1ኦ ኽቡር ቴዎፍሎስ! ከምቲ ብዙሓት ነቲ ኣባና ብምልኣት ዝተፈፀመ ነገራት ክፅሕፉ ዝጀመሩ፥
2እቶም ካብ መጀመርታ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን፥ ናይቲ ቓል ኣገልገልትን፥ ናባና ዝተሓላለፈ፥
3ኣነውን፥ ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ ጊዜ፥ ነቲ ነገር ካብ መሰረቱ ሒዘ፥ ብጥንቃቐ ምስ መርመርክዎ፥ ናይቲ ዝተምሃርካዮ ነገራት ርግፅነት ኣፀቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጥ፥ ኣከታቲለ ኽፅሕፈልካ ቕኑዕ ኾይኑ ተርእዩኒ ኣሎ።
5ብዘመን ሄሮድስ ንጉስ ይሁዳ፥ ሓደ ኻብ ክፍሊ ኽህነት ኣብያ ዝኾነ፥ ዘካርያስ ዝበሃል ካህን ነበረ፤ ካብ ዘርኢ ኣሮን ዝኾነት፥ ኤልሳቤጥ እትበሃል ሰበይቲ ድማ ነበረቶ።
6ክልቲኦም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ብዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ሕግጋቱን፥ ብዘይ ነቐፋ ዝመላለሱ ፃድቃን ነበሩ።
7እንተ ኾነ ኤልሳቤጥ መኻን ስለ ዝነበረት ውሉድ ኣይነበሮምን፤ ክልቲኦም ድማ መዋእሎም ዝሓለፈ ኣረጋውያን ነበሩ።
8እንሆ ዘካርያስ ብተራኡ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ብግብሪ ኽህነት ከገልግል እንተሎ፥
9ከም ስርዓት ካህናት፥ ናብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣትዩ ዕጣን ክዓጥን ተራ በፅሖ።
10በቲ ጊዜ ዕጣን ድማ፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ብወፃኢ ኾይኑ ይፅሊ ነበረ።
11ሽዑ መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ብወገን የማን እቲ መሰውኢ ዕጣን ቆይሙ ተርኣዮ።
12ዘካርያስ ምስ ረአዮ ደንገፀ፤ ዓብዪ ፍርሓትውን ወረዶ።
13እቲ መልኣኽ ድማ፦ “ዘካርያስ፥ ፀሎትካ ተሰሚዑልካ እዩሞ ኣይትፍራሕ፤ ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፤ ስሙውን ዮሃንስ ኢልካ ኽትሰምዮ ኢኻ።
14ንሱ ሓጐስን ደስታን ክኾነልካ እዩ፤ ብምውላዱውን ብዙሓት ክሕጐሱ እዮም።
15ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዪ ክኸውን እዩ እሞ፥ ወይንን ዘስክር(ሀ) መስተን ከቶ ኣይሰትን እዩ። ገና ኣብ ማህፀን እኖኡ እንተሎ፥ መንፈስ ቅዱስ ክመልኦ እዩ።
16ካብ ህዝቢ እስራኤል ንብዙሓት፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክመልሶም እዩ።
17ንሱ ንእግዚኣብሄር ብቑዕ ህዝቢ ምእንቲ ኸዳሉ፥ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ፥ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ፃድቃን ምእንቲ ኽመልስ፥ ብመንፈስን ብሓይሊ ኤልያስን ቀቅድሚ ጐይታ ክኸይድ እዩ።”
18ዘካርያስ ከዓ ነቲ መልኣኽ “ኣነ ኣሪገ እየ፤ ሰበይተይውን መዋእላ ሓሊፉ እዩ፤ እዝ ነገር እዙይ ከም ዝኸውን ብምንታይ ክፈልጦ እየ?” በሎ።
19እቲ መልኣኽ መሊሱ፦ “ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝቐውም ገብርኤል እየ፤ ነዙይ ክነግረካን ከብስረካን ናባኻ ተልኢኸ ኣለኹ።
20እንሆ ነቲ ብጊዜኡ ዝፍፀም ዘረባይ ስለ ዘይኣመንካ፥ እዝ ነገር እዙይ ክሳዕ ዝፍፀም በሃም ክትከውን፥ ምዝራብውን ክትስእን ኢኻ” በሎ።
21እቶም ህዝቢ ግና ንዘካርያስ ይፅበይዎ ነበሩ፤ በቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምድንጓዩውን ተገረሙ።
