ወንጌል ዮሃንስ 2

BCV aksumትግርኛ25 ፍቕድታት3:51 ስማዕ
ስማዕ 3:51 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ኸዓ፥ ኣብ ገሊላ ኣብ እትርከብ ኣብ ቃና መርዓ ነበረ። እኖ ኢየሱስውን ኣብኡ ነበረት።

2ኢየሱስውን ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብቲ መርዓ ተዓዲሙ ነበረ።

3ወይኒ ምስ ተወድኦም፥ እኖ ኢየሱስ “ወይኒኮ የብሎምን እዩ” በለቶ።

4ኢየሱስ ድማ “ኣቲ ሰበይቲ ምሳኺ እንታይ ኣለኒ? ጊዜይ እኮ ገና ኣይበፅሐን” በላ።

5እኖኡ ኸዓ ነቶም መሰለፍቲ “ኵሉ ንሱ ዝብለኩም ግበሩ” በለቶም።

6ኣብኡ ኣይሁድ ከምቲ ስርዓቶም ዝነፅሁለን፥ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ዝንግሪር ዝሕዛ፥ ሽዱሽተ ኣጋንእ እምኒ ተቐሚጠን ነበራ።

7ኢየሱስ ነቶም መሰለፍቲ “ነዘን ኣጋንእ፥ ማይ ምልእወን” በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ኽሳዕ ኣፈን መልእወን።

8ሽዑ “ሕዚ ቐዲሕኹም ነቲ ኣቦ ዳስ ሃብዎ” በሎም። ንሳቶም ድማ ወሲዶም ሃብዎ።

9እቲ ኣቦ ዳስ ግና፥ ነቲ ናብ ወይኒ ዝተለወጠ ማይ፥(ሀ) ኻበይ ከም ዝመፀ ኣይፈለጠን፤ እቶም ማይ ዝመልኡ መሰለፍቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ። እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ፀዊዑ፦

10“ኵሉ ሰብ ኣቐዲሙ ጥዑም ወይኒ የስቲ፤ ብዙሕ ምስ ሰተዩ ኸዓ፥ እቲ ዝተሓተ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጥዑም ወይኒ ኽሳዕ ሕዚ ኣፅኒሕኻዮ” በሎ።

11ኢየሱስ ነዝ ናይ መጀመርታ ተኣምራት እዙይ፥ ኣብ ገሊላ ኣብ እትርከብ ኣብ ቃና ገበረ። ክብሩ ድማ ገለፀ፤ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ ኣመኑ።

12ድሕሪዙይ ንሱ፥ እኖኡ፥ ኣሕዋቱ፥ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብ ቅፍርናሆም ወሪዶም፥ ኣብኡ ቑሩብ መዓልቲ ተቐመጡ።

13ፋሲካ ኣይሁድ ቀሪቡ ነበረሞ፥ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ።

14ኣብ ቤተ መቕደስ ከዓ፥ ኣብዑርን ኣባጊዕን ርግብታትን ዝሸጡ፥ መሽረፍቲ ገንዘብውን ተቐሚጦም ረኸበ።

15ካብ ገመድ ጭጕራፍ ተኒጉ፥ ንዅሎም ኣባጊዕን ኣብዑርን፥ ካብ ቤተ መቕደስ ኣውፅኦም፤ ንገንዘብ እቶም መሽረፍቲ እውን በተኖ፤ ነቲ ጠረጴዛውን ገምጠሎ።

16ነቶም ሸየጥቲ ርግብታት ድማ “ነዙይ ካብዙይ ኣልዕልዎ! ንቤት ኣቦይ ቤት ንግዲ ኣይትግበርዎ!” በሎም።

17ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ቅንኣት ቤትካ በልዐኒ” ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ።

18ሽዑ ኣይሁድ፥ “ነዙይ ክትገብር ስልጣን ከም ዘለካ፥ እንታይ ምልክት ተርእየና?” ኢሎም ጠየቕዎ።

19ኢየሱስ ድማ፥ “ነዝ ቤተ መቕደስ እዙይ ኣፍርስዎ፤ ኣነ ኸዓ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕሎ እየ” ኢሉ መለሰሎም።

20እቶም ኣይሁድ ድማ “እዝ ቤተ መቕደስ እዙይ በርብዓን ሽዱሽተን ዓመት እዩ ዝተሃንፀ፤ ንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ኽተልዕሎ ኢኻ?” በልዎ።

