ወንጌል ዮሃንስ 1

BCVትግርኛ51 ፍቕድታት10:42 ስማዕ
ስማዕ 10:42 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብመጀመርታ ቓል ነበረ፤ እቲ ቓል ድማ ኣብ እግዚኣብሄር ነበረ፤ እቲ ቓልውን እግዚኣብሄር ነበረ።

2ንሱ ብመጀመርታ ኣብ እግዚኣብሄር ነበረ።

3ኵሉ ብእኡ ኾነ፤ ካብቲ ዅሉ ዝኾነ ድማ፥ ብዘይ ብእኡ ሓደኳ ዝኾነ የለን።

4ህይወት ኣብኡ ነበረት፤ እታ ህይወት ከዓ፥ ብርሃን ሰብ ነበረት።

5ብርሃንውን ኣብ ፀልማት የብርህ፤ ፀልማት ከዓ ኣይሰዓሮን።

6ካብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ዮሃንስ ዝስሙ ሓደ ሰብ ነበረ።

7ንሱ ምስክር ኮይኑ፥ ኵሎም ብብርሃን ምእንቲ ኽኣምኑ፥ ብዛዕባ ብርሃን ክምስክር መፀ።

8ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኽምስክር መፀ እምበር፥ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን።

9እቲ ንዅሉ ሰብ ዘብርህ ናይ ብሓቂ ብርሃን ግና፥ እቲ ናብ ዓለም ዝመፀ እዩ።

10ኣብ ዓለምውን ነበረ፤ ዓለም ከዓ ብእኡ ኾነ፤ ዓለም ግና ኣይፈለጦን።

11ናብቶም ናቱ መፀ፤ እቶም ናቱ ግና ኣይተቐበልዎን።

12ነቶም ኵሎም ዝተቐበልዎን ብስሙ ንዝኣመኑን ግና፥ ውሉድ እግዚኣብሄር ክኾኑ ስልጣን ሃቦም።

13ንሳቶም ከዓ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተወለዱ እምበር፥ ካብ ደም፥ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፥ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ(ሀ) ዘይተወለዱ እዮም።

14እቲ ቓልውን ስጋ ኾነ፤ ፀጋን ሓቅን(ለ) መሊእዎ ኸዓ ኣባና(ሐ) ሓደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ፥ ክብሩ ረአና።

15ዮሃንስ ብዛዕባኡ፥ “እቲ ብድሕረይ ዝመፅእ ቅድመይ ዝነበረ እዩሞ፥ ንሱ ኻባይ ይዓቢ እዩ ዝበልኩኹም እዙይ እዩ” እናበለ ዓው ኢሉ መስከረ።

16ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ፥ ፀጋ ኣብ ልዕሊ ፀጋ ተቐበልና።

17ሕጊ ብሙሴ ተውሃበ፤ ፀጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ ኮነ።

18ንእግዚኣብሄርስ ዝረአዮ ሓደኳ የለን፤ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ፥ ሓደ ወዱ ደኣ ገለፆ እምበር።

19ኣይሁድ “ንስኻ መን ኢኻ?” ኢሎም ክጥይቕዎ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን፥ ናብኡ ምስ ለኣኹሉ፥ ናይ ዮሃንስ ምስክርነት እዙይ እዩ፦

20“ኣነስ ክርስቶስ ኣይኮንኩን” ኢሉ መስከረ እምበር፥ ኣይከሓደን።

21ንሳቶም ድማ “መን ደኣ ኢኻ? ኤልያስ ዲኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ።¶ ንሱ ኸዓ “ኣይኮንኩን” በለ።¶ “እቲ ነቢይ ዲኻ?”¶ ንሱ ኸዓ “ኣይኮንኩን” ኢሉ መለሰሎም።

22ሽዑ ንሳቶም “መን ደኣ ኢኻ? ነቶም ዝለኣኹና መልሲ ምእንቲ ኽንህቦምስ፥ ንባዕልኻ መን እየ ትብል?” በልዎ።

23ዮሃንስ ከዓ “ኣነስ ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ፦ ‘መንገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ’ እናበለ፥ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ እየ” በሎም።

24እቶም ልኡኻት ካብ ወገን ፈሪሳውያን ነበሩ።

25ንሳቶም ከዓ “እምበኣር ክርስቶስ ወይ ኤልያስ ወይ ነቢይ እንተ ዘይኴንካ፥ ንምንታይ ተጥምቕ ኣለኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ።

