ወንጌል ዮሃንስ 8

BCVትግርኛ59 ፍቕድታት8:37 ስማዕ
ስማዕ 8:37 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኢየሱስውን ናብ ደብረ ዘይት ኸደ።

2ምድሪ ምስ ወግሐ ኸዓ፥ ኣንጊሁ ናብ ቤተ መቕደስ ተመሊሱ መፀ። ኵሉ ህዝቢ እውን ናብኡ ተኣከበ፤ ተቐሚጡ ድማ ይምህሮም ነበረ።

3መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ድማ፥ እንትትዝሙ ዝተረኽበት ሰበይቲ፥ ናብኡ ኣምፂኦም ኣብ ማእኸል ደው ኣቢሎም፥

4“መምህር፥ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ እንተላ ተትሒዛ፤

5ከምዚኣ ዝበለት ከዓ፥ ብእምኒ ተቐጥቂጣ ኽትቅተል፥ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙ እዩ፤ ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል?” በልዎ።

6እዙይ ኢሎም ዝፈተንዎ፥ ምኽንያት መኽሰሲ ምእንቲ ኽረኽቡሉ ኢሎም እዮም። ኢየሱስ ግና ድንን ኢሉ፥ በፃብዕቱ ኣብ ምድሪ ኽፅሕፍ ጀመረ።

7ደጋጊሞም ምስ ጠየቕዎ ኸዓ፥ ቅንዕ ኢሉ “ካባኻትኩም ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ኣቐዲሙ ብእምኒ ይውቀዓያ” በሎም።

8መሊሱውን ደኒኑ በፃብዕቱ ኣብ ምድሪ ፀሓፈ።

9ንሳቶም ግና እዙይ ምስ ሰምዑ ሕሊናኦም ወቒስዎም፥ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕረዎት ኵሎም በብሓደ ወፁ። ኢየሱስ በይኑ ተረፈ፤ እታ ሰበይቲውን ኣብ ማእኸል ደው ኢላ ነበረት።

10ኢየሱስ ከዓ ቕንዕ ኢሉ(ሀ) “ኣቲ ሰበይቲ፥ እቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ዝፈረደኪዶ የለን?” በላ።

11ንሳ ኸዓ “ሓደኳ የለን፥ ጐይታይ” በለቶ። ኢየሱስ ድማ “ኣነውን ኣይፈርደክን እየ፤ ኪዲ እሞ ደጊም ሓጢኣት ኣይትግበሪ” በላ።

12ኢየሱስ መሊሱ “ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ፤ እቲ ዝኽተለኒ ኸዓ ብርሃን ህይወት ይረክብ እምበር፥ ብፀልማት ኣይኸይድን እዩ” እናበለ ተዛረቦም።

13ፈሪሳውያን ከዓ “ንስኻ ንባዕልኻ ትምስክር ኣለኻ፤ ስለዙይ ምስክርነትካ ሓቂ ኣይኮነን” በልዎ።

14ኢየሱስ ድማ “ኣነ ንባዕለይ እኳ እንተ መስከርኩ፥ ካበይ ከም ዝመፃእኹ፥ ናበይውን ከም ዝኸይድ እፈልጥ እየ እሞ፥ ምስክርነተይ ሓቂ እዩ። ንስኻትኩም ግና ኻበይ ከም ዝመፃእኹ፥ ናበይውን ከም ዝኸይድ ኣይትፈልጡን ኢኹም።

15ንስኻትኩም ስጋዊ ፍርዲ ኢኹም እትፈርዱ ዘለኹም፤ ኣነ ግና ንሓደኳ ኣይፈርድን እየ።

16ኣነን እቲ ዝለኣኸኒ ኣብን ኢና እምበር፥ በይነይ ኣይኮንኩን እሞ፥ ኣነ እንተ ፈረድኩ ፍርደይ ሓቂ እዩ።

17ምስክር ክልተ ሰብ፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ፥ ኣብ ሕግኹም ተፅሒፉ እዩ።

