ወንጌል ማርቆስ 8

BCV aksumትግርኛ38 ፍቕድታት5:21 ስማዕ
ስማዕ 5:21 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1በቲ ቕነ እቱይ ብዙሕ ህዝቢ መሊሱ ተኣከበ፤ ዝብላዕ ግና ኣይነበሮምን እሞ፥ ኢየሱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፦

2“እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ምሳይ ሰለስተ መዓልቲ ገይሮም እዮም፤ ዝብላዕ ከዓ የብሎምን እሞ፥ የሕዝኑኒ ኣለዉ።

3ካብኣቶም ገሊኣቶም ካብ ርሑቕ ዝመፁ እዮም እሞ፥ ብጥሙዮም ነናብ ገዛኦም እንተ ኣፋነኹዎም፥ ኣብ መንገዲ ኽደኽሙ እዮም” በሎም።

4ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ነዝ ዅሉ ህዝቢ፥ ኣብዝ በረኻ እዙይ እንጀራ ኸፅግብ ዝኽእል መን እዩ?” ኢሎም መለሱሉ።

5ኢየሱስ ከዓ “ክንደይ ዝኣክል እንጀራ ኣለኩም?” ኢሉ ጠየቖም፤ ንሳቶም ድማ “ሸውዓተ” በልዎ።

6ነቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ኽቕመጡ ኣዘዞም፤ ነተን ሸውዓተ እንጀራ ሒዙ ኣመስጊኑ ቘረሰ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ኸቕርቡሎም ሃቦም፤ ንሳቶም ከዓ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡሎም።

7ቁሩብ ዓሳውን ነበሮም፤ ንእኡውን ባሪኹ፥ ከቕርቡሎም ኣዘዘ።

8በሊዖም ፀገቡ፤ ዝተረፈ ቝርስራስ ከዓ፥ ሸውዓተ መሶብ ሙሉእ ኣልዓሉ።

9እቶም ዝበልዑ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ነበሩ። ሽዑ ድማ ክኸዱ ኣፋነዎም።

10ድሕሪዙይ ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብ ጃልባ ደዪቡ ናብ ሃገር ደልማኑታ(ሀ) ኸደ።

11ፈሪሳውያን ናብ ኢየሱስ መፂኦም ክከራኸርዎ ጀመሩ፤ ክፍትንዎውን፥ “ካብ ሰማይ ምልክት ኣርእየና” ኢሎም ጠየቕዎ።

12ኢየሱስ ድማ ብመንፈሱ እናሓዘነ፥ “እዝ ትውልዲ እዙይ ንምንታይ እዩ ምልክት ዝደሊ ዘሎ? ነዝ ትውልዲ እዙይ ምልክት ከም ዘይወሃቦ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በለ።

13ሓዲግዎም ድማ ናብ ጃልባ ደየበ፤ ናብ ማዕዶውን ተሳገረ።

14ደቀ መዛሙርቱ ምሓዝ እንጀራ ስለ ዝረስዑ፥ ኣብ ጃልባ እንትርፊ ሓደ እንጀራ ኻልእ ኣይነበሮምን።

15ኢየሱስ ድማ “ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያንን ሄሮድስን ተጠንቀቑ” ኢሉ ኣዘዞም።

16ንሳቶም ድማ ንስንሳቶም “እንጀራ ስለ ዘይሓዝና ድዩ ኸምዙይ ዝብለና ዘሎ?” ተበሃሃሉ።

17ኢየሱስ ድማ ፈሊጡ፦ “ስለ ምንታይ እንጀራ ብዘይ ምሓዝኩም፥ ንስንሳትኩም ትዘራረቡ? ገናዶ ኣይተረድአኩምን እዩ? ወይ ኣይተስተውዕሉን ዲኹም? ልብኹምከ ደንዚዙ ድዩ?

18ዓይኒ እንተለኩም ኣይትሪኡንዶ? እዝኒ እንተለኩምከ ኣይትሰምዑንዶ? ኣይትዝክሩንዶኸ ኢኹም?

19እቲ ሓሙሽተ እንጀራ ንሓሙሽተ ሽሕ ምስ ቈረስኩ፥ ቍርስራስ ዝመልአ ኽንደይ መሶብ ኣልዓልኩም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ዓሰርተ ኽልተ” በልዎ።

20“እቲ ሸውዓተ እንጀራ ነርባዕተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ፥ ቍርስራስ ዝመልአ ኽንደይ መሶብ ኣልዓልኩም?” ንሳቶም ድማ “ሸውዓተ” በልዎ።

21ንሱ ኸዓ “ስለ ምንታይ ደኣ ዘይተስተውዕሉ?” በሎም።

22ናብ ቤተ ሳይዳ ምስ መፁ ድማ፥ ንሓደ ዕዉር ናብኡ ኣምፂኦም ክድህስሶ ለመንዎ።

23ነቲ ዕዉር ብኢዱ ሒዙ ኻብታ ኸተማ መሪሑ ኣውፅኦ፤ ናብ ኣዒንቱ እንትፍ ኢሉውን፥ ኢዱ ኣንበረሉ፤ “ዝኾነ ነገርዶ ትርኢ ኣለኻ?” ኢሉውን ጠየቖ።

