ወንጌል ማቴዎስ 6

BCVትግርኛ32 ፍቕድታት5:16 ስማዕ
ስማዕ 5:16 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1“ብሰብ ምእንቲ ኽትረአዩ ኢልኩም፥ ምፅዋትኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኮነ፥ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም፥ ዓስቢ የብልኩምን።

2እምበኣርከስ ንስኻ ኽትምፅውት እንተለኻ፥ እቶም ግብዛት፥ ብሰብ ምእንቲ ኽረአዩ፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎትን ኣውራ መንገድታትን ከም ዝገብርዎ፥ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይትንፋሕ። ንሳቶም ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

3ንስኻ ግና ኽትምፅውት እንተለኻ፥ የማነይትኻ እትገብሮ ፀጋመይትኻ ኣይትፍለጦ፤ ምፅዋትካ ብሕቡእ ይኹን፤ እቲ ብስዉር ዝርኢ ኣቦኻ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ እሞ።

5“እቶም ግብዛት ብሰብ ምእንቲ ኽረአዩ፥ ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣብያተ ፀሎትን፥ ኣብ ቀራናታት መንገድን፥ ደው ኢሎም ክፅልዩ ይደልዩ እዮም እሞ፥ ክትፅልዩ እንተለኹም ከምኣቶም ኣይትኹኑ፤ ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

6ንስኻ ግና ኽትፅሊ እንተለኻ፥ ናብ ገዛኻ እቶ፤ ማዕፆኻ ዓፂኻ ድማ፥ ናብቲ ብስዉር ዘሎ ኣቦኻ ፀሊ። እቲ ብስዉር ዝርኢ ኣቦኻ ድማ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ።

7“ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኣቶም ዝስምዑ እዩ ዝመስሎም እሞ፥ ክትፅልዩ እንተለኹም ከምኣቶም ከንቱ ዘረባ ኣይተብዝሑ።

8ንስኻትኩም ግና ሰማያዊ ኣቦኻትኩም እንተይለመንኩምዎ፥ ዘድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፥ ኣይትምሰልዎም።

9“ንስኻትኩምስ ክትፅልዩ እንተለኹም ከምዙይ በሉ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፥ ስምካ ይቀደስ፤

10መንግስትኻ ትምፃእ፤ ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን፤

11ናይ ዕለት ምግብና ሎሚ ሃበና፤

12ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ኸም እንብለሎም፥ በደልና ይቕረ በለልና፤

13ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፥ ናብ ፈተና ኣይተእትወና፤ መንግስትን ሓይልን ክብርን(ሀ) ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፥ ኣሜን።’

14“ንሰብ በደሎም እንተ ሓዲግኩምሎም፥ ንኣኻትኩም ድማ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም በደልኩም ክሓድገልኩም እዩ።

15ንሰባት በደሎም ይቕረ እንተ ዘይልኩምሎም ግና፥ ንኣኻትኩምውን ኣቦኻትኩም በደልኩም ይቕረ ኣይብለልኩምን።

16“እቶም ግብዛት ፀወምቲ ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኽረአዩ፥ ገፆም የፀምልዉ እዮም እሞ፥ ክትፆሙ እንተለኹም፥ ከምኣቶም ገፅኩም ኣይተፀምልዉ። ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ(ለ) ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

17ንስኻ ግና ኽትፀውም እንተለኻ፥ እቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ እምበር፥ ከም እትፀውም ሰብ ከይፈልጥ ርእስኻ ተቐባእ፤ ገፅካውን ተሓፀብ። እቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኻ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ።

19“ብልዕን ምምራትን(ሐ) ኣብ ዘበላሽዎ፥ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዝሰርቅዎ፥ ንኣኻትኩም ኣብ ምድሪ ሃብቲ ኣይትኣክቡ።

20ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘየበላሽዎ፥ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ ሃብቲ ኣክቡ እምበር።

21ሃብትኻ ኣብ ዘለዎ ልብኻ ኣብኡ ኣሎ እሞ።

22“ናይ ሰብነት መብራህቲ ዓይኒ እዩ፤ እምበኣር ዓይንኻ ጥዑይ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኵሉ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን።

23ዓይንኻ ሕሙም እንተ ኾይኑ ግና፥ ኵሉ ሰብነትካ ፀልማት ይኸውን፤ እምበኣር እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን፥ ፀልማት ካብ ኮነ፥ ምፅልማቱ ኽንደይ ኮን ይብርትዕ!