18ኣነ ንባዕለይ ምስክር እየ፤ እቲ ዝለኣኸኒ ኣብውን ምስክረይ እዩ” በሎም።

19ንሳቶም ከዓ “ኣቦኻኸ ኣበይ ኣሎ?” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ንኣይ ኮነ ነቦይ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤ ንኣይ እንተ እትፈልጡንስ፥ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም” ኢሉ መለሰ።

20ነዝ ነገራት እዙይ፥ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ጥቓ መቐበሊ ምፅዋት ኮይኑ ኽምህር እንተሎ እዩ ዝተዛረቦ። ጊዜኡ ስለ ዘይበፅሐ ግና፥ ሓደኳ ዝሓዞ ኣይነበረን።

21ኢየሱስ መሊሱ “ኣነ እኸይድ ኣለኹ፤ ክትደልዩኒ ኢኹም፤ እንተ ኾነ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም። ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፥ ንስኻትኩም ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም።

22ሽዑ ኣይሁድ “‘ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፥ ንስኻትኩም ክትመፁ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ምባሉስ፥ ንባዕሉ ደኾን ባዕሉ ኽቐትል ደልዩ?” በሉ።

23ኢየሱስ ድማ “ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፤ ኣነ ግና ኻብ ላዕሊ እየ፤ ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም፤ ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮንኩን።

24ስለዙይ ከዓ እየ፥ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም ዝበልኩኹም። ኣነ ንሱ ምዃነይ እንተ ዘይኣሚንኩም፥ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም” በሎም።

25ሽዑ ንሳቶም “ንስኻ መን ኢኻ?” በልዎ፤ ኢየሱስ ድማ “ኣነ እቲ ኻብ መጀመርታ ሒዘ ዝነገርኩኹም እየ።

26ብዛዕባኻትኹም ብዙሕ ዝዛረቦን ዝፈርዶን ኣለኒ፤ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፤ ኣነውን ነቲ ኻብኡ ዝሰማዕኽዎ፥ ንዓለም እነግር ኣለኹ” በሎም።

27ንሳቶም ግና ብዛዕባ ኣብ፥ ከም ዝተዛረቦም ኣይፈለጡን።

28ስለዙይ ኢየሱስ “ንወዲ ሰብ ልዕል ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ፥(ለ) ኣነ ንሱ ኸም ዝኾንኩን፥ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ ኸም ዝገብርን እምበር፥ ካብ ርእሰይ ሓንቲኳ ኸም ዘይገብር፥ ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም።

29እቲ ዝለኣኸኒ ምሳይ ኣሎ፤ ኵልሻዕ ደስ ዘብሎ ስለ ዝገብር ድማ፥ ኣብ በይነይ ኣይሓድገንን እዩ” በሎም።

30ንሱ ነዙይ ምስ ተዛረበ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ።

31ስለዙይ ኢየሱስ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ “ንስኻትኩም ብቓለይ እንተ ፀኒዕኹም፥ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም።

32ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፤ እታ ሓቂውን፥ ሓራ ኽተውፅአኩም እያ” በሎም።

33ንሳቶም ከዓ “ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፤ ንዝኾነ ባሮት ኴንና ኣይንፈልጥን። ከመይ ኢልካ ደኣ፥ ሓራ ኽትወፁ ኢኹም ትብለና ዘለኻ?” ኢሎም መለሱሉ።

34ኢየሱስ ድማ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኵሉ ሓጢኣት ዝገብር፥ ንሱ ናይ ሓጢኣት ባርያ እዩ።

35ባርያ ኣብ ቤት ንዅልሻዕ ኣይነብርን እዩ። ውሉድ ግና ንዅሉ ጊዜ ኣብኡ ነባሪ እዩ።

36ወልድ ሓራ እንተ ኣውፂኡኩም፥ ብሓቂ ሓራ ዝወፃእኹም ክትኮኑ ኢኹም።

37ንስኻትኩም ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምስ እፈልጥ እየ። ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይሓደረ ግና፥ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም።

38ኣነ ነቲ ኻብ ኣቦይ ዝረአኽዎ እዛረብ ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ከዓ ነቲ ኻብ ኣቦኻትኩም ዝረአኹምዎ ትገብሩ ኣለኹም” በሎም።