24ቆላሕ ኢሉ ድማ “ሰባት ከም ኣእዋም እንትመላለሱ እርኢ ኣለኹ” በለ።

25ኢየሱስ መሊሱ ኢዱ ኣብ ኣዒንቱ ኣንበረሉ እሞ፥ ኣፀቢቑ ረአየ፤ ኵሉውን በሪሁ ተርኣዮ።

26ኢየሱስ ከዓ “ናብ ዓዲ ኣይትእቶ፤ ኣብ ከተማ ድማ ንሓደ እኳ ኣይትንገር” ኢሉ ናብ ገዛኡ ሰደዶ።

27ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ዓድታት ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ከደ፤ ኣብ መንገዲ ድማ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ “ሰብ፥ መን እዩ፥ ይብለኒ?” ኢሉ ጠየቖም።

28ንሳቶም ድማ “ገሊኣቶም ‘መጥምቕ ዮሃንስ’ ካልኦት ድማ ‘ኤልያስ’ ካልኦትውን ‘ሓደ ኻብ ነቢያት እዩ’ ይብሉኻ” በልዎ።

29ንሱ ድማ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ?” በሎም። ጴጥሮስ ከዓ “ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።

30ሽዑ ብዛዕባኡ ንሓደኳ ኸይነግሩ ኣበርቲዑ ኣጠንቀቖም።

31ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኽቕበል፥ ብሽማግለታት ህዝብን፥ ብሊቃነ ካህናትን፥ ብመምህራን ሕግን ክነዓቕን ክቕተልን፥ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ እውን ክትስእ ከም ዘለዎ ኽምህሮም ጀመረ።

32ነዝ ነገር እዙይ ድማ ኣግሂዱ ተዛረቦም። ሽዑ ጴጥሮስ ኣግልል ኣቢሉ “እዙይ ኣይኸውንን” በሎ።

33ኢየሱስ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልፅ ኢሉ እናጠመተ፥ ንጴጥሮስ፥ “ናይ ሰብ እምበር፥ ናይ እግዚኣብሄር ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ ኣታ ሰይጣን፥ ካባይ ረሓቕ!” ኢሉ ገሰፆ።

34ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ ኸምዙይ በሎም፦ “እቲ ክኽተለኒ ዝደሊ፥ ንባዕሉ ይኽሓድ፤ መስቀሉ ተሸኪሙ ኸዓ ይከተለኒ።

35እቲ ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዘጥፍኣ ግና፥ ከድሕና እዩ።

36ሰብ ብዅሉ ዓለም ረቢሑ፥ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ?

37ሰብከ ቤዛ ነፍሱ እንታይ ምሃበ?

38እቲ ኣብዝ ዘማውን ሓጥእን ዝኾነ ትውልዲ እዙይ፥ ብኣይን ብቓለይን ዝሓፍር፥ ወዲ ሰብ ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መፀ፥ ብእኡ ኽሓፍር እዩ።”

ትርጓሜ

8:1-10 ጐይታና የሱስ ነቶም ዝተዋረዱ ህይወትን ጸጋን ንምርካብ ናብኡ ኪመጹ ኣተባብዐ። ክርስቶስ ንኵነታትና ይፈልጥን የስተብህለሉን። ልግሲ ክርስቶስ ኩሉ ሳዕ ድሉው እዩ፣ ነዚ ንምግላጽ ከኣ ነዚ ተኣምር እዚ ደገሞ። ጸጋታቱ ድማ ከምቲ ድሌትናን ጥርናፌናን ዝኸውን ይሕደሱ። እቶም ብእምነት ብክርስቶስ ዝመሓደሩ፣ እሞ ብምስጋና ከምኡ ዝገብሩ፣ ጥርናፌ ኪፈርሑ ኣየድልዮምን።

8:11-21

ጽኑዕ ዘይምእማን፡ ምኽንያታዊ ዘይኮነ እኳ እንተኾነ፡ ዘረባ ይህልዎ። ክርስቶስ ንሕቶኦም ምላሽ ምሃብ ኣበየ። ክእመኑ እንተዘይደልዮም፡ ኣይኪእመኑን እዮም። ወይለኸ! ብግጉይን ጽኑዕን ዘይምእማኖምን፡ ንወንጌል ብምጽራሮምን ርእሶምን ካልኦትን ንዘጥፍኡ ኣብ ከባቢና ንዘለዉ ሰባት ክንበኽየሎም ክሳዕ ክንደይ ምኽንያት ኣሎና። ንግብሪ ኣምላኽ ክንርስዕ ከለናን ኣባኡ ዘይንእመን ምስ እንኸውንን፡ ከምቲ ክርስቶስ ኣብዚ ንደቀ-መዛሙርቱ ዝገሠጾም፡ ርእስና ብትሪ ክንወቕስ ይግባእ። ከመይ ኢሉ እዩ እምባኣር ንትርጉም ቃሉ ብዙሕ ግዜ እንስሕት፡ ንመጠንቀቕታኡ እንዘንጎ፡ ከምኡውን ንኣምላኻዊ ምምሕዳሩ እንጠራጠር?

8:22-26 ኣብዚ ሓደ ዕዉር ብኣዕሩኹ ናብ ክርስቶስ ቀሪቡ ኣሎ። እዚ ድማ እምነት እቶም ዘምጽእዎ ኣርኣየ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6