24“ሓደ ኣገልጋሊ ንኽልተ ጐይቶት ከገልግል ኣይኽእልን፤ ነቲ ሓደ ኽፀልእ፥ ነቲ ሓደ ኸፍቅር እዩ፤ ወይ ከዓ ነቲ ሓደ ከኽብር ነቲ ሓደ ኽንዕቕ(መ) እዩ። እምበኣር ንእግዚኣብሄርን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

25ስለዙይ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ። ህይወት ካብ መብልዕ፥ ሰብነት ከዓ ኻብ ክዳንዶ ኣይበልፅን እዩ?

26ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፤ ናይ ሰማይ ኣቦኻትኩም ደኣ ይምግቦም እምበር፥ ኣይዘርኡ፥ ኣይዓፅዱ፥ ኣብ ማዕኸንውን ኣይእክቡን እዮም። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻብኣቶም የመና ኣይትበልፁን?

27ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ፥ ኣብ ልዕሊ ቑመቱ ሓንቲ እመት ክውስኽ ዝኽእል መን እዩ?

28ብዛዕባ ኽዳንከ ስለ ምንታይ ትጭነቑ? ዕምበባታት በረኻ ኣይፈትሉን፥ ኣይደኽሙን፥ ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ተመልከቱ።

29ኣነ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ፥ ካብኣቶም ከም ሓደ ኸም ዘይተኸድነ እብለኩም ኣለኹ።

30እግዚኣብሄር ነዝ ሎሚ ዘሎ፥ ፅባሕ ግና ናብ እቶን ዝድርበ ሳዕሪ በረኻ፥ ከምዙይ ገይሩ ዝኸድኖ ኻብ ኮነ ደኣ፥ ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም፥ ንኣኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣብሊፁ ዘይኸድነኩም!

31እምበኣር ‘እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንታይ ክንሰቲ ኢና? እንታይከ ኽንክደን ኢና?’ ኢልኩም ኣይትጨነቑ።

32ነዙይ ኵሉስ ኣህዛብውን ይደልይዎ እዮም፤ ንኣኻትኩም ግና እዝ ዅሉ ኸም ዘድልየኩም፥ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ይፈልጥ እዩ።

33ንስኻትኩም ግና፥ ኣቐዲምኩም መንግስቲ እግዚኣብሄርን ፅድቁን ደኣ ድለዩ፤ እዝ ዅሉ ድማ ኽውሰኸኩም እዩ።

34እምበኣርከስ፥ ፅባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፥ ብዛዕባ ፅባሕ ኣይትጨነቑ፤ ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ እዩ።”