39ንሳቶም ድማ “ንኣናስ ኣቦና ኣብርሃም እዩ” ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ከዓ “ውሉድ ኣብርሃም እንተ እትኾኑስ፥ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም።

40ሕዚ ግና ካብ እግዚኣብሄር ዝሰማዕኽዎ ሓቂ ንዝነግረኩም፥ ነኣይ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም፤ ኣብርሃምስ ከምዙይ ኣይገበረን።

41ንስኻትኩም ግና ግብሪ ኣቦኻትኩም ትገብሩ ኣለኹም” በሎም። ንሳቶም ድማ “ንሕናስ ብዝሙት ዝተወለድና ኣይኮንናን። ሓደ ኣቦ ኣለና፤ ንሱ ኸዓ እግዚኣብሄር እዩ” በልዎ።

42ኢየሱስ ከዓ “ኣነ ኻብ እግዚኣብሄር እየ ዝወፃእኹን ዝመፃእኹን፤ ንሱ ልኢኹኒ እምበር፥ ባዕለይ ኣይመፃእኹን፤ ስለዙይ ኣቦኻትኩም እግዚኣብሄር እንተ ዝኸውንስ፥ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም።

43ስለ ምንታይ ኢኹም ዘረባይ ዘይተስተውዕሉ? ቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይከኣልኩም እዩ።

44ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኻትኩም ዲያብሎስ ኢኹም፤ ድልየት እቲ ኣቦኻትኩም ክትገብሩ ኢኹምውን እትደልዩ ዘለኹም፤ ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታሊ ነፍሲ እዩ፤ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየለ፥ ኣብ ሓቂ ኣይፀንዕን እዩ። ሓሳዊ፥ ኣቦ ሓሰትውን ስለ ዝኾነ፥ ሓሰት ክዛረብ እንተሎ ኻብ ባዕሉ እዩ ዝዛረብ።

45ኣነ ሓቂ ስለ ዝዛረብ ግና ኣይትኣምኑንን።

46ካባኻትኩም፥ ብዛዕባ ሓጢኣት ክወቕሰኒ ዝኽእልከ መን ኣሎ? ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኮንኩኸ ስለ ምንታይ ዘይትኣምኑኒ?

47እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ቃል እግዚኣብሄር እዩ ዝሰምዕ። ንስኻትኩም ግና፥ ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዘይኮንኩም ኣይትሰምዑን።”

48ኣይሁድ ከዓ “ሳምራዊ ኢኻ፤ ጋኔንውን ኣለካ ምባልናስ ሓቂዶ ኣይኮነን?” ኢሎም መለሱሉ።

49ሽዑ ኢየሱስ “ኣነስ ነቦይ ደኣ ኣኽብሮ ኣለኹ እምበር፥ ጋኔንስ የብለይን። ንስኻትኩም ግና ተቃልሉኒ ኣለኹም።

50ኣነ ኽብሪ ርእሰይ ኣይደልን እየ፤ እቲ ዝደልን ዝፈርድን ግና ኣሎ።

51ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ቃለይ ዝሕሉ ንዘለኣለም ፈፂሙ ኣይመውትን” በሎም።

52ኣይሁድ ድማ “ሕዝስ ጋኔን ከም ዘለካ ፈሊጥና፤ ኣብርሃም እኳ ሞይቱ፤ ነቢያትውን ሞይቶም፤ ንስኻ ግና ‘ቃለይ ዝሕሉ ንዘለኣለም ኣይመውትን’ ትብል ኣለኻ።

53ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ፥ ንስኻ ትዓቢ ኢኻ? ነቢያትውን ሞይቶም እዮም፤ ንባዕልኻ መን እየ ትብል ኣለኻ?” በልዎ።

54ኢየሱስ ከዓ “ኣነ ንባዕለይ እንተ ኣኽበርኩ ኽብረተይ ከንቱ እዩ፤ ዘኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ።

55ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፤ ኣነ ግና እፈልጦ እየ። ኣይፈልጦን እንተ በልኩ ከዓ፥ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምኾንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦ፥ ቃሉውን እሕሉ እየ።

