1በቲ ወርሓት እቱይ፥ ሰባት መፂኦም ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ቀቲሉ፥ ደሞም ምስ መስዋእቶም ዝሓዋወሶ ገሊላውያን ነገርዎ።
2ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ነዞም ገሊላውያን እዚኣቶም፥ እዝ መከራ እዙይ ዝረኸቦምስ፥ ካብ ኵሎም ገሊላውያን ዝገደዱ ሓጢኣተኛታት ስለ ዝነበሩዶ ይመስለኩም?
3ኣይኮነን፤ እንተ ዘይተነሲህኹምስ፥ ኵልኻትኩምውን ከምኣቶም ክትጠፍኡ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ።
4ወይ እቶም ኣብ ሰሊሆም መንደቕ ዝወደቖም እሞ፥ ዝቐተሎም ዓሰርተ ሸሞንተኸ፥ ካብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዅሎም ሰባት፥ ዝበዝሐ ሓጢኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩም?
5ኣይኮነን፤ እንተ ዘይተነሲህኹምስ፥ ኵልኻትኩም ከምኣቶም ክትጠፍኡ ኢኹም” በሎም።
6ኢየሱስ ነዝ ምስላዙይ ድማ ነገሮም፦ “ሓደ ሰብኣይ፥ ኣብ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኑ ዝተተኽለት በለስ ነበረቶ። ፍረ ደልዩ ናብኣ ኸደ፤ ግና ኣይረኸበላን።
7ነቲ ሓላዊ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸዓ፥ ‘እንሆ፥ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ ደልየ፥ ሰለስተ ዓመት ተመላሊሰ ኣይረኸብኩላን። እምበኣር ቍረፃ፤ ንምንታይከ መሬት እተፅርዕ?’ በሎ።
8ንሱ ግና፥ ‘ጐይታ! ወሰን ወሰና ኽሳዕ ዝዅስኵሳ፥ ድዅዒውን ኽሳዕ ዝድኵዓ፥ ነዛ ዓመት እዚኣ ሕደጋ።
9ንዓመታ እንተ ፈረየት ፅቡቕ፤ እንተ ዘይኮነ ግና፥ ሽዑ ኽትቈርፃ ኢኻ’ ” ኢሉ መለሰሉ።
10ኢየሱስ ብሰንበት፥ ኣብ ሓንቲ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ(ሀ) ኮይኑ እናመሃሮም እንተሎ፥
11እንሆ፥ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ርኹስ መንፈስ ዘድከማ ሰበይቲ ነበረት፤ ስለ ዝጐበጠትውን ፈፂማ ኽትቀንዕ ኣይትኽእልን ነበረት።
12ኢየሱስ ምስ ረአያ ፀዊዑ “ኣቲ ሰበይቲ! ኻብ ሕማምኪ ተፈቲሕኺ ኢኺ” በላ።
13ኢዱውን ኣንበረላ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ቐንዐት፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣመስገነት።
14እቲ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ግና፥ ኢየሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ተቘጢዑ፥ ነቶም ህዝቢ “ክስርሐለን ዝግባእ ሽዱሽተ መዓልቲታት ኣለዋኹም። እምበኣር በተን ዕለታት እቲኣተን መፂእኹም ተፈወሱ እምበር፥ ብዕለተ ሰንበት ኣይኮነን” ኢሉ ተዛረቦም።
15ጐይታ ኸዓ፦ “ኣቱም ግብዛት፥ ነፍሲ ወከፍ ካባኻትኩም ንብዕራዩ ወይ ንኣድጉ፥ ብሰንበት ካብ መእሰሪኡ ፈቲሑ፥ ማይ ከስትዮዶ ኣይወስዶን ኢዩ?
16እንሆ እዛ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት፥ ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ፥ ካብዝ ማእሰርቲ እዙይ ብዕለተ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግብኣን?” ኢሉ መለሰሉ።
17እዙይ ምስ በለ፥ ኵሎም እቶም ዝቃወምዎ ዝነበሩ ሓፈሩ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ በቲ ዅሉ ብኢየሱስ ዝተገብረ፥ ዘደንቕ ግብርታት ተሓጐሱ።
18ድሕሪዙይ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ እንታይ ትመስል? ብምንታይከ ኽምስላ እየ?