26ዮሃንስ ድማ “ኣነ ብማይ ኣጥምቕ ኣለኹ፤ ግና ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ኣብ ማእኸልኩም ደው ኢሉ ኣሎ።

27እቲ ቕድመይ ዝነበረ ብድሕረይ ዝመፅእ፥ ኣነ መእሰሪ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቅዕ፥ ንሱ እዩ”(መ) ኢሉ መለሰሎም።

28እዙይ ኣብቲ ዮሃንስ ዘጥምቐሉ ዝነበረ፥ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤተ ራባ፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኮነ።

29ንፅባሒቱ፥ ዮሃንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ “ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ፥ ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ እንሆ!” በለ።

30“እቲ ኣነ ብዛዕባኡ፥ ‘እቲ ብድሕረይ ዝመፅእ ቅድመይ ዝነበረ እዩሞ፥ ንሱ ኻባይ የመና ይዓቢ እዩ’ ዝበልኩኹም እዙይ እዩ።

31ኣነ ኣይፈልጦን ነይረ፤ ንሱ ግና ንእስራኤል ምእንቲ ኽግለፅ፥ ኣነ ብማይ እናጥመቕኩ መፃእኹ።”

32መሊሱውን ዮሃንስ ከምዙይ ኢሉ መስከረ፦ “መንፈስ ቅዱስ፥ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ኽወርድ እንተሎ ረአኹ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ሓደረ።

33እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ፥ ‘መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ኽቕመጥ እንተሎ እትሪኦ፥ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ(ሠ) ዘጥምቕ’ ኢሉኒ ደኣ እምበር፥ ኣነስ ኣይፈልጦን ነይረ።

34ኣነ ባዕለይ ከዓ ረአኹ፤ ንሱ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ ድማ መስከርኩ።”

35ንፅባሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ደው ኢሉ ነበረ።

36ንኢየሱስ ክሓልፍ እንተሎ ምስ ረአዮ “እንሆ! ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ” በለ።(ረ)

37እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ከዓ፥ እዙይ እንትብል ሰሚዖም ንኢየሱስ ተኸተልዎ።

38ኢየሱስ ከዓ ዘወር ኢሉ ክኽተልዎ እንተለዉ ሪኡ፥ “እንታይ ትደልዩ ኣለኹም?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ረቢ፥ ኣበይ ትነብር?”(ሰ) በልዎ፤ “ረቢ” ትርጕሙ “መምህር” ማለት እዩ።

39ንሱ ኸዓ “ንዑ ረአዩ” በሎም። መፂኦም ድማ ኣበይ ከም ዝነብር(ሸ) ረአዩ፤ በታ ዕለት እቲኣውን ምስኡ ወዓሉ፤ ጊዜኡውን ዓሰርተ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ።

40ካብቶም ዮሃንስ ዝበሎ ሰሚዖም ንኢየሱስ ዝተኸተልዎ ኽልተ፥ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ ነበረ።

41ንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞ፥ “ንመሲሕ ረኺብናዮ” በሎ። ትርጕሙ ኸዓ “ክርስቶስ” ማለት እዩ።

42ናብ ኢየሱስውን ወሰዶ፤ ኢየሱስ ከዓ ናብኡ እናጠመተ “ንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ፤ ንስኻ ኬፋ(ቀ) ኽትብሃል ኢኻ” በሎ። ትርጕሙ “ጴጥሮስ” ማለት እዩ።

43ንፅባሒቱ ኢየሱስ ናብ ገሊላ ክኸይድ ደለየ፤ ንፊልጶስ ከዓ ረኸቦ እሞ፥ “ተኸተለኒ” በሎ።

44ፊልጶስ ድማ ኻብ ቤተ ሳይዳ፥ ወዲ ዓዳቶም ንእንድርያስን ንጴጥሮስን ነበረ።

45ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እሞ “እቲ ሙሴ ኣብ ኦሪት፥ ነቢያትውን ብዛዕባኡ ዝፀሓፉሉ፥ ንኢየሱስ ወዲ ዮሴፍ በዓል ናዝሬት ረኺብናዮ” በሎ።

