
20ኣብ ውሽጢ ልቢ እቶም ክፉእ ዝሓስቡ፥ ተንኰል ኣሎ፤ እቶም ሰላም ዝመኽሩ ግና ደስታ ኣለዎም።
21ንፃድቕ ክፉእ ኣይረኽቦን፤ ሓጥኣን ግና ኽፍኣት ዝተመልኡ እዮም።
22ሓሰውቲ ኸናፍር ብእግዚኣብሄር ኣፀየፍቲ እየን፤ እቶም ሓቀኛታት ግና የሐጕስዎ።
23መስተውዓሊ ፍልጠቱ ይስውር፤ ልቢ ዓያሹ ግና ዕሽነት የውሪ።
24ኢድ ትጉህ ትገዝእ፤ ኢድ ሃካይ ግና ትግብር።
25ንሰብ ኣብ ልቡ ዘሎ ሓዘን የዋርዶ፤ ሰናይ ቃል ግና የሐጕሶ።
26ፃድቕ ንብፃዩ መንገዲ የርእዮ፤ ንሓጥኣን ግና መንገዶም የጋግዮም።
27ሃካይ ሰብ ሃዲኑ ዘምፅኦ እኳ ኣይጠብስን፤ ትግሃት ግና ንሰብ ዝኸበረ ሃብቲ እያ።
28ኣብ መንገዲ ፅድቂ ህይወት ኣሎ፤ ኣብ መንገዳውን ሞት የለን።