22ናብኣቶም ናብ ደገ ወፂኡ፥ ክዛረቦም ስለ ዘይከኣለ ድማ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ራእይ ከም ዝረአየ ፈለጡ፤ ንሱውን በሃም ኮይኑ ብኢዱ የመልክቶም ነበረ።
23ዘካርያስ እዋን ኣገልግሎቱ ምስ ፈፀመ ናብ ገዛኡ ተመለሰ።
24ድሕሪ እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ሰበይቱ ኤልሳቤጥ ጠነሰት እሞ፥ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ንባዕላ ሓብአት።
25“ጐይታይ በዘን መዓልቲታት እዚኣተን ተመልከተኒ፤ ነቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝነበረኒ ውርደተይውን ኣርሓቐለይ” በለት።
26ብሻድሻይ ወርሒ መልኣኽ ገብርኤል፥ ናዝሬት ናብ እትብሃል ከተማ ገሊላ፥ ካብ ዓሌት ዳዊት ዝኾነ፥ ዮሴፍ ንዝበሃል ሰብ፥ ናብ ዝተሓፀየት ናብ ሓንቲ ድንግል፥ ካብ እግዚኣብሄር ተልኣኸ፤ ስም እታ ድንግል ከዓ ማርያም ይበሃል።
28እቲ መልኣኽ ናብቲ ንሳ ዘላቶ ኣትዩ፥ “ኦ ምልእተ ፀጋ ደስ ይበልኪ! እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ፤ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ” በላ።
29ንሳ ድማ ምስ ረአየቶ በቲ ቓሉ ደንገፀት፤ “ከመይ ዝበለ ሰላምታ እዩ?” ኢላውን ሓሰበት።
30እቲ መልኣኽ ከዓ “ኦ ማርያም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ።
31እንሆ ኽትጠንሲ፥ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ፤ ስሙ ድማ ኢየሱስ ክትብልዮ ኢኺ።
32ንሱ ዓብዪ ክኸውን፥ ወዲ ልዑል እግዚኣብሄርውን ክብሃል እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ዙፋን ኣቦኡ ዳዊት ክህቦ እዩ።
33ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ክነግስ እዩ። ንመንግስቱውን መወዳእታ የብሉን” በላ።
34ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ “ኣነ ሰብኣይ ኣይፈልጥን፤ እዝ ነገር እዙይ ከመይ ኢሉ ይኸውን?” በለቶ።
35እቲ መልኣኽ መሊሱ ኸምዙይ በለ፦ “መንፈስ ቅዱስ ናባኺ ኽመፅእ እዩ፤ ሓይሊ ልዑል እግዚኣብሄርውን ከፅልለልኪ እዩ፤ ስለዙይ እቲ ኻባኺ ዝውለድ ቅዱስ እዩ፤ ወዲ እግዚኣብሄርውን ክብሃል እዩ።
36እንሆ እታ ዘመድኪ ኤልሳቤጥ እኳ፥ ኣብ እርጋና ወዲ ጠኒሳ ኣላ፤ እታ መኻን ዝተብሃለት እዙይ ሻድሻይ ወርሓ እዩ፤
37ንእግዚኣብሄር ዝሰኣኖ ነገር የለንሞ።”
38ማርያም ድማ “እኒሀኹ፥ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር እየ፤ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ” በለቶ። ብድሕሪዙይ እቲ መልኣኽ ካብኣ ኸደ።
39በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ማርያም ቀልጢፋ ኣብ እምባታት ይሁዳ ናብ እትርከብ ሓንቲ ኸተማ ደየበት።
40ናብ እንዳ ዘካርያስ ኣትያ ድማ፥ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ።
41ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት፥ እቲ ህፃን ኣብ ማህፀና ተሰራሰረ፤ ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ።
42ብዓብዪ ድምፂውን ከምዙይ በለት፦ “ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ፤ እቲ ናይ ማህፀንኪ ፍረውን ቡሩኽ እዩ።
43እኖ ጐይታይ ናባይ ክትመፂኸ፥ እዙይ ይግብአኒ ድዩ?