ትርጓሜ

6:1-4 ጐይታና ድሕሪኡ ኣብ ሃይማኖታዊ ግቡኣት ካብ ግብዝነትን ግዳማዊ ምርኢትን ኣጠንቂቑ። እቲ እንገብሮ ካብ ውሽጣዊ መትከል ዝብገስ ክኸውን ኣለዎ፣ ምእንቲ ብኣምላኽ ቅቡላት ክንከውን እምበር ብሰብ ክንውደስ ኣይኮነን። ኣብዚኣተን ጥቕስታት ብዛዕባ ኣብ ምሃብ ምጽዋት ካብ ግብዝነት መጠንቀቕታ ተዋሂቡና። ካብኡ ተጠንቀቑ። እዚ ረቂቕ ሓጥያት እዩ፣ ከምኡውን ከንቱ ትምክሕቲ ቅድሚ ምግንዛብና ኣብቲ እንገብሮ ይሰርር። ግናኸ እቲ ግቡእ ብግብዞች ንትዕቢቶም ንምግልጋል ስለዝምበላዕ፣ ኣድላይነቱን ብሉጽነቱን ኣይቅንስን። እቲ ክርስቶስ ዘውርዶ ፍርዲ መጀመርታ ተስፋ ዚመስል እኳ እንተኾነ፣ ግናኸ ንሳቶም ዝረኽብዎ ዓስቢ እዩ። እቲ ኣምላኽ ንገበርቲ ጽቡቕ ዝውዕሎ ዓስቢ ኣይኮነን፣ ግናኸ ግብዞች ንርእሶም ዝሕብሕብዎ ዓስቢ እዩ፣ እሞ ድኻ ዓስቢ እዩ። ንሰባት ምእንቲ ክርእይዎም ገበርዎ፣ ከምኡውን ብሰባት ተራእዮም። ንሕና ንርእስና ንጽቡቕ ተግባራትና ትሑት ኣቓልቦ ክንህብ ከሎና፣ ኣምላኽ ግን ኣዝዩ የስተብህለሎም። ንዓኻ ክሽልመካ እዩ፣ ንገብሩ ዝግብኦ ጥራይ ዝህብን ካብኡ ንላዕሊ ዘይውስኽን ጐይታ ኣይኮነን፣ ግናኸ ከምቲ ንዘገልግሎ ወዱ ብልግስና ዝህብ ኣቦ እዩ።

6:5-8 ኵሎም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ከም ዝጽልዩ ግሉጽ እዩ። ዘይትንስእ ህያው ሰብ ከም ዘይርከብ፥ ህያው ክርስትያን ዘይጽሊ ድማ ኣይርከብን። ጸሎት ዘይብሉ እንተኾይኑ፥ ጸጋ እውን የብሉን። ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ ጸሎቶም ብኽልተ ዓበይቲ ጌጋታት ገበነኛታት ነበሩ፥ ንሱ ድማ ከንቱ ምስጋናን ከንቱ ድግግማትን እዩ። ብሓቂ ንሳቶም ዓስቦም ወሲዶም እዮም። ኣብ ከምዚ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ዘሎ ዓብዪ ነገር፥ ማለት ክንጽሊ ከለና፥ ናብ ከም ምስጋና ሰብ ዝበለ ትሑት ነገር እንተጠሚትና፥ እዚ ኹሉ ንዓና ዓስብና ምዃኑ ቅኑዕ እዩ። ይኹንምበር፥ ዝተሓብአን ብሃንደበት ዝወጽእን ናብ ኣምላኽ ዝበጽሕ ትንፋስ፥ ንሱ ዘየስተብህለሉ የለን። ዓስቢ ተባሂሉ ይጽዋዕ፥ ግናኸ ካብ ጸጋ እዩ እምበር፥ ዕዳ ኣይኮነን። ምልማን እንታይ ብስለት ክህልዎ ይኽእል? ንህዝቡ ዝልምንዎ ዘይህቦ እንተኾይኑ፥ ዘየድልዮም ምዃኑን ንጥቕሞም ከም ዘይኮነን ስለ ዝፈልጥ እዩ። ኣምላኽ ብንውሓት ወይ ብቓላት ጸሎትና ከም ዘይቕየድ፥ እቲ ዝበዝሐ ሓይሊ ዘለዎ ምልማን ግን ክንበሃል ዘይከኣል እህህታ ዝግበር እዩ። ጸሎትና ክቐርብ ዘለዎ ዝተረኣየ ኣእምሮኣዊ ምድላው ብጽቡቕ ነጽንዕ፥ ካብ ክርስቶስ ድማ ከመይ ክንጽሊ ከም ዘሎና ወትሩ ንመሃር።

