1ኢየሱስ ብምልኣት መንፈስ፥ ቅዱስ ካብ ዮርዳኖስ ተመለሰ፤ ብመንፈስ ተመሪሑ ድማ፥ ናብ በረኻ ኸደ።
2ኣብኡ ድማ ብዲያብሎስ፥ ነርብዓ መዓልቲ ተፈተነ። በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ፈፂሙ ኣይበልዐን፤(ሀ) እተን መዓልቲታት እቲኣተን ምስ ተወደኣውን ጠመየ።
3ዲያብሎስ ድማ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ እስኪ እዝ እምኒ እዙይ፥ እንጀራ ክኸውን ኣዝዝ!” በሎ።
4ኢየሱስ ከዓ “ ‘ሰብ፥ ካብ እግዚኣብሄር ብዝወፅእ ኵሉ ቓል ደኣ እምበር፥ ብእንጀራ ጥራሕ ኣይነብርን እዩ’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ።
5ዲያብሎስ ድማ፥ ናብ ነዊሕ እምባ ኣደየቦ፤ ንመንግስታት ኵሉ ዓለምውን፥ ብቕፅበት ዓይኒ ኣርኣዮ።
6ሽዑ ዲያብሎስ “እዝ ስልጣን እዙይን ክብርን፥ ንዝደለኹ ኽህቦ ንኣይ ስለ ዝተውሃበኒ፥ እንተ ሰጊድካለይ ንኣኻ ኽህበካ እየ፤ ኵሉ ድማ ናትካ ክኸውን እዩ” በሎ።
8ኢየሱስ ከዓ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፤ ንእኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ።
9ዲያብሎስ ከዓ ናብ ኢየሩሳሌም ወሲዱ፥ ኣብ ገምገም ጕልላት ቤተ መቕደስ ደው ኣበሎ፤ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ደኣ ዄንካስ፥ እስኪ ኻብዙይ ንታሕቲ ተወርወር።
10‘ምእንቲ ኽሕልዉኻ መላእኽቱ ኽእዝዘልካ እዩ፤
11እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍውን፥ በእዳዎም ክድግፉኻ እዮም’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎሞ” በሎ።
12ኢየሱስ ድማ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ’ ዝብል ድማ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ።
13ሽዑ ዲያብሎስ ፈተናኡ ዅሉ ምስ ወድአ፥ ንጊዜኡ ሓደጎ።
14ኢየሱስ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፥ ናብ ገሊላ ተመለሰ፤ ዝናኡውን ኣብ ኵሉ እቲ ኸባቢ ተሰምዐ።
15ንሱ ኸዓ ኣብ ቤተ ፀሎት(ለ) ኣይሁድ ኣትዩ ይምህር ነበረ፤ ብትምህርቱ ድማ፥ ኵሎም ይድነቑን የመስግንዎን ነበሩ።
16ናብታ ዝዓበየላ ናብ ናዝሬት ድማ ኸደ፤ ብዕለት ሰንበት ከዓ፥ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣተወ፤ ከንብብውን ተስአ።
17መፅሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ ድማ ሃብዎ፤ ነቲ መፅሓፍ እንተ ቐልዖ ኸዓ፥ ከምዙይ ዝብል ዝተፅሓፎ ኽፍሊ ረኸበ፦
18“መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ኣሎ፤ ንድኻታት ከብስሮም ቀብአኒ፤ ንእሱራት ዝፍትሑሉ፥ ንዕዉራት ምርኣይ፥ ንግፉዓት ምውፃእ ሓራ ኸብስር፥
19ንሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ።”
20ነቲ መፅሓፍ ዓፂፉ ኸዓ፥ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ፤ ኵሎም እቶም ኣብታ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ዝነበሩ፥ ኣዒንቶም ኣትኲሮም ይጥምትዎ ነበሩ።
21ሽዑ “ናይዚ መፅሓፍ እዙይ ቃል፥ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ተፈፀመ” ክብሎም ጀመረ።
22እቶም ዝሰምዕዎ ዅላቶም፥ በቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ዝነበረ ፀጋ ዝመልኦ ቓል ተደኒቖም “እዙይ እቲ ወዲ ዮሴፍዶ ኣይኮነን?” በሉ።
23ኢየሱስ ድማ “ ‘ኣታ ሓኪም፥ ቅድም ንባዕልኻ ፈውስ’ ዝብል ምስላ ኸም እትምስሉለይ፥ ከምኡውን፥ ከምቲ ኣብ ቅፍርናሆም ጌርካዮ ተብሂሉ ዝሰማዕናዮ፥ ኣብ ዓድኻውን ግበር ክትብሉኒ ኢኹም” በሎም።
24ኣስዒቡ ኸዓ “ነቢይ ኣብ ዓዱ ኸቶ ኸም ዘይኸብር፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
