ትንቢት ዮኤል 1

BCVትግርኛ20 ፍቕድታት6:26 ስማዕ
ስማዕ 6:26 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ናብ ኢዩኤል ወዲ ባቱኤል ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦

2ኣቱም ኣረጋውያን፥ እዙይ ስምዑ፤ ኣቱም ኣብ ምድሪ እትነብሩ ዅልኻትኩምውን፥ ኣእዛንኩም ፅን ይበል። እዙይ ብዘመንኩም ወይ ብዘመን ኣቦታትኩም፥ ከምዙይ ዝበለዶ ኾይኑ ይፈልጥ እዩ?

3እዙይ ንደቅኹም ንገሩ፤ ደቅኹም ከዓ ንደቆም፥ ደቆምውን ነቲ ዳሕረዋይ ትውልዲ ይንገሩ።

4ካብ ኵብኵብታ ዝተረፈ ኣንበጣ በልዖ፤ ካብ ኣንበጣ ዝተረፈ ኸዓ ቃቔጣ በልዖ፤ ካብ ቃቔጣ ዝተረፈ ድማ ሓሰኻ በልዖ።

5ኣቱም ሰካራማት፥ ንቕሑን ብኸዩን፤ ኣቱም ሰተይቲ ወይኒ ዅልኻትኩም፥ እቲ ሓድሽ ወይኒ ኻብ ኣፍኩም ተወሲዱ እዩ እሞ፥ ዋይ ዋይ በሉ።

6ቊፅሪ ዘይብሉ ሓያል ህዝቢ፥ ናብ ምድረይ ደዪቡ እዩሞ፤ ኣስናኑ፥ ኣስናን ኣንበሳ እዩ፤ ከም ናይ ኣንስተይቲ ኣንበሳ ዝበለ ምንጋጋ ኸዓ ኣለዎ።

7ንተኽሊ ወይነይ ኣባደማ፤ ንኦም በለሰይ ድማ ፈሓቆ፤ ጨሪሱ ቐንጢጡ ኸዓ ደርበዮ፤ ጨናፍሩውን ፃዕደወ።

8ከምታ ንሰብኣይ ንእስነታ፥ ወጮ ተኸዲና እትበኪ ድንግል ብኸዪ።

9ቍርባን እኽልን ቍርባን መስተን፥ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ተወጊዱ፤ እቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ካህናት ይበኽዩ ኣለዉ።

10እቲ እኽሊ ጠፊኡ፥ እቲ ሓድሽ ወይኒ እውን ነቒፁ፥ ዘይትውን ጐዲሉ እዩ እሞ፥ እቲ ገራሁ ባዲሙ፥ ምድሪ እውን ትበኪ ኣላ።

11እቶት ገራሁ ጠፊኡ እዩ እሞ፥ እቶም ሓረስቶት፥ ብምኽንያት ስርናይን ስገምን ሓፈሩ፤ እቶም ሰብ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን፥ ዋይ ዋይ በሉ።

12ተኽሊ ወይኒ ነቐፀ፤ ኦም በለስ ከዓ ፀምለወ፤ ኦም ሮማንን ተምርን ምልዖን፥ ኵሉ ኣእዋም በረኻን ነቐፀ፤ ሓጐስውን ካብ ደቂ ሰብ ረሓቐ።

13መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን፥ ካብ ቤት ኣምላኽኩም ተሪፉ እዩ እሞ፥ ኣቱም ካህናት፥ ወጮ ተዓጢቕኩም ብኸዩ፤ ኣቱም ኣገልገልቲ መሰውኢውን፥ ዋይ ዋይ በሉ፤ ኣቱም ኣገልገልቲ ኣምላኸይ፥ ንዑ፤ ምሉእ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ወጮ ደቅሱ።

14ፆም ኣውጁ፤ ጉባኤ ፀውዑ፤ ንሽማግለታትን ኣብታ ምድሪ ንዝነብሩ ዅላቶምን፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣክቡ፤ ናብ እግዚኣብሄር ከዓ ተማህለሉ።

15መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኣላሞ፥ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ወዮ! ንሳውን ካብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፥ ከም ጥፍኣት ክትመፅእ እያ።

16ካብ ቅድሚ ዓይንና ምግቢ፥ ካብ ቤት ኣምላኽና ድማ፥ ሓጐስን ዕልልታን ዝጠፍአዶ ኣይኮነን?

