1ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ፥ ደቂ እስራኤል ተኣኪቦም፥ ወጮ ተኸዲኖም፥ ሓመድ ኣብ ርእሶም ነስኒሶም ፆሙ።
2ደቂ እስራኤል ካብ ኵሎም ባዕዳን ተፈለዩ። ደው ኢሎም ከዓ ብሓጢኣቶምን ብበደል ኣቦታቶምን ተናዘዙ።
3ኣብታ ስፍራኦም ደው ኢሎም፥ ሰለስተ ሰዓት መፅሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ኣንበቡ፤ ሰለስተ ሰዓት ድማ ተናዘዙ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ሰገዱ።
4እቶም ሌዋውያን ኢያሱ፥ ባኒ፥ ቀድምኤል፥ ሰበንያ፥ ቡኒ፥ ሰራብያ፥ ባኒ፥ ክናኒ ኾይኖም ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ንሌዋውያን ዝተሰርሐ መድረኽ ደው በሉ፤ ብብርቱዕ ድምፂ ዓው ኢሎም ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ፀለዩ።
5እቶም ሌዋውያን ኢያሱ፥ ቀድምኤል፥ ባኒ፥ ኣሰበንያ፥ ሰራብያ፥ ሆዲያ፥ ሰበንያ፥ ፈታያ ኾይኖም ከምዙይ በሉ፦ “ተስኡ፤ ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ንዝነብር ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ባርኹ፤ ከምዙይ ከዓ” በሉ፦ “እቲ ልዕሊ ዅሉ በረኸትን ምስጋናን ልዕል ዝበለ ኽቡር ስምካ ይባረኽ።”
6ኦ ጐይታ፥ እወ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እግዚኣብሄር፤ ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ኵሉ ሰራዊቶምን፤ ምድርን ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ዅሉን፥ ባሕርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ። ነዝ ኵሉ ብህይወት እተንብሮ ኸዓ ንስኻ ኢኻ፤ ሰራዊት ሰማይውን ይሰግዱልካ።
7“ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኢኻ፤ ንኣብራም ዝሓረኻዮ፥ ካብ ኡር ሃገር ከለዳውያን ኣውፃእኻዮ፤ ስሙ ድማ ኣብርሃም ኢልካ ሰመኻዮ።
8ንሱ ኣብ ቅድሜኻ እሙን ኮይኑ ስለ ዘረኸብካዮ ድማ ምስኡ ኺዳን ኣተኻ። ዘርኡ ኣብኣ ምእንቲ ኽነብሩ ኸዓ ምድሪ ከነዓናውያንን፥ ሄታውያንን፥ ኣሞራውያንን፥ ፌርዛውያንን፥ ኢያቡሳውያንን፥ ጌርጌሳውያንን ሃብካዮ። ንስኻ ፃድቕ ስለ ዝኾንካ፥ ነቲ ቓልካ ፈፀምካዮ።
9“ኣብ ግብፂ፥ እንተለዉውን ጭንቀት ኣቦታትና ረአኻ፤ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ እንተለዉ ድማ ኣውያቶም ሰማዕኻ።
10ኣብ ልዕሊ ፈርዖንን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ሰራዊቱን ኣብ ዅሉ ህዝቢ ሃገሩን ትእምርትን ተኣምራትን ገበርካ። ንሳቶም ከም ዝገፍዕዎም ፈሊጥካ ነበርካ እሞ፥ ከምዝ ናይ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ስምካ ኣፀዋዕኻ።