46ናትናኤል ድማ “ካብ ናዝሬትዶ ሰናይ ኽወፅእ ይኽእል እዩ?” በሎ። ፊልጶስ ከዓ “ነዓ ረአ” በሎ።

47ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ፥ ብዛዕባኡ “እንሆ! ኽፍኣት ዘይብሉ ብሓቂ እስራኤላዊ” በለ።

48ናትናኤል ድማ “ኣበይ ትፈልጠኒ?” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ፊልጶስ እንተይፀውዐካ ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ እንተለኻ ሪአካ” ኢሉ መለሰሉ።

49ናትናኤል ድማ “መምህር፥ ንስኻ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ፤ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።

50ኢየሱስ ድማ “ኣብ ትሕቲ በለስ ሪአካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካ? ገና ኻብዙይ ዝዓቢ ኽትርኢ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።

51ኣስዒቡ ኸዓ “ካብ ሕዚ ሰማይ ተኸፊቱ፥ መላእኽቲ እግዚኣብሄርውን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ፥(በ) ክድይቡን ክወርዱን ከም እትሪኡ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።

ትርጓሜ

1:1-5 ወዲ ኣምላኽ 'ቃል' ተባሂሉ ዝጽዋዕሉ ዝበለጸ ግልጺ ምኽንያት፡ ከምቲ ናትና ቃላት ሃናፍርና ንኻልኦት ዝገልጹልና፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ኣምላኽ ናይ ኣቡኡ ሃናፍር ንዓለም ንምግላጽ ተላኢኹ እዩ ዝኸውን። እቲ ወንጌላዊ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝብሎ፡ ንሱ ኣምላኽ ምዃኑ የመስክር። ንሱ ኣብ መጀመርታ ምንባሩን ምስ ኣቦ ምዃኑን የረጋግጽ። እቲ ቃል ምስ ኣምላኽ ነበረ። ኵሉ ብእኡ እዩ ተፈጢሩ እምበር፡ ከም መሳርሒ ኣይኮነን። ብዘይካኡ ዝኾነ ዝተፈጥረ የልቦን፡ ካብ ዝዓበየ መልኣኽ ክሳብ ዝነኣሰ ትልሚ። እዚ ንዕዮ ቤዛነትናን ምድሓንናን ክንደይ ብቑዕ ምዃኑ የርኢ። ብርሃን ምስትውዓልን ህይወት ስምዒትን ካብኡ ዝመጸን ብእኡ ዝምርኮስን እዩ። እዚ ዘለኣለማዊ ቃል፡ እዚ ሓቀኛ ብርሃን የንበርብር እዩ፡ እምበር ጸልማት ኣይተረድኦን። ዓይንና ነዚ ብርሃን ንምርኣይ ክኽፈት፡ ኣብኡ ኸኣ ክንመላለስ፡ በዚ ድማ ብእምነት ብኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ምድሓን ጥበበኛታት ክንከውን፡ ብዘይ ምቊራጽ ንጸሊ።