56ኣቦኻትኩም ኣብርሃም፥ መዓልተይ ክርኢ ተሓጐሰ፤(ሐ) ሪኡ ኸዓ ደስ በሎ” ኢሉ መለሰሎም።

57ኣይሁድ ድማ “ገና ሓምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ፥ ንኣብርሃም ሪአዮ ትብል ኣለኻ?” በልዎ።

58ኢየሱስ ከዓ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኣብርሃም እንተይተወለደ ‘ኣነ ነይረ እየ’ ” በሎም።

59ሽዑ ኽወቕዕዎ እምኒ ኣልዓሉ፤ ኢየሱስ ግና ተሰወረ። ካብ ቤተ መቕደስ ወፂኡውን ብማእኸሎም ሓሊፉ ኸደ።

ትርጓሜ

8:1-11 ክርስቶስ ንሕጊ ኣይነቀፈን፣ በደል እታ እሱርቲ እውን ኣይመሓረን፤ ከምኡ’ውን ንመሰልቲ ቅንኣት ፈሪሳውያን ኣይተቐበለን። እቶም ንኻልኦት ዚፈርዱ እሞ ንሳቶም ድማ ከምኡ ዚገብሩ ሰባት፣ ንርእሶም ይኹንኑ እዮም። እቶም ብዝዀነ ይኹን መገዲ ንጕድለታት ካልኦት ንምውቀስ እተጸውዑ ዘበሉ ዅሎም ድማ፣ ብፍላይ ናብ ርእሶም ኪጥምቱን ንርእሶም ቅዱሳት ጌርኪ ኺሕልዉን የገድሶም። ኣብዛ ጉዳይ እዚኣ ክርስቶስ ናብ ዓለም ዝመጸላ ዓባይ ግብሪ ኣቓልበ። እዚ ድማ ሓጥኣን ናብ ንስሓ ንምምጻእ እዩ ነይሩ፤ ንኸጥፍእ ዘይኰነስ፡ ንኸድሕን እዩ።

ንሱ ንተኸሳሲት ብምሕረቱ ናብ ንስሓ ንምምጻእ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንከሳሲታታ እውን ሓጢኣታቶም ብምርኣይ ናብ ንስሓ ንምምላስ እዩ ደልዩ። ንሳቶም ከንቅውዎ እዮም ሓሲቦም፣ ንሱ ግን ንምእማንን ንምምላስን ደለየ። ምስ ስራሕ ዳኛ ምሕዋስ ኣበየ። ብዙሓት ገበናት ካብቲ ዚረኽብዎ ንላዕሊ ኣዝዩ ብርቱዕ ቅጽዓት ይግብኦም እዩ፤ ግናኸ ንሕና እተጸዋዕናሉ ዘይኰነ ስራሕ ንምስራሕ፡ ንገዛእ ስራሕና ክንሓድግ የብልናን።

ክርስቶስ ምስ ሰደዳ፡ በዚ መጠንቀቕታ እዚ እዩ ነይሩ፡ "ኪዲ፡ ደጊም ድማ ሓጢኣት ኣይትግበሪ።" እቶም ህይወት ገበነኛ ዜድሕኑ፣ ብተመሳሳሊ መጠንቀቕታ ንነፍሲ እውን ኬድሕኑ ኣለዎም። ክርስቶስ ዘይኰንኖም ሰባት፣ ብሓቂ ሕጉሳት እዮም። ጸጋ ክርስቶስ ንሓለፉ ሓጢኣትና ብምሕራፉ ዘርኣየና፣ "ኪዲ እሞ ደጊም ሓጢኣት ኣይትግበሪ" ንምግባር ኣባና ጽልዋ ኪገብር ኣለዎ።