11ነቲ ባሕሪ ኣብ ቅድሚኣቶም ንኽልተ ሰንጠቕካዮ፤ ንቑፅ እናረገፁ ኸዓ ብእኡ ሓለፉ። ነቶም ዝስዕብዎም ግና ኣብ ማዕበል ማያት ደርበኻዮም፤ ከም እምኒ ድማ ኣብ መዓሙቕ ሰጠሙ።
12በቲ ዝኸድዎ መንገዲ፥ ብመዓልቲ ብዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ድማ ምእንቲ ኽተብርሀሎም ብዓምዲ ሓዊ መራሕኻዮም።
13“ናብ ልዕሊ እምባ ሲና ወረድካ፤ ካብ ሰማይ ድማ ተዛረብካዮም። ቅኑዕ ዝኾነ ፍርድታትን ሕግጋትን፥ ፅቡቕ ስርዓታትን ትእዛዛትን ከዓ ሃብካዮም።
14ነታ ቅድስቲ ሰንበትካ ኣፍለጥካዮም፤ ትእዛዛትን ስርዓታትን ሕግን ድማ ብኢድ ባርያኻ ሙሴ ኣዘዝካዮም።”
15ምስ ጠመዩ ኻብ ሰማይ መና ኣውሪድካ ሃብካዮም፤ ምስ ፀምኡ ኸዓ ኻብ ኰዅሒ ማይ ኣውፃእኻሎም። እታ ንኣኣቶም ክትህቦም ዘተስፈኻዮም ምድሪ ምእንቲ ኽወርስዋ ናብኣ ኽኣትዉ ኣዘዝካዮም።
16“ንሳቶምን ኣቦታትናን ግና ተዓበዩ፤ ክሳውዶም ኣትረሩ፤ ንትእዛዛትካውን ኣይሰምዑን።
17ምስማዕ ኣበዩ፤ እቲ ዝገበርካሎም ተኣምራትውን ኣይዘከሩን፤ ክሳውዶም ኣትሪሮም፥ ብዓመፃኦም ናብ ባርነት ግብፂ ንኽምለሱ ሓለቓ ሸሙ። ንስኻ ግና ኣምላኽ ይቕረታን ሰናይን ርህሩህን ኢኻ፤ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ በዓል ብዙሕ ምሕረት ኢኻ እሞ፥ ኣይሓደግካዮምን።
18ወርቂ ኣፍሲሶም ብምስሊ ምራኽ ጣዖት ገበሩ፤ ‘እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና እዙይ እዩ’ እናበሉ ኬርና ኣቘጥዑኻ።
19“ንስኻ ግና ብብዝሒ ምሕረትካ፥ ኣብ በረኻ ኣይሓደግካዮምን፤ እቲ ብመዓልቲ መንገዲ ዝመርሖም ዝነበረ ዓምዲ ደመና፥ ብለይቲ ነቲ ዝኸዱሉ መንገዲ ዘብርሀሎም ዝነበረ ዓምዲ ሓዊ ካብኣቶም ኣይረሓቐን።
20ዝምህሮም ሰናይ መንፈስካ ሃብካዮም፤ መናውን ካብ ኣፎም ኣየጕደልካን። ምስ ፀምኡ ድማ ማይ ሃብካዮም።
21ኣብ ምድረ በዳ ሓደኳ እንተየጕደልካ፥ ኣርብዓ ዓመት መገብካዮም። ዝደለይዎ ዅሉ ኣይሰኣኑን፤ ክዳውንቶም ኣይበለየን፤ ኣእጋሮምውን ኣይሓበጠን።
22“መንግስታትን ሃገራትን ከፊልካ ሃብካዮም፤ ንጉስ ሴዎን ዝገዝኣ ሃገር ሓሴቦንን ንጉስ ዓግ ዝገዝኣ ባሳንን ወረሱ።
23ንደቆም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛሕኻዮም፤ ናብታ ነቦታቶም ክኣትዉዋን ክወርስዋን ዘተስፈኻዮም ምድሪ ድማ ኣእተኻዮም።
24እቶም ደቆም ከዓ ነታ ሃገር ኣትዮም ወረስዋ፤ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ከነዓናውያን ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፋእኻዮም፥ ንነገስታትን ንህዝብታት እታ ሃገርን፥ ዝደለዩ ኽገብርዎም ድማ ኣብ ኢዶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም።
25ህዝብኻ ዝተዓረዳ ኸተማታትን ልሙዕ ምድርን ሓዙ። ኵሉ ፅቡቕ ነገር ዝመልኣ ኣባይትን ዝተዅዓተ ሓፅብታትን ወይንታትን ኣዋልዕን ብዙሕ ፈራዪ ኣእዋምን ድማ ወረሱ እሞ፥ በቲ ዓብዪ ለውሃትካ በልዑን ፀገቡን ሰብሑን ተሓጐሱን።