1:6-14 ዮሃንስ መጥምቕ ብዛዕባ የሱስ ክምስክር መጸ። ካብዚ ዝዓቢ ጸልማት ሓሳብ ሰብ ኣይርአን እዩ፤ ብርሃን ምስ ተገልጸ እኳ፡ ንዕኡ ንምጥማት ምስክር ዘድለዮ። ክርስቶስ እቲ ናይ ሓቂ ብርሃን ነበረ፤ ከምኡ ኺብሃል ዘገባእዮ ዓቢ ብርሃን። ብመንፈሱን ብጸግኡን፡ ንኹሎም ናብ ምድሓን ዚበርሁ፡ የብርሆም እዩ፤ እቶም ብእኡ ዘይበራሁ ኸኣ፡ ብጸልማት ይጠፍኡ። ክርስቶስ ነባርና ምስ ለበሰ፡ ኣብ ማእከልና ምስ ሓደረ፡ ኣብ ዓለም ነበረ። ወዲ እቲ ልዑል ኣብዛ ታሕተዋይ ዓለም ነበረ። ኣብ ዓለም ነበረ፡ ግናኸ ናይ ዓለም ኣይነበረን። ዝጠፍአት ዓለም ምእንቲ ኬድሕን መጸ፡ ከመይሲ እዛ ዓለም እቲ ንሱ ዝፈጠራ እያ። ግናኸ ዓለም ኣይፈለጥቶን። ከም ዳኛ ዀይኑ ምስ መጸ ኸኣ፡ ዓለም ክትፈልጦ እያ። ብዙሓት ናይ ክርስቶስና ኢና ይብሉ፡ ግናኸ ንሓጥያቶም ኪሓድጉ ስለ ዘይደልዩ፡ ከምኡውን ንሱ ኣብ ልዕለኦም ኪነግስ ስለ ዘይደልዩ፡ ኣይቕበልዎን እዮም። ኩሎም ውሉድ ኣምላኽ ሓዳስ ልደት ይረኽቡ። እዛ ሓዳስ ልደት እዚኣ፡ ብቓል ኣምላኽ ከም መሳርሒ፡ 1ጴጥ 1:23፡ ከምኡውን ብመንፈስ ኣምላኽ ከም ደራሲ እያ ትፍጸም። ብመለኮታዊ ምህላዉ፡ ክርስቶስ ወትሩ ኣብ ዓለም ነበረ። ሕጂ ግና እቲ ምልኣት ዘመን ምስ በጽሐ፡ ብኻልእ ኣገባብ፡ ኣምላኽ ኣብ ስጋ ተገሊጹ ነበረ። ግናኸ እቲ ብመጋረጃ ስጋ ዝሓለፈ ጨረርታ መለኮታዊ ክብሩ ኣስተውዕል። ሰባት ንድኻሞም ኣብቶም ዝበዝሐ ዝለማመድዎም ይገልጹ፡ ግናኸ ምስ ክርስቶስ ከምኡ ኣይነበረን፤ እቶም ዝበዝሐ ዝቀረብዎ ንዓብዪ ክብሩ ረኣዩ። ብግዳማዊ ኩነታት መልክዕ ባርያ ኳ እንተ ነበሮ፡ ብጸጋታት ግና መልክዑ ከም ወዲ ኣምላኽ ነበረ። መለኮታዊ ክብሩ ኣብ ቅድስና ትምህርቱን ኣብ ተኣምራቱን ተራእየ። ንሱ ብጸጋ ዝመልአ ነበረ፡ ንኣቡኡ ድማ ብምልኡ ተቐባልነት ዝረኸበ ነበረ፡ ስለዚ ምእንታና ኪልምን ብቑዕ ነበረ፤ ብሓቂውን ዝመልአ ነበረ፡ ነቲ ኪገልጾ ዝነበሮ ነገራት ድማ ብምልኡ ዝፈልጥ ነበረ።

1:15-18 ብዛዕባ ኣቑጻጽራ ግዜን ናብ ዕዮኡ ምእታውን እንተ ዘይኮይኑ፡ ክርስቶስ ድሕሪ ዮሃንስ እዩ መጺኡ፤ ግናኸ ብኹሉ ካልእ መገዲ ቀዲሙዎ እዩ ነይሩ። እዚ ኣበሃህላ እዚ የሱስ ኣብ ምድሪ ከም ሰብ ቅድሚ ምምጽኡ ህላዌ ከም ዝነበሮ ብንጹር የርኢ። ምሉእ ምልኣት ኣብኡ ይነብር፤ ካብኡ ጥራይ ድማ ዝወደቑ ሓጥኣን ኣለባሚ፣ ሓያል፣ ቅዱስ፣ ጠቓሚ፣ ከምኡውን ሕጉስ ዝገብሮም ኩሉ ነገር ብእምነት ይረኽቡን ክረኽቡን እዮም። ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ኩሉ ኣብዛ ሓንቲ ቃል ጸጋ ተጠቓሊሉ ይርከብ፤ ጸጋ እውን ተቐቢልና ኢና፣ እዚ ኸኣ ብሓቂ ዓቢ፣ ሃብታም፣ ክቡርን ዋጋ ዘይብሉ ስጦታ እዩ፤ ንኣና ዘለዎ ሰናይ ፍቓድ ኣምላኽ፣ ከምኡውን ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሰናይ ዕዮ ኣምላኽ እዩ። ሕጊ ኣምላኽ ቅዱስ፣ ቅኑዕን ሰናይን እዩ፤ እሞ ንሕና እውን ብግቡእ ክንጥቀመሉ ይግባእ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6