8:12-16 ክርስቶስ ብርሃን ዓለም እዩ። ኣምላኽ ብርሃን እዩ፣ ክርስቶስ ከኣ ምስሊ እቲ ዘይርአ ኣምላኽ እዩ። ሓንቲ ጸሓይ ንብዘላ ዓለም ተብርህ፤ ከምኡ ድማ ሓደ ክርስቶስ፣ ካልእ ኣየድልን። ዓለም ብዘይ ጸሓይ ክንደይ ጸልማት ደልዳሎ ምኾነት! ከምኡ ድማ ብዘይ የሱስ ምኾነት፣ ብእኡ ብርሃን ናብ ዓለም ዝመጸ። ንክርስቶስ ዝስዕቡ ኣብ ጸልማት ኣይከዱን። ንሳቶም ካብ ዜጥፍእ ስሕተት ንምክልኻል ዘድሊ ሓቅታትን፣ ካብ ዜውግዝ ሓጢኣት ንምክልኻል ዘድሊ ኣብ መገዲ ግዴታ ዘሎ መምርሒታትን ኣይስእንዎን።

8:17-20 ንክርስቶስ ዝያዳ እንተ ፈሊጥናዮ፡ ንኣቦውን ዝያዳ ምፈለጥናዮ። እቶም ካብ ክርስቶስ ኪመሃሩ ዘይፈቕዱ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ኣብ ምሕሰምቶም ከንቱ ይኾኑ። እቶም ንኽብሩን ጸግኡን ዘይፈልጡ፡ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦ ኣይፈልጡዎን። እዋን ምውጻእና ካብዛ ዓለም እዚኣ ብኣምላኽ ዝምርኮስ እዩ። ጸላእትና ቕድሚ እቲ ብኣቦ እተሰርዐ እዋን ኬፋጥንዎ ኣይክእሉን እዮም፡ ከምኡ'ውን ፈተውትና ኻብቲ እተሰርዐ እዋን ሓሊፎም ኬናውሕዎ ኣይክእሉን። ዝኾነ ሓቀኛ ምእመን ናብ ላዕሊ ገጹ ርእዩ ብሓጎስ፡ “እዋናት ህይወተይ ኣብ ኢድካ እዩ፡ ኣብ ኢድካ ምህላዉ ድማ ካብ ኣብ ኢደይ ምህላዉ ይሓይሽ” ኪብል ይኽእል እዩ። ንኹሉ ዕላማታት ኣምላኽ እዋን ኣለዎ።

8:21-29

እቶም ብዘይእምነት ዚነብሩ፣ ብዘይእምነት እንተ ሞቶም፣ ንዘለኣለም ይጠፍኡ። ኣይሁድ ናይዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ዓለም ኣባላት ነበሩ፣ ግናኸ የሱስ ሰማያዊን መለኮታዊን ባህርይ ነበሮ፣ ስለዚ ትምህርቱን መንግስቱን በረኸታቱን ንምርጫኦም ኣይመሰማማዕን። ግናኸ መርገም ሕጊ ንዅሎም ንጸጋ ወንጌል ዚእዘዙ ተሰሪዙ እዩ። ካብ ትምህርቲ ጸጋ ክርስቶስ ወጻኢ ሓያልን ፍረ ዘለዎን መከራኸሪ የልቦን፣ ካብ መንፈስ ጸጋ ክርስቶስ ወጻኢ እውን ካብ ሓጢኣት ናብ ኣምላኽ ተባዕቲቱ ኪመልሰና ዚኽእል ሓያልን ፍረ ዘለዎን ወኪል የልቦን። እቲ መንፈስን እታ ትምህርትን ድማ ነቶም ብክርስቶስ ዚኣምኑ ጥራይ ተባዕቲቶም ኪዓይዩ ተዋሂቦም እዮም። ገሊኣቶም እዚ የሱስ እዚ መን እዩ ይብሉ? ንሱ ነብዪ፣ ልዑል መምህር፣ ካብ ፍጥረት እውን ዝበለጸ ከም ዝነበረ ይቕበሉ እዮም፣ ግናኸ ልዕሊ ዅሉ ዝኾነ ንዘለኣለም ዝተባረኸ ኣምላኽ ምዃኑ ኪቕበሉ ኣይክእሉን እዮም። እዚዶ ኣይኣክልን እዩ? የሱስ ከኣ እታ ሕቶ መልሰ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6