26“ንሳቶም ግና እምቢተኛታት ኮይኖም ኣበዩን ካባኻ ኸድዑን፤ ንሕግኻ ድማ ንድሕሪኦም ደርበይዎ። ነቶም ናባኻ ኽምለሱ ዝመዓድዎም ነቢያትካ ቐተልዎም፤ ንኣኻውን የመና ኣቘጥዑኻ።
27ስለዙይ ናብ ኢድ ፀላእቶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም፤ ንሳቶምውን ኣጨነቕዎም። ብጊዜ መከራኦም ግና ናባኻ ኣእወዩ፤ ንስኻ ድማ ኻብ ሰማይ ሰማዕኻ፤ ከምቲ ብዙሕ ምሕረትካውን ካብ ኢድ ፀላእቶም ዘድሕንዎም መራሕቲ ሃብካዮም።
28“ዕረፍቲ ምስ ረኸቡ ግና፥ መሊሶም ኣብ ቅድሜኻ ኽፉእ ገበሩ፤ ሽዑ ድማ ኣብ ኢድ ፀላእቶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም እሞ ገዝእዎም። ተመሊሶም ከዓ ናባኻ ምስ ኣእወዩ፤ ንስኻ ድማ ካብ ሰማይ ሰማዕኻዮም፤ ከም ምሕረትካውን ብዙሕ ጊዜ ኣድሓንካዮም።
29“ናብ ሕግኻ ኽትመልሶም ኢልካ ድማ መዓድካዮም። ንሳቶም ግና ተዓበዩ፤ ንትእዛዛትካውን ጠሓሱ። ነቲ ሰብ እንተ ፈፀሞ፥ ህይወት ዝህብ ስርዓታትካ ብምጥሓስ በደሉ፤ ብትዕቢት ዝባኖም መለሱልካ፤ ክሳዶም ኣትሪሮም ድማ ምስማዕ ኣበዩ።
30ግና ብዙሕ ዓመታት ተዓገስካዮም፤ ብኢድ ነቢያትካ ብመንፈስካ መስከርካሎም፤ ንሳቶም ግና ኣእዛኖም ኣይመለሱልካን። ሽዑ ናብ ኢድ ሃገራት ኣህዛብ ኣሕሊፍካ ሃብካዮም።
31ግና ንስኻ ምሕረትካ ብዙሕ ስለ ዝኾነ ፈፂምካ ኣየጥፋእኻዮምን፤ ኣይሓደግካዮምንውን፤ ንስኻ ለዋህን መሓርን ኣምላኽ ኢኻ እሞ።
32“ሕዚ ድማ፥ ኦ ኣምላኽና፥ ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ ዓቢይን ብርቱዕን እትፍራሕን ኣምላኽ፥ እቲ ንኣናን ንነገስታትናን ንኣሕሉቕናን ንኻህናትናን ነቦታትናን ንዅሉ ህዝብኻን ካብ ዘመን ነገስታት ኣሶር ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዝረኸበና መከራ ንእሽተይ ኮይኑ ኣይረአኻ።
33ንስኻስ በቲ ዅሉ ኣባና ዝበፅሐ ፃድቕ ኢኻ፤ ንሕና በደልና እምበር፥ ንስኻስ በቲ ዝገበርካዮ ቕኑዕ ኢኻ።
34ነገስታትናን ኣሕሉቕናን ካህናትናን ኣቦታትናን ሕግኻ ኣይሓለዉን፤ ንዝመስከርካሎም ትእዛዛትካን ምስክርነትካን ኣይሰምዑን።
35ኣብ መንግስቶም እንተለዉ ኣብታ ብብዝሒ ለውሃትካ ዝሃብካዮም ገፋሕን ልምዕትን ምድሪ እንተለዉ ኣየምለኹኻን፤ ካብ ክፉእ ግብሮምውን ኣይተመለሱን።
36“እንሆ፥ ሎሚ ንሕና ባሮት ኢና፤ ኣብታ ፍረኣን በረኸታን ክበልዑ ነቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ፥ እንሆ፥ ንሕና ኣብኣ ባሮት ኴንና ኣለና።
37እቶታ ድማ ነቶም ብሰንኪ ሓጢኣትና ኣብ ልዕሌና ዝሸምካዮም ነገስታት ኮይኑ ኣሎ፤ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ጥሪትናን ከም ዝደለዩ ይገብሩ ኣለዉ፤ ንሕና ኸዓ ኣብ ዓብዪ መከራ ኢና ዘለና።
38በዝ ዅሉ ዝወረደና ድማ ብፅሑፍ ቃል ኪዳን ንኣቱ ኣለና፤ ኣሕሉቕናን ሌዋውያንን ከዓ ማሕተሞም ይገብሩሉ ኣለዉ።”