44እንሆ ድምፂ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኹ፥ እቲ ህፃን ኣብ ማህፀነይ ብሓጐስ ተሰራሰረ።
45እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተነግረኪ ቓል ከም ዝፍፀም እትኣምኒ፥ ብፅእቲ ኢኺ።”
46ማርያም ድማ ኸምዙይ በለት፦ “ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተመስግኖ፤
47መንፈሰይ ከዓ ብኣምላኸይ፥ ብመድሓኒየይ ደስ ይብላ።
48ውርደት ባርያኡ ሪኡ እዩ እሞ፥ እንሆ ኻብ ሕዚ ጀሚሩ፥ ኵሎም ትውልዲ ብፅእቲ ኽብሉኒ እዮም።
49እቲ ሓያል፥ ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፥ ስሙውን ቅዱስ እዩ።
50ምሕረቱውን ኣብቶም ዝፈርሕዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ።
51ብቕልፅሙ ሓይሊ ገበረ፤ ንዕቡያት ምስ ሓሳብ ልቦም በተኖም።
52ንሓያላት ካብ ዙፋናቶም ኣውረዶም፤ ንዝተዋረዱ ልዕል ኣበሎም።
53ንጥሙያት ብበረኸት ኣፅገቦም፤ ንሃብታማት ግና ጥራሕ ኢዶም ሰደዶም።
54ከምቲ ነቦታትና፥ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፥ ንዘለኣለም ምሕረቱ እናዘከረ፥ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ” በለት።
56ማርያም ንሰለስተ ወርሒ ዝኣክል፥ ምስ ኤልሳቤጥ ተቐሚጣ፥ ብድሕሪኡ ናብ ገዛኣ ተመለሰት።
57ኤልሳቤጥ እትወልደሉ ጊዜ በፅሐ፤ ወዲ ድማ ወለደት።
58ጐረባብታን ኣዝማዳን ከዓ፥ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖም፥ ምስኣ ተሓጐሱ።
59ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ፥ ነቲ ህፃን ክገርዝዎ መፁ፤ ብስም ኣቦኡውን “ዘካርያስ” ኢሎም ሰመይዎ።
60እኖኡ ግና “ኣይፋሉን፤ ዮሃንስ ተብሂሉ እዩ ዝፅዋዕ” ኢላ መለሰት።
61ንሳቶም ከዓ “ካብ ኣዝማድኪ በዝ ስም እዙይ ዝፅዋዕ ሓደኳ የለን” በልዋ።
62ነቦኡ ድማ ስሙ መን ክበሃል ከም ዝደሊ፥ እናመልከቱ ጠየቕዎ።
63ንሱ ኸዓ ዝፅሕፈሉ ሉሕ ኽህብዎ ጠዪቑ “ዮሃንስ” ይበሃል ኢሉ ፀሓፈ፤ ኵሎም ድማ ተገረሙ።
64ሽዑ ንሽዑ ኣፉ ተኸፈተ፤ ልሳኑውን ተፈትሐ፤ ንእግዚኣብሄርውን ኣመስገኖ።
65ኣብ ኵሎም ጐረባብቶም ድማ ፍርሓት ወረደ። እዝ ነገር እዙይውን፥ ኣብ እምባታት ይሁዳ ዝርከባ ዓድታት ተሰምዐ።
66ኢድ እግዚኣብሄር ከዓ ምስቲ ህፃን ስለ ዝነበረት፥ ኵሎም እቶም ነዝ ነገር እዙይ ዝሰምዕዎ “እዝ ህፃን እዙይስ፥ እንታይ ኮን ክኸውን እዩ?” እናበሉ ኣብ ልቦም ይዓቝርዎ ነበሩ።
67ነቦኡ ዘካርያስ ድማ፥ መንፈስ ቅዱስ መልኦ፤ ከምዙይ ኢሉውን ተነበየ፦
68“ንህዝቡ ስለ ዝተመልከቶምን ዝተቤዘዎምን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ።
69ከምቲ ኻብ ጥንቲ ጀሚሩ፥ ብኣፍ እቶም ቅዱሳን ነቢያቱ ዝተዛረቦ፥ ካብ ቤት ዳዊት ባርያኡ፥ ሓይሊ ምድሓን ኣተስአልና።
71ካብ ፀላእትናን፥ ካብ ኢድ ኵሎም እቶም ዝፃረሩናን ምእንቲ ኸድሕነና፥
72ምስ ኣቦታትና ምሕረት ክገብር፥ ነቲ ቕዱስ ኪዳኑ ዘከሮ።
73እዙይ እቲ ነቦና ኣብርሃም ዝመሓለሉ ማሕላ፥
74ካብ ኢድ ፀላእትና ድሒንና፥ ብዘይ ፍርሓት ክነምልኾ፥
75ብዅሉ ዘመን ህይወትናውን፥ ኣብ ቅድሚኡ ብቕድስናን ብፅድቅን፥ ምእንቲ ኽነገልግሎ እዩ።
76ኣታ ህፃንውን መንገዲ ልዑል ክትፀርግ፥ ቀቅድሚ እግዚኣብሄር ክትከይድ ኢኻ እሞ፥ ናይ ልዑል ነቢይ ተብሂልካ ኽትፅዋዕ ኢኻ።
77ናይ ሓጢኣቶም ሕድገት ዝረኽቡሉ፥ ናይ ድሕነት ፍልጠት፥ ንህዝቡ ኽትህብ ኢኻ።
78በቲ ርህራሀን ምሕረትን ኣምላኽና፥ ካብ ላዕሊ ብርሃን በሪቑ ኽበፅሐና እዩ።
79ንሱውን ኣብ ፀልማትን ኣብ ፅላሎት ሞትን፥ ንዝርከቡ ኸብርህ እዩ፤ ነእጋርና ድማ ናብ መንገዲ ሰላም ክመርሕ እዩ።”
80እቲ ህፃን ዓበየ፤ ብመንፈስውን ጠንከረ፤ ክሳዕ እታ ንእስራኤል ዝተገለፀላ መዓልቲ እውን፥ ኣብ በረኻ ይነብር ነበረ።