6:9-15 ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ጸሎቶም ብሓፈሻ እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ከምኡ’ውን ከመይ ጌሮም ኪጽልዩ ከም ዘለዎም ከርኢ ኣድላይ ምዃኑ ረኣየ። ነዚ ጥራይ ወይ ድማ ኩሉ ግዜ ነዚ ኽንጥቀም ኣሎና ማለት ኣይኮነን: ይኹን እምበር: ብርግጽ ክንጥቀመሉ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ። ውሑድ ክነሱ ብዙሕ ዝሓዘ እዩ: ቅቡል ዝኸውን ድማ ብምስትውዓል ምስ እንጥቀመሉን ከየድለየና ደጋጊምና ምስ ዘይንበሎን ጥራይ እዩ። እቲ ሕቶታት ሽዱሽተ እዩ: እቶም ቀዳሞት ሰለስተ ኣቐዲሞም ንኣምላኽን ክብሩን ዝምልከቱ እዮም: እቶም ናይ መወዳእታ ሰለስተ ድማ ናትና ጉዳያት: ማለት ስጋዊን መንፈሳዊን ጉዳያትና ዝምልከቱ እዮም። እዛ ጸሎት እዚኣ ኣቐዲምና መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ክንደሊ ተምህረና: እቶም ካልኦት ኩሎም ነገራት ድማ ከም ዝውስኹና። ድሕሪ ናይ ኣምላኽ ክብርን መንግስትን ፍቓድን ዝምልከቱ ነገራት: ነዚ ሕጂ ዘሎና ህይወት ዘድልዩና ደገፍን ምጽንናዕን ንልምን። ኣብዚ ዘላ ነፍሲ ወከፍ ቃል ትምህርቲ ኣለዋ። እንጌራ ንልምን: እዚ ድማ ልባምን ልሙስን ክንከውን የምህረና: እንጌራ ጥራይ ንልምን: ንዘየድልየና ኣይንሓትትን። ንናይ ባዕልና እንጌራ ንሓትት: እዚ ድማ ሓቀኛን ጻዕራምን ክንከውን የምህረና: ናይ ካልኦት እንጌራ ኣይንሓትትን: ከምኡ’ውን ናይ ምትላል እንጌራ (ምሳ 20:17) ወይ ናይ ስንፍና እንጌራ (ምሳ 31:27) ኣይንሓትትን: የግዳስ ብቕንዕና እተረኽበ እንጌራ ኢና እንልምን። ንናይ ዕለት ዕለት እንጌራና ንሓትት: እዚ ድማ ኣብ መለኮታዊ ኣጠባብቓ ኩሉ ግዜ ክንውከል የምህረና። ኣምላኽ ንሱ ክህበና ንልምን: ኣይሽየጠልናን: ኣይበድርናን: የግዳስ ይሃበና።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG “ለሰዎች ትታዩ ዘንድ ምጽዋታችሁን በፊታቸው እንዳታደርጉ ተጠንቀቁ፤ ያለዚያ በሰማያት ባለው አባታችሁ ዘንድ ዋጋ የላችሁም። አማርኛ ENGNIV “Be careful not to do your ‘acts of righteousness’ before men, to be seen by them. If you do, you will have no reward f… English GAZBIB Yesus, ?Namootatti mul'achuudhaaf jettanii tola keessan nama duratti akka hin goone of eeggadhaa! Kana yoo gootan garuu… Afaan Oromoo BCV GIZ “ወባሕቱ ዑቁ ምጽዋተክሙ ኢትግበሩ ለዐይነ ሰብእ ከመ ታስተርእዩ ሎሙ፡ ወእመ አኮሰ ዐስብ አልብክሙ በኀበ አቡክሙ ዘበሰማያት። giz GAZGAZ Yesus, ?Namootatti mul'achuudhaaf jettanii tola keessan nama duratti akka hin goone of eeggadhaa! Kana yoo gootan garuu… Afaan Oromoo BCV aksum “ብሰብ ምእንቲ ኽትረአዩ ኢልኩም፥ ምፅዋትኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኮነ፥ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም፥ ዓስቢ የብልኩምን። ትግርኛ AMHNIV “ሰዎች እንዲያዩላችሁ፣ መልካም ሥራችሁን በፊታቸው ከማድረግ ተጠንቀቁ፤ እንዲህ ካደረጋችሁ ከሰማዩ አባታችሁ ዋጋ አታገኙም። አማርኛ SWAHSUV Angalieni msifanye wema wenu machoni pa watu, kusudi mtazamwe na wao; kwa maana mkifanya kama hayo, hampati thawabu kwa… Kiswahili