21ንሱ ግና ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ሰብነቱ እዩ ዝተዛረበ።

22ካብ ምዉታን ምስ ተስአ፥ ደቀ መዛሙርቱ ስለዙይ ከም ዝበሎም ዘከሩ፤ በቲ ቓል መፅሓፍን፥ በቲ ኢየሱስ ዝተዛረቦን ድማ ኣመኑ።

23ነቲ ኢየሱስ ብበዓል ፋሲካ ኣብ ኢየሩሳሌም እንተሎ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረአዩ፥ ብዙሓት ሰባት ብእኡ ኣመኑ።

24ኢየሱስ ግና ንዅሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ ኣይኣመኖምን።

25ነቲ ዅሉ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ስለ ዝፈልጥ ከዓ፥ ሓደኳ ብዛዕባ ሰብ ክነግሮ ኣየድልዮን ነበረ።

ትርጓሜ

2:1-11 መርዓ ምስ ዝኸውን፡ ክርስቶስ ናቱ ገይሩ ክባርኾ ብፍላይ ዝድለ እዩ። ክርስቶስ ኣብ መርዓኦም ምስኦም ክህሉ ዝደልዩ፡ ብጸሎት ክዕድምዎ ኣለዎም፡ ንሱ ድማ ክመጽእ እዩ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ከለና፡ ሙሉእ ምዃንና እንተደኣ መስለና እኳ፡ ሓሓሊፍና ብጸበባ ንርከብ ኢና። ኣብ መርዓ ድግስ ሕጽረት ነበረ። ነቶም ነቲ ናይ ዓለም ነገር ሓልዮት ዝገብሩ፡ ጸገምን ተስፋ ምቑራጽን ክጽበዩ ይግባእ። ናብ ክርስቶስ ኣብ እንቀርብሉ እዋን፡ ጉዳይና ብትሕትና ኣብ ቅድሚኡ ኸምስጥሮ ኣለና፡ ድሕሪኡ ድማ ከም ፍቓዱ ክገብር ንርእስና ናብኡ ክንገድፍ ኣለና።

ክርስቶስ ንኣዲኡ ኣብ ዝመለሰላ እዋን፡ ዘይምኽባር ኣይነበረን። ካብ መስቀል ንኣኣ ብፍቕሪ ክዛረባ ከሎ፡ ንሱ ነቲ ሓደ ቃል ተጠቒሙሉ እዩ፤ ይኹንምበር፡ ንጣኦታዊ ኣምልኾ ናይ ድሕሪ ዘመናት፡ ንኣዲኡ ዘይግብኦ ክብሪ ኣብ ምሃብ፡ ነባሪ ምስክር እዩ። እንታይ ክንገብር ከምዘይንፈልጥ ከለና፡ ሰዓቱ ይመጽእ እዩ። ምዝንጋዕ ምሕረት፡ ምግዳል ጸሎት ኣይኮነን። ንጽጋጋት ክርስቶስ ዝጽበዩ፡ ትእዛዛቱ ብቕጽበታዊ ምእዛዝ ክሕልዉ ኣለዎም። መገዲ ግዴታ፡ መገዲ ምሕረት እዩ፤ ኣገባባት ክርስቶስ ድማ ክቃወሙ የብሎምን።

መጀመርታ ተኣምራት ሙሴ፡ ማይ ናብ ደም ምቕያር ነበረ (ዘጸ 7:20)፤ መጀመርታ ተኣምራት ክርስቶስ ድማ ማይ ናብ ወይኒ ምቕያር ነበረ፤ እዚ ድማ ብዛዕባ ዘሎ ፍልልይ ኣብ መንጎ ሕጊ ሙሴን ወንጌል ክርስቶስን ከዘኻኽረና ይኽእል እዩ። ንሱ፡ ንኹሎም እሙናት ኣመንቲ፡ ፍጥረታዊ ምቾት ከዐቢ ከምዝኽእልን ንሳቶም ብሓቂ ምቾት ክኾኑ ድማ ከምዝገብሮን ኣርኣየ። ግብራት ክርስቶስ ድማ ኩሎም ንጥቕሚ እዮም። ማይካ ናብ ወይኒ ቀይሩልካ፡ ፍልጠትን ጸጋን ሂቡካ ድዩ? ኩሉ ንጥቕሚ እዩ፤ ስለዚ ሕጂ ኣውጽእ እሞ ተጠቐመሉ።

እቲ ዝበለጸ ወይኒ ነበረ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6