25ብዘመን ኤልያስ፥ እቲ ሰማይ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ዝተዓፅወሉ፥ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ እውን ብርቱዕ ጥሜት ዝኾነሉ እዋን፥ ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ከም ዝነበራ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
26እንተ ኾነ ኤልያስ፥ ናብታ ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና እትርከብ ሓንቲ መበለት ደኣ እምበር፥ ካብኣተን ናብ ሓንቲ እኳ ኣይተልኣኸን።
27ብዘመን ነቢይ ኤልሳዕውን፥ ኣብ እስራኤል ብዙሓት ለምፃማት ነይሮም፥ እንተ ኾነ እንትርፊ እቲ ሶርያዊ ንእማን፥ ካብኣቶም ሓደኳ ኣይነፅሀን” በሎም።
28እቶም ኣብታ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ዝነበሩ ዅሎም፥ ነዙይ ምስ ሰምዑ የመና ተቘጥዑ።
29ሽዑ ተሲኦም ካብቲ ዓዲ፥ ናብ ወፃኢ ኣውፅእዎ። ከፅድፍዎውን ዓዶም ተሰሪሓትሉ ናብ ዝነበረት ገምገም እምባ ወሰድዎ።
30ንሱ ግና ብማእኸሎም ሓሊፉ ኸደ።
31ድሕሪዙይ ናብ ቅፍርናሆም ከተማ ገሊላ ወረደ፤ ብሰንበትውን ይምህሮም ነበረ።
32ቃሉ ብስልጣን ስለ ዝነበረ ድማ፥ ብትምህርቱ ተገረሙ።
33ኣብታ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ድማ ጋኔን፥ ንሱውን ርኹስ መንፈስ፥ ዝሓደሮ ሰብኣይ ነበረ፤ ብዓብዪ ድምፂ ኸዓ
34ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ክተጥፍአናዶ መፂእኻ? መን ምዃንካ እፈልጥ እየ፤ ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ኢኻ” እናበለ ኣእወየ።
35ኢየሱስ ግና “ስቕ በል! ካብኡውን ውፃእ!” ኢሉ ገሰፆ። እቲ ጋኔን ድማ ነቲ ሰብኣይ ኣብ ማእኸሎም ፃሕ ኣቢሉ ኣውደቖ፤ እንተይጐድኦውን ካብኡ ወፀ።
36ኵሎም ከዓ ተገረሙ፤ ንስንሳቶም ከዓ “እዝ ነገር እዙይ እንታይ እዩ? ንርኹሳት መናፍስቲ ብሓይልን ስልጣንን ይእዝዞም፤ ንሳቶምውን ይወፁ” እናበሉ ተዘራረቡ።
37ዝናኡ ድማ ኣብቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ዅሉ ዓድታት ተሰምዐ።
38ኢየሱስ ካብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ወፂኡ፥ ናብ እንዳ ስምኦን ኣተወ። ሓማት ስምኦን ብርቱዕ ረስኒ ሓሚማ ስለ ዝነበረት፥ ብዛዕባኣውን ለመንዎ።
39ኢየሱስ ከዓ ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉ፥ ነቲ ረስና ገሰፆ፤ እቲ ረስናውን ሓደጋ፤ ሽዑ ንሽዑ ተሲኣ ኸዓ ኣገልገለቶም።
40ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ድማ፥ ንዅሎም እቶም በብዓይነቱ ዝኾነ ሕማም ዝነበሮም ናብኡ ኣምፅእዎም። ንሱ ድማ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኢዱ እናንበረ ኣሕወዮም።
41ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ዓው ኢሎም “ንስኻ ክርስቶስ(ሐ) ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ” እናበሉ ኻብ ብዙሓት ሰባት ይወፁ ነበሩ። ንሱ ግና ገሰፆም፤ ክርስቶስ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡውን ክዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።
42ምስ ወግሐ ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ፥ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸደ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ይደልይዎ ነበሩ፤ ናብኡ መፂኦምውን፥ ካብኣቶም ሓሊፉ ኸይኸዶም ሒዞም ኣቖምዎ።
43ንሱ ግና “ንኻልኦት ዓድታት ድማ፥ ብስራት መንግስቲ እግዚኣብሄር ክሰብከለን ኣለኒ፤ ምእንቲ እዙይ እየ ዝተልኣኽኩ እሞ” በሎም።
44ኣብ ይሁዳ(መ) ኣብ ዘለዋ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ ከዓ ይሰብኽ ነበረ።