17እቲ ዘርኢ ኣብ ውሽጢ ምድሪ በስበሰ፤ እኽሊ ሃጒጉ እዩ እሞ ቖፎታት ጥራሖም ኮኑ፤ ማዕከናትውን ፈረሱ።

18እንስሳታት ዓዕ ይብሉ፤ እተን መጓሰ ኸፍቲ፥ ዝጓሰያሉ ስለ ዝሰኣና ተጨነቓ፤ መጓሰ ኣባጊዕ ድማ ጠፍኣ።

19ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰዪ ሓዊ በሊዕዎ፤ ንዅሉ ኣእዋም በረኻ ኸዓ፥ ሃልሃልታ ሞዅ ኣቢልዎ እዩ እሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ናባኻ አእዊ ኣለኹ።

20ወሓዚ ማያት ነፂፉ፤ ነቲ መጓስዪ በረኻ ድማ ሓዊ በሊዕዎ እዩ እሞ፥ እንስሳ በረኻውን ናባኻ የእውዩ ኣለዉ።

ትርጓሜ

1:1-7 እቶም ኣዝዮም ኣረግቶት’ውን ከይተረፉ፣ ከምቲ ኪፍጸም ተዳልዩ ዝነበረ መዓትታት ኣይዘከርዎን። ሰራዊት ኣምዑት ንፍርያት ምድሪ ኺበልዑ ኣብ ምድሪ ይወርዱ ነበሩ። እዚ ድማ ናብቲ ብወጻኢ ጸላኢ ዚመጽእ ጥፍኣት እታ ሃገር ከምኡ’ውን ዚውክስ ኰይኑ ተገሊጹ ኣሎ፣ ናብቲ ጥፍኣት ከለዳውያን ዚምልከት ድማ ይመስል። ኣምላኽ ጐይታ ሠራዊት እዩ፣ ንኹሉ ፍጥረት ብትእዛዙ ይገዝኦ፣ ኪፈቱ ኸሎ ድማ ንሓፋርን ዓማጽን ህዝቢ ብዝበለጹ ድኹማትን ንቐሊሉ ዚርኣዩ ፍጡራትን ኬሕፍርን ኬዋርድን ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ነቲ ናብ ቅምጥናን ወሰን ዘይብሉ ምጥቃምን ዚውዕል መዘናግዒ ኺወስዶ ቅኑዕ እዩ። ሰብ ሓጐፉ ኣብ ስጋዊ ድልየታትን ዜብግብግ ነገራትን ብዝያዳ ኼንብር እንተሎ፣ ዝያዳ ኸቢድ ግዝያዊ መከራ ይወርዶ። ንዓለማዊ ሓጐሳት ንዕግበትና ኣድለይቲ ብዝገበርናዮም መጠን፣ ነብስና ንጸገም ዝያዳ ነቃልዕ።

1:8-13

ኵሎም እቶም ብዛዕባ እቲ ዚጠፍእ መብልዕ ጥራይ ዚጽዕሩ፡ ቀልጢፎም ይኹን ንድሕሪት፡ ካብ ዕዮኦም ኪሓፍሩ እዮም። እቶም ሓጎሶም ኣብ ስጋዊ ተድላታት ዜንብሩ፡ ካብኡ ምስ ተገፈፉ ወይ ከኣ ኣብ ምጥዓም ከለዉ ምስ ተረብሹ፡ ሓጎሶም የጥፍኡ። ግናኸ መንፈሳዊ ሓጎስ ድማ ሽዑ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ይዕምብብ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6