19ሰብ ወሲዱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ዝዘርኣ፥ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። ዓበየት፤ ዓባይ ኦምውን ኮነት፤ ኣዕዋፍ ሰማይ ከዓ፥ ኣብ ጨናፍራ ሰፈረን ሰርሓ።”
20መሊሱ ድማ፥ “ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ብምንታይ እየ ዝምስላ?
21ሰበይቲ ወሲዳ፥ ኵሉ ኽሳዕ ዝበኵዕ፥ ኣብ ሰለስተ መስፈሪ ሕሩጭ ዝለወሰቶ፥ ማይ ብሒቝ እያ እትመስል” በለ።
22ድሕሪዙይ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ እንተሎ፥ ኣብ ከተማታትን ዓድታትን እናመሃረ ይሓልፍ ነበረ።
23ሓደ ሰብኣይ ከዓ፥ “ኦ ጐይታ! እቶም ዝድሕኑስ ውሑዳት ድዮም?” በሎ። ንሱ ድማ፦
24“በታ ፀባብ ኣፍ ደገ፥ ንምእታው ፀዓሩ፤ ክኣትዉ ዝደልዩ ብዙሓት እዮም፤ ግና ኣይኽእሉን እብለኩም ኣለኹ።
25በዓል ገዛ ተሲኡ ማዕፆኡ ምስ ሸጐረ፥ ሽዑ ኣብ ወፃኢ ደው ምባል ክትጅምሩ፥ ‘ጐይታ፥ ጐይታ፥ ክፈተልና’ እናበልኩምውን ማዕፆ ኽትኵሕዅሑ ኢኹም። ንሱ ኸዓ ‘ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ’ ኢሉ ኽምልሰልኩም እዩ።
26ሽዑ ‘ምሳኻ በሊዕናን ሰቲናን፤ ንስኻውን ኣብ ኣደባባያትና ምሂርካ’ ምባል ክትጅምሩ ኢኹም።
27ንሱ ኸዓ ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመፃ፥ ኵልኻትኩም ካባይ ረሓቑ፤ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ’ ኽብል እዩ።
28ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ንዅሎም ነቢያትን፥ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ምስ ረአኹምዎም፥ ንስኻትኩም ግና ኣብ ወፃኢ ተደርቢኹም ምስ ተረፍኩም፥ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።
29ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ድማ ኽመፁ፥ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄርውን፥ ኣብ ማእዲ ኽቕመጡ እዮም።
30እንሆ ድማ ቐዳሞት ዳሕረዎት፥ ዳሕረዎት ከዓ ቐዳሞት ክኾኑ እዮም” በሎም።
31በታ ጊዜ እቲኣ ገሊኣቶም ሰባት ካብ ፈሪሳውያን፥ ናብ ኢየሱስ መፂኦም፥ “ሄሮድስ ክቐትለካ ይደሊ ኣሎ እሞ፥ ካብዙይ ወፂእኻ ኺድ” በልዎ።
32ንሱ ግና፥ “ኬድኩም ነዛ ውኻርያ ‘እንሆ፥ ሎምን ፅባሕን ኣጋንንቲ ኣውፅእ፤ ሕሙማት ኣሕዊ ኣለኹ፤ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽፍፅም እየ’ በልዋ፤
33ሎምን ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ግና፥(ለ) ናብ ኢየሩሳሌም ክድይብ ይግብአኒ እዩ፤ ነቢይ ኣብ ኢየሩሳሌም እምበር፥ ኣብ ወፃኢ ኽመውት ኣይግባእን እዩ እሞ።”
34“ኢየሩሳሌም፥ ኢየሩሳሌም፥ ንነቢያት እትቐትሊ፥ ናባኺ ንዝተልኣኹውን ብእምኒ እትቕጥቅጢ፥ ከምቲ ደርሆ ንጨቓውታ፥ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፥ ክንደይሻዕኸ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደለኹ! ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።
35እንሆ ገዛኹም ክዓኑ እዩ እብለኩም ኣለኹ፤ ‘ብስም እግዚኣብሄር ዝመፅእ ቡሩኽ እዩ’ ኽሳዕ እትብሉ፥ ኣይትሪኡንን ኢኹም” በሎም።